ሱዳን፡ ኣብ ከባባ ዝርከቡ ነበርቲ ኤል-ፋሸር ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝበኣሰ

ጥሜት ኣብ ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images

ትካል መግቢ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ውሽጢ እታ ኣብ ከበባ እትርከብ ከተማ ሱዳን ኤል-ፋሸር ተዓጽዮም ዘለዉ ስድራቤታት ጥሜት ከም ዘጋጥሞም ኣጠንቂቑ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ናብታ ከተማ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብመንገዲ መግቢ ከብጽሕ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።

ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ንኸተማ ኤል-ፋሻር ካብ ሰራዊት ሱዳን ንምምንዛዕ ንኣስታት 16 ኣዋርሕ ኣብ ከበባ ኣጽኒሖማ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ብዛዕባ እቲ ኵነታት መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት፡ ብሰንኪ ጥሜት ድሮ ሞት ከም ዘጋጠመ ይሕብሩ ኣለዉ። እታ ከተማ ክሳዕ ሕጂ ኣስታት 300,000 ነበርቲ ኣለውዋ።

ሱዳን፡ እቶም ኣቐዲሞም ንስርዓት ኣልበሽር ንምዕላው መሓዙት ዝነበሩ ኣዘዝቲ፡ ካብ ሚያዝያ 2023 ኣትሒዞም ኣብ ውግእ ሓድሕድ ካብ ዝኣትዉ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ዓለም ዝበኣሰ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ኣሎ።

ትካል ህጻናትን ቈልዑን ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ)፡ ብዙሓት ህጻናትን ቈልዑን ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ገሊጹ። ብዙሓት፡ "ቈርበትን ኣዕጽምትን ጥራሕ ተሪፎም፡" ከም ዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ መጠንቀቕታ ውድብ መግቢ ዓለም ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣመሓዳሪ ሰሜን ዳርፉር ኣል-ሓፊዝ በኪት ዘቕረቦ ጻውዒት ዝመሳሰል'ዩ። ኣብ ኤል-ፋሸር ኵነታት መነባብሮ ዘይጽወር ኰይኑ ከም ዘሎ ገሊጹ።

በኪት ነቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን እዩ ዝድግፍ። ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ነታ ኣብ ዳርፉር ናይ መወዳእታ ዕርዲ ዝዀነት ከተማ ንምቍጽጻር ይጽዕሩ ኣለዉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ዳዕመ-ሰሪዕን ሰራዊት ሱዳንን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዝያዳ እናሓየለ መጺኡ። ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ካርቱም ካብ ዝወጽእ ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ኣሎ።

ኣብ መጀመርታ ሓምለ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቱዎ፡ 38% ካብቶም ኣብ ከባቢ ኤል-ፋሸር ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዘለዉ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናትን ቈልዑን ብኸቢድ ሕጽረት መግቢ ይሳቐዩ ነይሮም።

ውድብ መግቢ ዓለም፡ ሕጽረት መግቢ፡ ዋጋታት ብዓቢዩ ክውስኽ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ ኢሉ። ሰባት ንኽነብሩ ጥራይ ቀለብ እንስሳን ዝተጓሕፈ መግብን ይበልዑ ኣለዉ።

እቲ ትካል መን ተሓታቲ ምዃኑ ኣይገለጸን። ዳዕመ-ሰሪዕ ግን መስመራት ንግዲ ቈሪጹ ናብታ ከተማ ዝኣቱ ቀረብ ዓጽዩ ኣሎ።

ዞባዊ ዳይረክተር ምብራቓውን ደቡባውን ኣፍሪቃ ውድብ መግቢ ዓለም ኤሪክ ፐርዲሰን፡ "ኵሉ ሰብ ኣብ ኤል-ፋሸር ንኽነብር ኣብ ዕለታዊ ቃልሲ ተጸሚዱ ኣሎ፡" ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ "ሰባት ኣብዚ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ኵሉ ክጽሞምዎ ዝኽእሉ ዘበለ ገይሮም እዮም። ብዘይ ህጹጽ ሓገዝ ህይወት ክጠፍእ እዩ፡" ኢሉ።

ውድብ መግቢ ዓለም መግብን መኣዛዊ መግብን ዝሓዛ መካይን ኣብ ቀረባ ርሕቀት ቀሪቡ ኣሎ፣ ናብ ኤል-ፋሸር ክኣቱ'ውን ካብ መንግስቲ ሱዳን ፍቓድ ረኺቡ ኣሎ።

እንተዀነ፡ ናብታ ከተማ ንምእታው ዳዕመ-ሰሪዕ ውግእ ደው ንምባል ክሳዕ ዝሰማማዕ ይጽበዩ ኣለዉ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ መጀመርታ ሰነ ጀሚሩ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሕ ምቍራጽ ተዅሲ ክካየድ ይሓትት ኣሎ። ነዚ መግለጺ ዘውጽአ፡ ናብ ኤል-ፋሸር እትጓዓዝ ዝነበረት ቃፍላይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምውራዱ እዩ።

ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ነቲ መጥቃዕቲ ሓድሕዶም ተወቓቒሶም።

ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ተቘጻጺሮሞ ዘለዉ ክፋላት ሱዳን ዘርኢ ካርታ

ወግዓዊ ማዕከን ዜና ሱዳን ከም ዝሓበሮ፡ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ግዝያዊ ተዅሲ ደው ምባል ተሰማሚዑ እዩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ወግዓዊ ምላሽ እኳ እንተ ዘይሃበ፡ ገለ ጸብጻባት ግን እቲ ዕጡቕ ሓይልን መሻርኽቱን ነቲ ሓሳብ ከም ዝነጸጉዎ ይገልጹ። እቲ ተዅሲ ደው ምባል፡ ኣብ ውሽጢ ኤል-ፋሸር ንዝርከቡ ሓይልታት ኣልቡርሃን መግብን ኣጽዋርን ንምልኣኽ ዝዓለመ ምዃኑ ይኣምኑ።

ብተወሳኺ፡ ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቱን ሰለማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ምእንቲ ክወጽኡ፡ "ውሑስ መስመራት" ይፈጥሩ ከም ዘለዉ ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት፡ እቲ ውግእ ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ካብ ኤል-ፋሸር ከም ዝሃደሙ ገሊጹ ነይሩ። እዚ ድማ ካብ መዓስከር ዛምዛም ዝመጽኡ ሰባት ዘጠቓልል እዩ።

ቢቢሲ፡ ሰባት ካብ ደብዳብን መጥቃዕትን ዳዕመ-ሰሪዕን ተሓባበርቶምን ከም ዝሃድሙ ዝገልጽ ዛንታታት ሰሚዑ።

ውድብ መግቢ ዓለም፡ ናብ ከም ዳርፉር ዝኣመሰሉ ቦታታት መግቢ ንምብጻሕ ንእሽቶ ምዕባለታት ከም ዘመዝገበ ገሊጹ። እዚ ግና ብሰንኪ ዝመጽእ ዘሎ ዝናብ ጽርግያታት እንተ ተዓጽዮም ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ ሱዳን ወኪል ዩኒሴፍ ሸልደን የት ኣብ ገለ ክፋል ማእከላይ ሱዳን ኵነታት ቀስ ብቐስ ይመሓየሽ ከም ዘሎ ገሊጹ። እዚ ከባቢታት'ዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሰራዊት ሱዳን ንዳዕመ-ሰሪዕ ብሓይሊ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሰራሕተኛታት ረድኤት ከም ዝበጽሑዎ ኰይኑ ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝተገበረ ምጕዳል ምወላ፡ ቀረብ ይውዳእ ከም ዘሎ ሓቢሩ። ንሱ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝረአ ዘሎ ኣህጉራዊ ሓገዝ ብሓያል ምንካይ ንምጥቃስ ክኸውን ይኽእል እዩ።

"ዝመጽእ ቅዝፈት እዩ ክኸውን፡" ክብል ኣጠንቂቑ።

ብተወሳኺ፡ "ንሓደ ምሉእ ወለዶ ህጻናት ክዕረ ዘይክእል ጕድኣት ከነውርድ ቀሪብና ኣለና። እዚ ዝኸውን ዘሎ ድማ ንዓኣቶም ንምሕጋዝ ፍልጠት ወይ መሳርሒታት ስለ ዝጐደለና ኣይኰነን። ብስሉጥን እኹል ዓቢይ መጠንን ስጕምቲ ክንወስድ ስለ ዘይከኣልና እዩ። ነዞም ህጻናትን ቈልዑን ክንበጽሖም ኣለና፡" ኢሉ።