ኢትዮጵያ፡ ሕቶ ኣፍደገ ቀይሕባሕሪ 'ምኽኑይን ፍትሓውን' ምዃኑ ኣቢይ ደጊሙ ኣረጋጊጹ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ

ምንጪ ስእሊ, PMOFFICE

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ "ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ክወራ ዝኽእል ኣካል የለን፤ እንመተጺኡ ድማ ንምምካት እኹል ዓቕሚ ኣለና" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪን'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምኡ ዝበለ፡ ብሓሙስ 31 ጥቅምቲ 2024 ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተለዓሉ ሕቶታት መልስን መብርህን ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ።

ኣብቲ ዋዕላ ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ፡ ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ሕቶ ከቕርቡ ዕድል ረኺቦም ነይሮም።

እዞም ኣባላት፡ ምስ ሰላምን ድሕንነትን፡ ቁጠባን ዲፕሎማሲን እታ ሃገር ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት እዮም ኣልዒሎም።

ከም ወትሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር መልሱን መብርሂኡን ኣብ ክልተ ከፊሉ ንኣባላት ባይቶ ኣቕሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብቲ ዕትብ ዝበለ ምላሹ፡ "[ካልኦት] ሃገራት ንኢትዮጵያ ክወርራ ይኽእላ እየን" ዝብል ስክፍታ ዘለዎም ሰባት ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ንጸጥታ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

"ሎሚ ንኢትዮጵያ ብሓይሊ ክወርር ዝኽእል ኣካል የለን። እንተመጺኡ ድማ፡ ንምምካት እኹል ዓቕሚ ኣለና።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ክፍተት ስለዝነበረና፡ ካብ ደገ እንገዝኦም ዝነበርና ኣጽዋራት፡ ባዕልና ከነፍሪ ጀሚርና ኣለና። ሰባት ኣይንትንክፍን ኢና፡ እንተ ተንኪፎምና ግን ኣይንምሕሮምን፤ ዘፍርሕ የብልናን" ክብል ኣጠንቂቑ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ‘ወራር’ ብቐጥታ ዝተተሓሓዝ ሕቶን ስግኣትን እኳ እንተዘየልዓሉ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን "ኣይትሻቐሉ፡ ዝዀነ ወራሪ እንተመጺኡ ኣሕፊርና ክንመልሶ ኢና፡ ንዝዀነ ሰብ ግን ቀዲምና ኣይንትንክፍን ኢና" ክብል ተሰሚዑ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣቢይ ምስ ሶማልያ፡ኤርትራን ግድብ ህዳሰን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ኣመልኪቱ መብርሂ ሂቡ።

ኣቢይ፡ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ድሕሪ ዝበጽሓቶ ስምምዕ፡ "ኢትዮጵያ መሬት ሶማልያ ከትወስድ ተሰማሚዓ ዝብል ትረኻታት ክፍጠር እዩ ተፈቲኑ፤ ን50 ዓመት ውዕል ክራይ ኢና ፈሪምና፤ ናይ 50 ዓመት ሊዝ መሬት ብኸመይ'ዩ መሬት ምምንጣል ዝኸውን?" ክብል ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ዝተበጽሐ ወደብ ናይ ምርካብ ስምምዕ፡ ንሶማልያ ዘቘጠዐ ዀይኑ፡ ኣብ መንጐአን ዝጸንሐ ርክባት ሓርፊፉ ይርከብ።

እቲ ወጥሪ ካብ ክልቲአን ሃገራት ሓሊፉ ከም በዓል ግብጺ ዝበላ ምስ ኢትዮጵያ ምስሕሓብ ዘለወን ሃገራት ጐቲቱ ዘምጸአ ኣጀንዳ ዀይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መራሕቲ ግብጺ ሶማልያን ኤርትራ ኣብ ኣስመራ ንኢትዮጵያ ዘነጻጸረ ምዃኑ ዝተነግረሉ ስሉሳዊ ስምምዕ ምፍራሞም ይዝከር።

ኣቢይ ኣብ መብርሂኡ፡ "ምስ ሶማልያ ዝዀነ ካልእ ኣጀንዳ የብልናን፤ ኣጀንዳና ቍጠባናን ህዝብናን እናዓበየ ምምፅኡ ጥራይ እዩ፤ ዓበይቲ ስለ ዝዀንና ንሕና እንተፈሪስና፡ ኵልኹም ክትጠፍኡ ኢኹም ዝብል እዩ ሕቶና” ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ድሕሪ ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ወደብ-ኣልቦ ኰይና ዝጸንሐት ‘ኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ኣፍደገ ክህልዋ ግድን እዩ’ ዝብል መርገጺኡ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።

"ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ነቕ ዘይብል ሃገራዊ ረብሓ [ሕቶ] ኣለዋ፤ ናብ ቀይሕ ባሕሪ መውጽኢ ሰላማዊ መንገዲ ከምዘድልያ ጻውዒት ዓለም ትሰምዕ እያ ዘላ። ኣብዚ ጉዳይ ንዋዘ ዘለና መሲሉ ዝስመዖ ወይ ድማ ዕሽሽ እንብሎ ዝመስሎ እንተሎ ጌጋ እዩ" ብምባል መሊሱ መርገጺ መንግስቱ ኣስሚሩሉ ኣሎ።

ካልእ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣልዒሉ መብርሂ ዝሃበሉ ጉዳይ፡ ብቐጥታ ምስ ኤርትራ ዝተኣሳሰር እዩ።

"ምስ ኤርትራ ብዝተኣሳሰር ገለ ወረታት ይስምዑ እዮም። ንሕና እንደልዮ ሰላም እዩ። ዝኸፍአ ነገር ክሳብ ዘይተፈጸመ፡ ብናትና ተበግሶ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ኣሕዋትና እንፍጽሞ ነገር የለን" ኢሉ።

ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ክረምቲ 2018 ነቲ ኣብ ምእንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ኵነተ-ኲናት ዝቕይር ሃንደበታዊ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኣብ ኣስመራ ተፈሪሙ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣቢይን ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት ትግራይ ብሓባር ኣንጻር ህወሓት ተዋጊኦም እዮም።

እንተዀነ እቲ ኲናት ኣብ ፈለማ ሕዳር 2022 ብስምምዕ ፕሪቶርያ ደው ምባሉ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ባህ ከምዘየበሎ'ዩ ዝንገር።

ኣብ 2023 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ብዛዕባ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ዝሃቦ ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘቘጥዐ ተመሳሳሊ መግለጺታት'ውን ነቲ ዝነበረ ዝምድናን ክብጻሕ ተጽቢት ተገይሩሉ ዝነበረ ምዕባለን ትጽቢታትን ሓላሊኽዎ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።