እስራኤልን ሓማስን ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ውጥን ሰላም ቓዛ ተሰማሚዖም

እስራኤልን ሓማስ ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ ውጥን ሰላም ብምስምምዖም፡ ነቲ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ንምብቃዕ መንገዲ ዝጸርግ ክኸውን እዩ።

ብመሰረት እቲ ውጥን፡ ሓማስ ነቶም ክሳብ ሕጂ ሒዝዎም ዘሎ 20 ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ክፈትሖም እንከሎ፡ እስራኤል ድማ ሰራዊታ ናብ ዝተሰማምዕሉ መስመር ክትስሕብን ኣስታት 2,000 ፍልስጤማውያን እሱራት ሓራ ከተውጽእን ምዃና ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

መራሕቲ ዓለም፡ ፍልስጤማውያንን እስራኤላውያንን ነቲ ዜና ብሓጐስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ። እንተዀነ፡ ከም ንቓዛ መን የመሓድራ ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ገና ክዝረበሉ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ፡ "ንእስራኤል ዓባይ መዓልቲ እያ" ብምባል፡ ነቲ ስምምዕ ንምጽዳቕ ሎሚ ሓሙስ ካቢነ ምኒስተራት ክጽውዕ ምዃኑ ገሊጹ።

ተቐባልነት እንተ ረኺቡ፡ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ብቕጽበት ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ፍልስጤም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እስራኤል ኣብተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልታት፡ ዕለታዊ 400 ናይ ረድኤት መካይን ናብ ቓዛ ክኣትዋ ክትፈቅድን ኣብ ዳሕረዎት መድረኻት ድማ እቲ ቍጽሪ በብቝሩብ ክውስኽን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ዋይት ሃውስ ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስሓብ ሰራዊት እስራኤል ትሕቲ 24 ሰዓታት ክወስድ ከም ዝኽእል ሓቢሩ።

እዚ ምስ ተዛዘመ፡ ሓማስ ነቶም እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብ7 ጥቅምቲ 2023 መጥቃዕቲ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ካብ እስራኤል ዝወሰዶም ጅሆታት ንምፍታሕ 72 ሰዓታት ክህሉዎ እዩ።

ሓማስን እስራኤልን ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ኣብ ግብጺ ዝተሰማምዕሉ፡ ብዓቢዩ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ትራምፕ ኣብ መወዳእታ መስከረም ዘቕረቦ 20 ነጥብታት ዝሓዘ ውጥን ሰላም እዩ።

ሰበስልጣን ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለጺ፡ ፍልስጤም፡ እስራኤል ንኽትፈትሖም ኣብ ግብጺ ንዝርከቡ መንጐኛታት ኣብ ዘቕረበቶ ዝርዝር ከም ብዓል ማርዋን ባርጎቲ ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ስሙያት ሰባት ይርከቡዎም። ፍልስጤማውያን ንማርዋን ከም መጻኢ ፕረዚደንቶም እዮም ዝርእዩዎ።

ይዅን'ምበር፡ እስራኤል ንኽፍታሕ ተሰማሚዓ ድያ ኣይተሰማምዐትን ኣይተፈልጠን።

እቲ ትማሊ ረቡዕ ምሸት ዝተበጽሐ ግዝያዊ ስምምዕ'ውን ኵለመዳያዊ ስምምዕ ኣይኰነን። እዚ ማለት ንምፍታሕ ዕጥቂ ሓማስን መጻኢ ምሕደራ ቓዛን ሓዊሱ ካልኦት ወሰንቲ ነጥብታት ገና ክዛተዩ እዮም።

እዚ ዘተ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ግብጺ ከካየድ እንከሎ፡ ካብ መንግስቲ ግብጺ ብተወሳኺ፡ ቐጠር፡ ኣመሪካን ቱርኪን እውን ዝርርብ ከክካየድ ኣብ ምሽምጋል ሓጊዘን እየን።

እቲ ብ30 መከስረም 2025 ዝቐረበ ውጥን ሰላም ቓዛ፡ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብቕልጡፍ ደው ክብል ዝእምት ኰይኑ፡ ሓማስ 20 ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ብምፍታሕን ሬሳታት ናይቶም ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ሞይቶም ተባሂሉ ዝእመን ልዕሊ 12 ጅሆታትንን ብምርካብን፡ ምልውዋጥ ብኣማኢት ዝቝጸሩ እሱራት ፍልስጤማውያን ክግበር እዩ ይብል።

ትራምፕ እቲ ስምምዕ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሰሙን ከም ዝውዳእ ብምግላጽ፡ ብረቡዕ ናብ ማእከላይ ምብራቕ ክገይሽ ከም ዝኽእል ከአንፍት እንከሎ፡ እዚ ድማ ልክዕ ኣብቲ እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ዝፍትሕሉ እዋን ክኸውን ትጽቢት ከም ዘለዎ ገሊጹ እዩ።

ሓማስ፡ ኣመሪካን ካልኦት መንጐኛታትን እስራኤል ነቲ ስምምዕ "ብዘይ ምንጻግ ወይ ምድንጓይ" ከተተግብሮ ክሰርሑ ጸዊዑ።

እቲ ዜና ኣብ ደቡባዊ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ጸልማት ጐደናታት ካን ዩኒስ ምስ ተሰምዐ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ሓጐስ ፈጢሩ።

ፎረም ስድራቤታት ጅሆ ዝተትሓዙ እስራኤላውያን ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ድማ፡ "ንፕረዚደንት ትራምፕ ዓሚቝ ምስጋና፡" ነቕርብ ብምባል፡ "ታሪኻዊ ስርሒት፡" ኢሎም።

ሕጂ ካቢነ ምኒስተራት ጸጥታ እስራኤል ክእከብ ምዃኑን ስዒቡ ድማ ምሉእ ኣኼባ መንግስቲ ብምክያድ፡ ፍልስጤማውያን እሱራት በቶም ዝፍትሑ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ንምልዋጥ ፍቓድ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

ሓማስ፡ ናይ መወዳእታ ምጽዳቕ ዝርዝር እሱራት ከም ዝጽበ ኣረጋጊጹ'ሎ።

እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር ዝተበጽሐ ሳልሳይ ተዅሲ ደው ምባል ኰይኑ፡ እቲ ውግእ ምሉእ ብምሉእ ዘብቅዕ ክኸውን ብኽልቲኡ ወገን ተስፋ ኣሎ።

ነዚ ንምርግጋጽ ዝዀነ ኣህጉራዊ ውሕስነት ተዋሂቡ እንተዀይኑ ግን ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ውጥን ሰላም ኣመሪካ ዝሽፍኖም ዝርዝር ጉዳያት ዝምልከት ዝተዋህበ ሓበሬታ'ውን ውሱን እዩ።

ሓማስ ብተደጋጋሚ ክትግብሮ ዝተሓሰሞ ምፍታሕ ዕጥቂ ክፍጽም፡ ድሕሪ ኲናት ንምምሕዳርን ዳግመ ህንጸት ቓዛን ዝምልከት መደባት'ውን የቐምጥ – መብዛሕትኡ ኣብዚ ኲናት ዓንዩ እዩ።

እስራኤል ነቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓማስ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ወተሃደራዊ ወፍሪ ድሕሪ ምክያዳ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመትን ክልተ መዓልትን'ዩ ኣብዚ ስምምዕ ክብጻሕ ክኢሉ ዘሎ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 67,183 ሰባት ከም ዝተቐትሉን 20,179 ህጻናትን ቈልዑን ከም ዝሞቱን ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።