ኢትዮጵያ፡ ሕሳብ ባንክ ንምኽፋት ዲጂታላዊ ታሴራ ምምዝጋብ ግድን ክኸውን’ዩ

ሓድሽ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት

ምንጪ ስእሊ, National ID

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ዝመጽእ 23 ታሕሳስ 2017 [ግእዝ] ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓማዊል ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት "ፋይዳ" ዝተባህለ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዝግደዱ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዓማዊል ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ባንክ ንምርካብ ታሴራ ‘ፋይዳ’ ክሕዙ ከምዝግደዱ እቲ ባንኪ ገሊጹ።

እቲ ሃገራዊ ባንኪ፤ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ኵለን ባንክታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ካብ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ እቲ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ግድን ግብራዊ ክኸውን ኣዚዙ።

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝልለየሉ ፍሉይ በዓል 12 ኣሃዝ ቁጽሪ መለለዪ መንነት ንምርካብ ዘኽእል "ፋይዳ"፡ መረዳእታ ‘ባዮሜትሪክ’ ነበርቲ ብምውሳድ ምዝገባ ዝፍፀመሉ ስርዓት እዩ።

‘ባዮሜትሪክ ዳታ’፡ ነበርቲ ነቲ መለለዪ መንነት ንምርካብ ኣሰር ኣጻብዕቲ [ዓሸራ]፣ ዓይኒን ምስሊ ገጽን ዝህቡሉ መስርሕ እዩ።

ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ሚልዮን ዓማዊል ነዚ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ንምርካብ ከምዝተመዝገቡ ሃገራዊ ፕሮግራም መለለዪ መንነት ይገልጽ።

"ፋይዳ" ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት፡ "ሓደ ሰብ ሓደ መንነት" ክህልዎ ንምግባር ዝዓለመ ኮይኑ፡ ነበርቲ ነቲ መለለዪ መንነት ተጠቒሞም ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ክረኽቡ ይኽእሉ።

ኣብ 2015 ዓ.ም ዝወጽአ ኣዋጅ ዲጂታል መንነት ኢትዮጵያ፤ መንግስታዊ ፍቓድ ዘለዎም ትካላት ንዓማዊል ኣገልግሎት ኣብ ዝህቡሉ እዋን ንዲጂታላዊ መለለዪ "ግዴታዊ ቅድመ ኩነት" ክገብርዎ ከምዝኽእሉ ይድንግግ።

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ፡ መለለዪ መንነት "ፋይዳ" ከም ሓደ ኣገዳሲ ረቛሒ ክገብሮ ዝወሰነ "ተኣማንነትን ውሕስነትን ፋይናንሳዊ ስርዓት" ንምዕባይ ብዝብል ከምዝኾነ ኣብቲ ናብ ባንክታት ዝጸሓፎ ደብዳበ ጠቒሱ።

ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐመጠ እቲ ባንኪ ኣካውንት ዝኽፍቱ ዓማዊል ነቲ ሓድሽ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ከምዝግደዱ ኣፍሊጡ’ሎ።

እዚ ግዴታዊ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ተግባራዊ ከምዝኸውን እውን ገሊጹ። ኣቐዲሙ ግን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።

ካብ ዝመጽእ 23 ታሕሳስ 2017 ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ዓማዊል ዲጂታላዊ ታሴራ "ፋይዳ" ምስ ዘቕርቡ ጥራይ ናይ ባንክ ሕሳብ ክኸፍቱ ከምዝኽእሉ ኣማኻሪት ምክትል ኣማሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ዝኾነት ማርታ ሃይለማርያም ንቢቢሲ ሓቢራ።

ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ከኣ እዚ ግዴታዊ ስርዓት ኣብ "ዓበይቲ ከተማታት" ኢትዮጵያ ግብራዊ ከም ዝኸውን ኣብ ደብዳቤ ሃገራዊ ባንክ ተገሊጹ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ማለት ካብ ታሕሳስ 2019 [ግ] ንደሓር ሓደሽቲ ሕሳብ ዝኸፍቱ ኰኑ ነባራት ዓማዊል እቲ ዲጂታላዊ መለለዪ መንነት ክሕዙ ከምዘለዎ ንባንክታት መምርሒ ተዋሂቡ’ሎ።

ኣሰር ዝህብ ዘሎ ውልቀሰብ

ምንጪ ስእሊ, National ID

ፕረዚደንት ባንኪ ዳሽን ኣቶ ኣስፋው ኣለሙን ፕረዚደንት ባንኪ ሲንቄ ኣቶ ነዋይ መገርሳን፡ ኣገልግሎት ሃገራዊ ባንክ ንምርካብ መለለዪ መንነት "ፋይዳ" ከም ግዴታ ምዃኑ ብእወንታ ከምዝርእይዎ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እዚ "ሓደ ሰብ ሓደ መንነት ክህልዎ" ዘኽእል ስርዓት፡ ባንክታት ዘጋጥመን ምትላል ንምግታእ ክሕግዝ’ዩ ክብሉ ተስፋኦም ገሊጾም።

ይኹን እምበር እቶም ፕረዚደንታት ጉዳይ ዲጂታላዊ ታሴራ ናብ ህዝቢ ምብፃሕ ብድሆ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይጠቕሱ።

ፕረዚደንት ባንክ ሲንቄ ኣቶ ነዋይ፡ "ህዝቢ [ነቲ መለለዪ መንነት] ብጽቡቕ ተቐቢልዎ ድዩ ኣይተቐበሎን ምስ እንርኢ፡ ንእሽቶ ብድሆ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ፤

ኣማኻሪት ምክትል ኣመሓዳሪ ሃገራዊ ባንክ ማርታ ግን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግብራዊ ዝኸውን ግዴታዊ ስርዓት "ብዙሕ ጸገማት ከጋጥም'ዩ" ዝብል ስግኣት ከምዘየለ ትገልጽ።

ነዚ ከም ምኽንያት ዘቐመጠቶ ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ቤት ፅሕፈት ፕሮግራም ሃገራዊ መለለዪ መንነትን ነበርቲ ነቲ ዲጂታለዊ መለለዪ መንነት ንከውፅኡ ብወፍሪ ይሰርሑ ምህላዎም እዩ።