እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውድድር ሴካፋ ክጋጠማ’የን
ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ትሕቲ 17 ዓመት፡ ኢትዮጵያ ኣብ እተአንግዶ ግጥም ሴካፋ ክጋጠማ’የን።
10 ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ኣብ ክልተ መድብ ተመዲበን ኣብ ስታድዮም ኣበበ በቂላ - ኣዲስ ኣበባ ግጥማት ከካይዳ’የን።
ኣብቲ ንኽልተ ሰሙን ዝካየድ ጸወታታት፡ ቀዳመይትን ካልኣይትን ኰይነን ውድድረን ዝዛዘም ሃገራውያን ጋንታታት፡ ናብቲ ኣብ 2023 ኣብ ኣልጀርያ ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ ትሕቲ 17 ዓመት ብቐጥታ ክሓልፋ’የን።
ኣብቲ ካብ 30 መስከረም ክሳብ 15 ጥቅምቲ ዝካየድ ጸወታታት፡ ኣብ ምድብ ሓደ ተመዲባ ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ 30 መስከረም ኣብ መኽፈቲ ጸወታ ኣንጻር ሃገራዊት ጋንታ ሶማልያ ፈላሚ ግጥም ከተካይድ'ያ።
ኣብ ምድብ ሓደ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ታንዛንያ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን።
ኣብ መድብ ክልተ ኸኣ ኡጋንዳ፡ ጅቡቲ፡ ርዋንዳ፡ ሱዳንን ብሩንድን ተመዲበን ኣለዋ።
ሃገራውያን ጋንታታት ዛንዚባርን ኬንያን ምኽንያቱ ብዘይተገልጸ ኣብዚ ውድድር ከምዘይሳተፋ ተፈሊጡ ኣሎ።
ሃገራዊት ጋንት ኤርትራ፡ 2 ጥቅምቲ ኣንጻር ታንዛንያ፡ 9 ጥቅምቲ ኣንጻር ደቡብ ሱዳን፡ 12 ጥቅምቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ጸወታ ተሰሪዑላ ኣሎ።
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብወገና 30 መስከረም ኣንጻር ታንዛንያ፡ 3 ጥቅምቲ ኣንጻር ደቡብ ሱዳን፡ 6 ጥቅምቲ ኣንጻር ሶማልያ፡ 12 መስከረም ኸኣ ኣንጻር ኤርትራ ጸወታ ከተካይድ መደብ ተሰሪዑላ ኣሎ።
ኵሎም ኣባላት ተሳተፍቲ ሃገራውያን ጋንታታት፡ ቅድሚ 26 መስከረም ናብ ኢትዮጵያ ብምእታው ሕክምናዊ መርመራታት ክገብሩ ምዃኖም ኣካየድቲ ሴካፋ ገሊጾም።
ኣብ 2020 ኣብ ርዋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ግጥም ሴካፋ ትሕቲ 17 ዓመት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ ንታንዛንያ 3 ብ 1 ብምስዓር ዋንጫ ከምዝወሰደት ዝዝከር እዩ።
ኣብ 2018’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ ታንዛንያ ኣብ ዝተኣንገደ ውድድር ሃገራዊት ጋንታ ኡጋንዳ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 3 ብ 1 ብምስዓር ተዓዊታ ነይራ።
ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 17 ዓመት ኣብ 2009 ኣብ ሱዳን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ካልኣይቲ ብምዃን ውድድራ ምዝዛማ ዝዝከር ኰይኑ፡ እዚ ዓወት እዚ እቲ ዝበለጸ ተመዝጊቡ ዘሎ ውጽኢት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ትሕቲ 17 እዩ።
ኤርትራ ኣብቲ እዋን፡ ምስተን ኣብ ምድባ ዝነበራ ብሩንድን ርዋንዳን ብቕደም ሰዓብ 2 ብ2 ከምኡ ኸኣ 0 ብ 0 ብምፍልላይ፡ ነታ ካብ ምድብ ክልተ ዝሓለፈት ዛንዚባር 3 ብ 1 ስዒራ እያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ በጺሓ።
ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንኣአንጋዲት ሃገር ሱዳን፡ 2 ብ 1 ብምስዓር’ኳ ናብ ፍጻመ እንተሓለፈት፡ ብኡጋንዳ 2 ብ0 ተሳዒራ ተዓዋቲት ብሩር መዳልያ ብምዃን ጸወታኣ ምዝዛማ ይዝከር።