እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ህወሓት ኣብ ዝሓጸረ ጉባኤ ከካይድ ኣተሓሳሲቡ
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ህወሓት ክሳብ ለካቲት 2025 ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ብመሰረት እቲ ቦርድ፡ ህወሓት ድሕሪ ፍሉይ ምዝገባ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ነይርዎ።
ይዅን'ምበር፡ እቲ ውድብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምክያድ ዘኽእሎ ዝዀነ ይዅን ንጥፈት ይፍጽም ከምዘሎ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ እዩ እቲ ቦርድ ዘውጽኦ መግለጺ ዘመልክት።
እቲ ቦርድ 22 ታሕሳስ 2017 [ግ] ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ህወሓት ክሳዕ 3 ለካቲት ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ኣተሓሳሲቡ'ሎ።
ህወሓት ብፍሉይ ኵነታት ካብ ዝምዝገብ ንደሓር ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ምንባሩ እቲ ቦርድ ወሲኹ ሓቢሩ።
እንተዀነ ብወገን ህወሓት ዝተኻየደ ዝዀነ ምንቅስቃስ ከምዘየለን ኣብ ዝተረፈ ክልተ ወርሒ ዘይመልእ ግዜ ድማ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ከምዘለዎ እዩ ጠቒሱ።
ህወሓት እዚ ክፍጽም እንተዘይክኢሉ ግን "ሕጋዊ ስጕምቲ" ከምዝወስድ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ቦርድ ኣብ ማሕበራዊ ገጹ ኣብ ዝለጠፎ ደብዳበ ብዕለት 17 ታሕሳስ 2017 [ግ] ከምዝተጸሓፈ እዩ ዘመልክት።
ብፍሉይ ዝተመዝገበ ውድብ ካብ ዝተመዝገበሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ሓፈሻዊ ኣኼባ ከካይድ ከምዘለዎ ነዚ ዝምልከት ኣዋጅ ይገልጽ።
ህወሓት ኣብ ትሕቲ ፍሉይ ኵነታት ብ 3 ነሓሰ 2016 ከምዝተመዝገበ መግለጺ እቲ ቦርድ የዘኻኽር።
ብዘይካ'ዚ እቲ መግለጺ፡ "እቲ ቦርድ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናብቲ ውድብ ኣብ ዝጸሓፎም ደብዳበታት፡ እቶም ዝተዋህቡ ውሳነታት ብምኽባር ኣብ ዝተረፈ ሓጺር ግዜ ሓፈሻዊ ባይቶ ክጽውዕ ብትሪ ይላቦ" ከምዝበለ ይሕብር።
ኣብቲ ብኣደ መንበር ቦርድ መረጻ ሜላትወርቅ ሃይሉ ዝተፈረመ ደብዳበ፡ እቲ ውድብ ብፍሉይ ካብ ዝተመዝገበሉ ግዜ ጀሚሩ ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ዝግባኣሉ ግዜ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ከምዝዛዘም ይጠቅስ።
እቲ ደብዳበ፡ እቲ ውድብ ብመሰረት ሕጊ ግዴታኡ ኣብ እዋኑ እንተዘይፈጺሙ፡ "እቲ ቦርድ ኣብቲ ሕጊ ተመርኲሱ ግቡእ ዝብሎ ውሳነ ክወስድ'ዩ" ይብል።
ደብዳበን ናይ ምዝገባ ምስክር ወረቐትን ካብ ዝበጽሐሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ተዓዘብቲ ቦርድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሓፈሻዊ ኣኼባ ከካይድ ከምዝግባእ እቲ ቦርድ ኣፍሊጡ'ሎ።
እቲ ውድብ ብ3 ነሓሰ 2016 ብፍሉይ ኵነታት ስለዝተመዝገበ ክሳዕ 3 ለካቲት 2017 ሓፈሻዊ ጉባኤ ከካይድ ትጽቢት ከምዝግበር እቲ ቦርድ ወሲኹ ኣነጺሩ ኣሎ።
"ምእንቲ እቲ ቦርድ ምስ ምድላው ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝተኣሳሰሩ ንጥፈታት ክከታተል፡ እቲ ውድብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅድሚ ምግባሩ 21 መዓልታት ኣቐዲሙ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘካይደሉ መዓልቲ ንቦርድ ክሕብር ትጽቢት ይግበር" ይብል እቲ መግለጺ።
"እንተዀነ እዚ ደብዳበ ክሳብ ዝተጻሕፈሉ ዕለት፡ እቲ ቦርድ እቲ ውድብ ካብ ዝምዝገብ ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ሓፈሻዊ ኣኼባ ንምክያድ ንጥፈታት የካይድ ከምዘሎን ከምዘየለን ኣፍልጦ የብሉን።"
ኣመራርሓ ህወሓት ንኣዋርሕ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ኣብ ምስሕሓብ ከምዝጸንሐ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ብኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤልን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳን ዝምርሑ ክልተ ጕጅለታት እቲ ውድብ ካብ መፋርቕ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ምስሕሓብ ይርከቡ።
ብዶክተር ደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ህወሓት፡ ኣብ ነሓሰ ድሕሪ ዘካየዶ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት፡ ጌታቸው ረዳ ዝርከብዎም 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ካድራትን ካብ ስልጣኖም ከምዘልገሰ ይፍለጥ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ክልቲኦም ጕጅለታት ነንሕድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ መበል 14 ጉባኤ፡ ንውሳነ ማእ7ከላይ ቍጽጽር ኮሚሽን ህወሓት ዕሽሽ ኢሉ ዝተኻየደን 'ሕጋውነቱ' ኣብ ሕቶ ዘእተወን ክብል ከምዝገለጾ ዝዝከር እዩ።
እቲ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ፡ መራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር "ሃገራዊ ክሕደት" ከምዝፈጸሙ ይኸስስ።
ኣቶ ጌታቸው እውን ብወገኑ፡ እቲ ብደብረጽዮን ዝምራሕ ጕጅለ ኣብ ልዕሊ ሲቪል ምምሕዳራት "ዕልዋ መንግስቲ" ይፍጽም ኣሎ ክብል ብተደጋጋሚ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።