ኢትዮጵያ ኣባል ዞባዊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምዃን እንታይ ክትረብሕ ትኽእል?

ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢኤሲ)፡ ሓደሽቲ ኣባላት ብምቕባል ይሰፍሕ ኣሎ፤ ንልዕሊ 30 ዓመታት ኣብ ኲናት ሓድሕድ ዝጸንሐት ሶማልያ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣባል እቲ ጥርናፈ ኰይና ኣላ።

ኢትዮጵያን ጅቡትን ድማ ኣባል እቲ ማሕበር ንምዃን ሕቶ ከም ዘቕረባ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ማሕበር ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሞንጐ እተን ኣባል ሃገራት ናጻ ምንቅስቓስ ንግድን ምትእስሳር ዕዳጋን ንክፍጠር ይሕግዝ።

ስግኣት እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ዘለዋን ኣብቲ ከባቢ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ እትውንን ሶማልያ፡ ናብቲ ማሕበር ምጽንባር ቁጠባኣ ንምዕባይ ኣገዳሲ እዩ።

ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንታይ’ዩ?

እዚ ብ1999 ብስምምዕ ሰለስተ ሃገራት ማለት ኬንያ፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ዝተመስረተ ማሕበር ኰይኑ፡ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 300 ሚልዮን ዜጋታት ዘለውወን ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቘፈ’ዩ።

ድሒረን ዝተጸንበራ ርዋንዳን ቡሩንዲን ኮይነን ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣሩሻ ታንዛንያ ይርከብ።

ኣብዚ እዋን፡ እታ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጸንበረት ሶማልያ ሓዊሱ፡ ቡሩንዲ፣ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፣ ኬንያ፣ ርዋንዳ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኡጋንዳን ታንዛንያን ብኣባልነት ሓቝፉ ኣሎ።

ራእይ እቲ ማሕበር፡ ምዕቡል፣ ተወዳዳሪ፣ ውሑስ፣ ርጉእን ፖለቲካዊ ስምረት ዘለዎ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምምስራት ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል የመልክት።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ንብዙሓት ሃገራት ናይቲ ዞባ ዘጠቓለለ ዞባዊ ትካል ልምዓት በይነ-መንግስታት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) እውን ምህላው ይፍለጥ።

ኢጋድን ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃን

ኢጋድ ኮነ ማሕበረሰብ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ዕላማ ከም ዘለዎም ተመራማሪ ዓውዲ መጽናዕቲ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ተቐማጢ ሆላንድ ኣቶ ነኣምን ኣሸናፊ ይዛረብ።

ቀንዲ ትኹረቶም ድማ ድሕነት ዜጋታት ምሕላውን ልምዓት ምድንፋዕን’ዩ። ኢጋድ ዳግም ካብ ዝውደብ ንደሓር ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት የተኵር ኣሎ።

ኢኤሲ ግን ብቐንዱ ቁጠባውን ንግዳውን ርክባት ብምምችቻእ ሃገራት እቲ ዞባ ክጥቀማ ይገብር።

"ማሕበረሰብ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ቁጠባ ትኹረት ብምግባር ነቲ ሕብረተሰብ ናብ ምትእስሳር፣ ሓባራዊ ረብሓ ናብ ምስፋሕ፣ ቐረጻት ናብ ምምሕያሽ፣ ሓበራዊ ማእከላት ጉምሩክ ብምፍጣር ተደራራቢ ግብሪ ንምውጋድን ሓደ ዓይነት ቁጠባዊ ሕብረተሰብ ኣብ ምህናጽን ትኹረት ገይሩ ኣሎ” ይብል ኣቶ ነኣምን።

ብኣንጻሩ ኢጋድ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ሃገራት ሰላምን ጸጥታን ንክዓስል ትኹረት ክገብር ይደሊ። ኣብዚ፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበሮ እጃም ይጥቀስ።

ሕጂ’ውን እቲ ኣብ ሱዳን ዝቕጽል ዘሎ ጐንጺ ደው ንምባል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ብምጥቃስ፡ "ብሓፈሻ ኣብ ፖለቲካ ብምትኳር ሰላምን ጸጥታን ዝምልከት ይሰርሕ” ክብል የረድእ።

መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኰሰ ቁጠባ ስለ ዘለወን፡ ኣብ ሞንጐ ኣባል ሃገራት ንሕንሕ ክህሉ ይኽእል እዩ።

“ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብዝምልከት፡ ብመንጽር ኣተኣላልያ ጐንጺ፣ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግብረሽበራ፣ ጐንጺ ወዘተ ብሓባር ኣብ ምስራሕ” ዝዛነፉ ነገራት ክህልው ከም ዝኽእሉ ኣቶ ነኣምን ይዛረብ።

ኣብዚ እዋን ኣባል ማሕበረሰብ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይነን ኣባል ኢጋድ ዘይኰና ሃገራት ክህልዋ እንከለዋ፡ ኣባል ኢጋድ ኰይነን ኣባል ማሕበረሰብ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘይኰና ሃገራት’ውን ኣለዋ። ኬንያ፣ ርዋንዳ፣ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ክኣ ኣባላት ክልቲኡ ማሕበራት እየን።

ብኻልእ ወገን ከም ኤርትራ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ዝኣመሰላ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ክሳብ ሕጂ ናብ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ (EAC) ኣይተጸንበራን።

ሓዳሽ ኣባል ኢኤሲ ዝዀነት ሶማልያ

ሶማል ምንጪ ስግኣት ሃገራት እቲ ዞባ እያ። ኣልሸባብ ኣብ ኬንያ፤ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክፍጽም ጸኒሑ ኣሎ። እዚ ድማ እታ ሃገር ናብቲ ብዙሓት ሃገራት ኣባል ዝዀናሉ ጉጅለ ምጽንባራ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

“[ሶማልያ] ኣባል ምስ ኰነት ናጻ ምንቅስቓስ ሰባት ክትጅምር እያ። ሓደ ዜጋ ሶማል ብዘይ ዝዀነ ጸገም ናብዘን ሃገራት ክኣቱ ይኽእል። በዚ ኣሸበርቲ ኣብ ካልእ ሃገር ኣትዮም ከጥቅዑ ይኽእሉ እዮም ዝብል ዓቢ ስግኣት ነይሩ። ሶማልያ ናብ ኢኤንሲ ከይትጽንበር ድማ ማሕለኻ ኰይኑዋ ጸኒሑ” ክብል ኣቶ ነኣምን ይዛረብ።

እንተዀነ ሶማልያ ብደገፍ እዘን ኣባል ሃገራትን ኣሚሶምን ነቲ ግብረ-ሽበራዊ ጉጅለ ክትቃለሶ ትጽዕር ኣላ። መብዛሕትኡ ኣብ ሶማል ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ካብ ኣባል ሃገራት ኢጋድን ኢኤስን ብዝተዋጽኡ ወተሃደራት ዝቘመ እዩ።

ብዛዕባ እቲ ስግኣት ብዝምልከት “ሓገዝኩም የድልየኒ ኣሎ፤ እቲ ስግኣት ብሓባር ኢና ንኣልዮ። ናተይ ጸላኢ ጥራይ ኣዀነን፤ ብሓባር ክንቃለሶ ስለ ዝግባእ ሓግዙኒ እያ ኢላ፡” ብምባል ናብቲ ማሕበር ክትኣቱ ከም ዝኽኣለት ገሊጹ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ሶማል ኣብ ጥቕሚ ዘይውዓለ ዕቑር ሃብቲ ኣለዋ፤ እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ዘለዋ’ያ።

ኣብዚ ገማግም ባሕሪ እዚ፡ ኣብ ፍቓድ እተን ሃገራት ዝተሞርኰሰ ቁጠባዊ ርክብ ክህነጽ ይክኣል። እዚ ድማ ነቲ ቁጠባዊ ረብሓታት ዝሰፍሐ ይገብሮ።

ሃፍቲ ዓሳ ሶማል ኣዝዩ ልዑል እዩ፤ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን። ሶማል ብፍርያት ባናና’ውን ትፍለጥ ነይራ። ነዚ ዕድል ተጠቒማ ጸጋታታ ክትጥቀመሉ ትኽእል እያ።

“ሶማል ንጎረባብቲ ሃገራት ልዑል ምህርቲ ዓሳ ከተቕርብ ትኽእል’ያ። እዚ ድማ ነታ ሃገር ዕድላት ዕዳጋ ዝፈጥር ኰይኑ ካልኦት’ውን ክርብሓ ይገብር” ይብል ኣቶ ነኣምን።

ስለዚ ብዝሒ ኣባል ሃገራት እቲ ማሕበር ምስ ዝውስኽ ብደረጃ ዓለም ዘለወን ዓቕሚ ተሰማዕነት ክልዕል ይገብር ተባሂሉ ይእመን።

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ፡ ሃገሩ ኣባል እቲ ትካል ምዃና ንዕብየት ሃገሩ “ጩራ ተስፋ” ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን

ኢትዮጵያ ኣባል ማሕበረሰብ ምትእኽኻብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትከውን ጻውዒት ከም ዝተገብረላ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ። እታ ሃገር ካብዚ ክትኸስብ ከም እትኽእል ኣቶ ነኣምን የረድእ።

“ምብራቕ ኣፍሪቃ ክትሕዝ እንከለኻ ብዛዕባ ኣፍሪቃ ክትዛረብ ትኽእል። ከም ብሪክስ፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕቡራት ሃገራትን ዝበሉ ትካላት ኣለዉ። እክብ ኢልካ ምስ ሃገራት እቲ ከባቢ ብሓባር ምምጻእ ክኣ ይክኣል’ዩ።"

ኢትዮጵያ ናብቲ ማሕበረሰብ እንተተጸንቢራ ህዝቢ ኣባል ሃገራት፡ 500 ሚልዮን ክበጽሕ እዩ። እዚ እቲ ማሕበር ሓይሉ ከጉልሕን ምትእስሳሩ ከዛይድን ይሕግዞ።

ስለ ዝዀነ ኢትዮጵያ ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ምዃና ንርእሳን ንዜጋታታን ካብ ዘምጽኦ ረብሓ ብዝሰገረ እቲ ሕብረተሰብ ሓይሉ ብምዕባይ ዝያዳ ሓይሊ ክህልዎ ይገብር።

ኣቶ ነኣምን “ኢትዮጵያ ናብቲ ማሕበር ምስ ተጸንበረት እዘን ሃገራት ብዛዕባ እቲ ዝውክልኦ ህዝቢ ስለ ዝዀና ዝዛረባ፡ ተሰማዕነት ናይ ምርካብ ዕድለን ይዛይድ’ዩ። ኢትዮጵያ’ውን ትርባሕ” ኢሉ።

ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ልዑል ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋን ኣፍ-ደገ ባሕሪ ዘይብላን ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን ኣፍ-ደገ ባሕሪ ቀንዲ ኣጀንዳኡ ገይሩ ክዛረበሉ ከም ዝቐነየ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን፡ ንንግዲ ኣታውን ወጻእን ወደብ ጅቡቲ እትጥቀም ኰይና፡ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ልዝብን ሂብካ-ምቕባልን ትኹረት ዝገበረ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ክትረክብ ትደሊ።

ስለዚ፡ ኢትዮጵያ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንተድኣ ተጸንቢራ ካልእ ዕድላትን ጸጋታታን ክትረክብ እያ፣ ኣማራጺታት ወደባት ሓዊሱ።

“ንኣብነት ሶማል ኰይና ኣላ። ኢትዮጵያ ሕጂ ወደብ ሶማል ኣይትጥቀምን ዘላ፤ ኢትዮጵያ ናብቲ ማሕበር እንተተጸንቢራ፡ ብመሰረት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዘይኰነስ፡ መንፈስ ሓበራዊ ተጠቃምነት ስለ ዘለዎ፡ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ኣፍ-ደገ ባሕሪ ወይ ወደብ ክትረክብ እያ ማለት'ዩ" ክብል ኣቶ ነኣምን ኣብሪሁ።

ወሲኹ፡ እዚ ኣማራጺ፡ ኢትዮጵያ ብዘይ ዝዀነ ዓይነት ጐንጺ ብሰላማዊ መገዲ ተወሳኺ ዕድል ወደብ ክትረክብ ዘኽእላ ምዃኑ ገሊጹ።

ካብቶም እወንታዊ ዕድላት ወጻኢ፡ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከም ዘለው’ውን ኣቶ ነኣምን ይጠቅስ።

ንኣብነት ኬንያ ምስ ኢትዮጵያ ዝመሳሰል ኣብ ሕርሻ ዝተሞርኰሰ ቁጠባ ኣለዋ። ክልቲአን ሃገራት ልዑል ምህርቲ ከብትን ቡንን ክኣ ኣለወን። እዚ ድማ ኣብ ሞንጐ ክልቲአን ሃገራት ጽዑቕ ውድድር ዕዳጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ።

ካልእ ስግኣት ድማ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት እዩ። ኢትዮጵያ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንተተጸንቢራ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ዝዀነ ጸገም ብቐሊሉ ናብ ሃገራት እቲ ዞባ ክግዕዙ ስለ ዝኽእሉ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ክውስኽ ይኽእል እዩ።

"እዚ ስግኣት ግን ኢትዮጵያ ብእትሃንጾ ቁጠባን ምርግጋእ ዕዳጋን ከምኡ’ውን ንዜጋታታ ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር ክትብድሆ ትኽእል እያ። ... ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ንምክልኻል ብሓባር ምስራሕ ከም መፍትሒ ከተቕርብ ትኽእል እያ" ይብል ኣቶ ነኣምን ኣሸናፊ።