መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንምንታይ’ዩ ገለ ሻንጣታት ኣብ ነፈርቱ ከይስቀል ዝኽልክል ዘሎ?

መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ፍቱውን ዝዉቱሩን ዝኾነ ‘ጋና መስተ ጎ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ሻንጣ ኣብ ነፈርቱ ከይስቐል ኣጊዱ።

ቤት ጽሕፈት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጀርያ ከምዝሓበሮ፡ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ሸቓጦ ዝጥቀምሉ ካብ መሸማዕን ጎማን ዝተሰርሐ ሻንጣ፡ ቀንዲ ምኽንያት ምብልሻው ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ንብረት ንምንቅስቓስ ዘገልግላ ተደፋእቲ ዓረብያታትን ማሽናት መዓርፎ ነፈርትን ኮይኑ ከምዘሎ ብምግላጽ ክኽልክሎ ከምዝወሰነ ሓቢሩ።

መንግዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ምክልኻል ናይዚ ሻንጣታት “ኣብ ብዙሓት መዓርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ማሽናት መረከቢ ኣቑሒት ዓቢ ገድኣት’ዩ ከውርድ ጸኒሑ” ብምባል መንገዲ ኣየራትን መዓርፎ ነፈርትን ንዘየድሊ ወጻኢታት ከቓልዐን ምጽንሑ ኣብሪሁ።

እዚ ‘ጋና መስት ጎ’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ሻንጣታት፡ ኣብ 1980ታት መብዛሕትኦም ጋናውያን ዝኾኑ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ካብ ናይጀርያ ኣብ ዝተሰጎጉሉ ዳርጋ ኩሎም እቶም ካብ ናይጀርያ ተሰጒጎም ናብ ጋና ዝኣተዉ ስደተኛታት ከምዚ ዓይነት ሻንጣ ሒዞም ስለዝነበሩ’ዩ እቲ ሻንጣ ‘ጋነ መስት ጎ’ ዝብል ስም ተዋሂብዎ።

እዚ ብቀሊሉ ተዓጻጻጺፉ ክጥርነፍ ዝኽእል ካብ መሸማዕን ጎማን ዝተሰርሐ ሻንጣ፡ ካብ ኣፍሪቃ ወጻኢ ኣብ ካልኦት ክፋላት ዓለም’ውን ብዙሕ ሰብ ይጥቀመሎም’ዩ።

እዚ ሻንጣ ብጀካ እቲ ‘ጋና መስት ጎ’ ዘብል ስሙ ኣብ ዚምባቡው ከኣ ‘ቦትስዋና ባግስ’ ተባሂሎም ይጽዋዕ፡ ኣብ ኬንያ ከኣ ብዙሕ ሰብ ‘ናይጀርያን ባግ’ እናበለ’ዩ ዝጽውዖ።

ኣብ ኤርትራ ከኣ ክመዚ ዓይነትን ዝተፈላየ ግዝወፊ ዝስራሕ ሻንጣ 'ሻንጣ ተሰነይ' ተባሂሉ'ዩ ዝጽዋዕ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እዚ ሻንጣ ኣብ ውሽጢ ባኮ እንተኣትዩ ወይ ብኻልእ ተሪር ድርዒ ዘለዎ ነገር እንተተሸፊኑ ጥራይ ኣብ ነፈርቲ ክኣቱ ከምዝኽል’ዩ ሓቢሩ ዘሎ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሓያለ መስመራት ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ ሌጎስ ቤት ጽሕፈቱ ገይሩ ኣብ ውሽጢ ናይጀርያ’ውን ሓያለ በረራታት የካይድ’ዩ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ሻንጣታት ብቐሊሉ ስለዝምሓቕ፡ ኣብተን ኣብ መዓፍፎ ነፈተርቲ ካብን ናብን ኣቑሑ ንምምልላስ ዘገልግላ ዓረብያታትን ካልኦት ንብረታት ማሽናት መዓርፎ ነፈርትን ዘስዕቦ ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው ብዙሓት መንገዲ ኣየራት ኣቐዲመን ከልኪለኦ’የን።

ኣብ 2017 ብሆላንድ ዝመሓደር መንገዲ ኣየር ከይኤልኤምን መንገዲ ኣየር ፈረንሳ ዝኾነ ኣየር ፍራንስ ነዚ ከምዚ ዓይንት ሻንጣታት ኣብ ነፈርተን ከይስቐል ኣቐዲመን ዝኸልከላ መንገዲ ኣየራት’የን።

ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ መንገዲ ኣየር ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ናይጀርያን ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ሓያለ በረራታት’ዩ ዘካይድ፤ ኣብ ሓያሎ መንገዲ ኣየራት’ውን ብርኪ ኣለዎ።