ቅልውላው ህወሓት፡ 'ለካስ መራሕትና ኣይንፈልጦምን ነይርና'

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ‘ዘይሕጋዊ’ ዝተባህለ ጉባኤ ዘካየደ ብዶር ደብረፅዮን ገ/ሚከኣል ዝምራሕ ጉጅለ፡ ካብቲ ጉባኤ ዓርሶም ንዘግለሉ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ላዕለዎት ኣመራርሓን፡ ካብ ኣባልነት ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ ነይሩ፤ ኣብ’ዚ ሰሙን ድማ፡ ንፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ሓላፍነት ከምዝኣለዮ ኣዊጁ ኣሎ።

ህወሓት፡ ነቲ ካብ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ወግዓዊ ሽመት ዝተዋህቦ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ካብ ስልጣን ንምእላይ ስልጣን ኣለዎ ድዩ የብሉን ዝብል ዘካትዕ ዀይኑ፡ እቲ ኩነታት ካብ ፖለቲካዊ ቁርቁስ ናብ ፀጥታዊ ዕግርግር ከይምዕብል ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ምምሕዳር፡ ነቲ መግለፂ ከም ‘ዕላዊ ዕልዋ’ መንግስቲ ክብል ብምኹናን ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑን በቲ ክፍጠር ዝኽእል ‘ጥፍኣት’ ተሓታቲ ከምዘይኰነን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ንብዙሓት ተዓዘብቲ እቲ ዞባ፤ ነቶም መራሕቲ ዝፈላልዮም ዘሎ ኣጀንዳ ናይ ስልጣን ቁርቁስ እምበር ህዝባዊ ጉዳይ ዘይምዃኑን፤ እሞ ድማ ኣብዚ ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን ከምኡ ዓይነት ምትህልላኽ ምግጣሙን ደንጽዩዎም ኣሎ።

ፈኸም እናበለ ዝመጽአ ፍልልይ

ነቲ ደማዊ ኲናት ትግራይ ዘዕረፈ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ምስ ኩሉ ጸገሙን ሕጽረታቱን፡ ነቲ ብዕፅዋን ክባን ዝሳቐ ዝነበረ ህዝቢ ካብ ድምጺ ጥይትን ሞትን አዕሪፉዎ እዩ።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ፡ መንገድን ባንክን ተዓፅዩዎ ዝነበረ ህዝቢ ‘እፎይ’ ኢሉ ከስተርሒ፡ ንዝሕገዝ ክሕግዝ፣ ብሰንኪ እቲ ቀዛፊ ኵናት ደቁን መቕርቡን ንዝሰኣኑ ክድብስን ንሓድሕዱ ክጸናናዕን ዕድል ረኺቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ጽላሎት ናይቲ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝበልዐ ደማዊ ኲናት፡ ካብ መሬት ትግራይ ኣይተኣልየን።

እቶም በቲ ኲናት ዝዓነዉ መሰረት ልምዓት ዛጊት ኣይተፀገኑን፤ በቲ ኲናት ዝተመዛበለ ብኣማኢቲ ኣሻሓት ዝቑፀር ህዝቢ ገና ናብ መረበቱ ኣይተመልሰን፤ ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ተዀርምዩ ዓመት መጽአ ዓመት ከደ ስቕ ኢሉ ግዜ ይቖፅር ኣሎ።

ብመሰረት እቲ ውዕል ካብ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ክወፅኡ ትፅቢት ዝተገብረሎም ሓይልታት ደገ፡ ክሳብ ሕጂ ንገለ ግዝኣታት ተቖጻጺሮም ኣለው።

ነንሓድሕዶም ኣብ ቁርቁስ ዝርከቡ መራሕቲ ህወሓት ግን፡ ወግሐ ጸብሐ ብስም ‘ውዕል ፕሪቶርያ’ እንተመሓሉ’ኳ፡ ቀዳምነት ዝህብዎ ዛዕባ ግን ህዝቢ ትግራይ ኣይኰነን ይብሉ፡ እቶም ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ።

ካብ ፅባሕ እቲ ውዕል ጀሚሮም፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ብኲናት ሰንሰን ዝበለ ህዝብን ከባብን ንምድሓን ዝጓየዩ፡ ነንሓድሕዶም ክካሰሱን ክወናጀሉን ክከፋፈሉን ተራእዮም።

እቲ ውሽጠዊ ፍልልይ፡ ግዝያዊ-ሓበራዊ መንግስቲ ካብ ምቛም ጀሚሩ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ከም ዝኰነ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ።

'መራሕትና ኣይንፈልጦምን ነይርና'

ኣብ ፖለቲካ ዝነጣጠፍ መንእሰይ ፍፁም ብርሃነ፤ ኣብቲ ኢንተርኔት ዘይነበረሉ እዋን ኵናት፡ ዕድል ኣብ ዝረኸበሉ ነቲ ብካድራታት ክሕባእ ዝፍተን ዝነበረ ኣብ ባይታ ዝነበረ ህዝባዊ ሓቅታት የቓልዕ ነይሩ።

ከምኡ ዀይኑ’ውን ግን፡ ሕዚ “ኣነ ነዞም ሰባት ኣይፈልጦምን ነይረ ማለት እዩ” ይብል።

“ክሳዕ’ዛ ሎሚ፡ ባዕሎም ንንሓድሕዶም ጉዶም ክሳዕ ዝወፃፅኡ፡ መን ይመርሐኒ ነይሩ ኣይፈልጥን ነይረ። እቲ ዘውፅእዎ ዘለዉ ሚስጢራት ናቶም ጥራሕ ዘይኰነ ናትና’ውን እዩ፤ ፍፁም ኣይንፈልጦምን ነይርና”።

ንሱ ከምዝብሎ፡ እቲ ሕዚ ሓደ ጉጅለ፡ ብዛዕባ እቲ ካልእ ዘውፀኦ ዘሎ ‘ሚስጢራት’፡ ህዝቢ ቀዲሙ ክፈልጦ ይግባእ ነይሩ ይብል።

“ህወሓት ኣብ መሪሕነት ክሳዕ ዝሃለወ፤ ንመፃኢና ኣብ ዝውስና ሕድሕድ ውሳነታት፤ ሚስጢሮም ይቀላላዕ ኣለዉ። እዞም ሰባት እንታይ ዓይነት ስብእና ኣለዎም? እንታይ ዓይነት ብልሓት፥ እንታይ ዓይነት ኣእምሮ ኣለዎም ኣይፈልጦምን ነይረ” ከኣ ይብል።

ክልቲኦም ጉጅለታት እቲ ውድብ፡ ኣብ ዝሓለፉ ቀረባ ቅነታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት እናወፅኡ፡ ሓደ ነቲ ካልእ ከፀልምን ባይታ ከስእንን፡ እቲ ሓደ ከኣ ናይቲ ካልእ ወገን ሚስጢር ክዝሕዝሑ ቀንዮም።

ምስ መራሕቲ ኤርትራ ብሕቡእ ይራኸቡ ክራኸቡ ጸኒሖም ሕዚ፡ ንስኻባ ንስኻ ይበሃሃሉ ኣለዉ።

መርማሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም፡ ብዙሓት ዓለምለኻዊ ጸብፃባት፡ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተሰለፉ ወተሃደራት ኤርትራ፡ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለታት ከምዝፈጸሙ ይኸሱ፤ መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ክስታት ይነፅጐም እዩ።

ነቶም ዝተፈጸሙ ገበናት ፍርዲ ክረኽቡ ዝጕስጉሱ ብዙሓት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን፡ በቲ ዝሰምዕዎ ዘለዉ ከምዝሓፈሩ ይገልፁ ኣለዉ።

ነባርን ዓብይ-ዓድን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣቶ ኣረጋይ ኣየለ፡ [ሓው ካብ ቀንዲ መስረትቲ ህወሓት ዝነበረ ስሑል ኣየለ]፤ ኵናት ትግራይ ምስተጀመረ ከተማኦም ብሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተታሕዘትሉ ግዜ ከም ሽማግለ ዓዲ ምስ ኣዘዝቲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ተራኺቦ፤ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ኣንጸላልዩ ዝነበረ ሓደጋ ኣብ ምጉዳል ልዑል ተራ ዝነበሮም ወዲ 87 ዓመት’ዮም።

“ኣጋጢሙና ዘሎ ኩነታት ምስ ናይ ቅድሚ ሕዩ ክነጻጸር እንከሎ ዝከፍአን ዝሓመቐን’ዩ። ምኽንያቱ እዞም ደቅና ከምቲ ኣብ ግዜ ‘መኸተ’ ምስ ህዝቦም ኮይኖም ዝተቓለስዎ ድሕሪ ኵናት’ውናይ ኵናት ዘስዓቦ በሰላን ዕንወትን ኣብ ምክሕሓስ ክሰርሑ’ዮም ዝብል ተስፋ’ዩ ነይሩና” ዝበሉ ኣቶ ኣረጋይ፡ እንተኾነ “ንህዝቢ ንጹር ብዘይኮነ መገዲ ነንባዕላቶም ክባልዑ ኣብ ሓደጋ ኣውዲቖሙና ኣለዉ” ክብሉ ሻቕለቶም ይገልፁ።

ንሶም፡ በቲ ሕዚ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምክፍፋል ኣዝዮም ከምዝሓዘኑን መራሕቲ ህወሓት ንሕብረተሰብ ኣብ ዘዘራርብሉ ግዜ “ሓረስታይ ከባቢና ‘ሎምዘበን ጽቡቕ ኣዝመራ ኣሎ፤ ሓሪስና ክንበልዕ ነጊድና ክንኣቱ ሰላም ፍጠሩልና’ ኢሉ’ዩ ዝልምኖም ዘሎ። ንሳቶም ግን ነቲ ህዝቢ ጸማም እዝኒ’ዮም ሂቦም ዘለዉ” ክብሉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ነባሪት መቐለ፡ ብርቱካን ሃፍቱ ብወገና፡ እቲ ኲናት መበገሲኡ ልክዕ ይኹን ኣይኹን ብዘይገድስ፡ ኣሻሓት ቘልዑን ሕጻናትን ከይተረፉ ህይወቶም ስኢኖም። እቲ ዝተኸፍለ ብዙሕ መስዋእቲ ከይኣክል፡ ሕዚ ድማ ተመሊስና ናብ ኲናት ክንምለስ ዲና ዝብል ሻቕሎት ከምዝፈጠረላ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

“ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ፡ እቲ ኩነታት ‘ተመሊሱ ናብ ኲናት ከምርሕ ድዩ፤ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት መሊሱ’ዶ ኰን ክቋረፅ ይኸውን?’ ገለ ዝብል ፍርሒ ተፈጢሩ ኣሎ። ኩሉ ሰብ ድማ ሓዚኑ እዩ ዘሎ” ትብል።

“ኣብ ኲናት ሓደ ዀይንና ከነብቅዕ፡ ኣብዚ ዝተረጋገአ ኩናታት ናብዚ ከምዚ ዓይነት ምክፍፋላት ክንኣቱ ኢና ኢለ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ሓሲበ ኣይፈልጥን”።

ዝሓለፈ መስከረም 27 [ብግእዝ]፡ ካብ ክልቲኦም ጉጅለታትን ካብ ቢሮ ሓይልታት ፀጥታን፡ ተኸታተልቲ መግለፂታት ምስ ወፅኡ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እታ ከተማ ፍርሒ ነጊሱ ከምዝነበረ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ገለ ሰባት ካብ ባንክ ገንዘቦም ከውፅኡን፡ እቲ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብነፋሪት ዝግበር መገሻ እውን ከምዝወሰኸ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘሎ ምንጪና ዝረኸብናዮ መረዳእታ ይሕብር።

“ሳዕቤኑ፤ ተታሒዝካ ምጥፋእ እዩ ክኸውን”

ካብ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ተመዛቢሉ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ግዝያዊ መጽለሊ ሸራሮ ዝርከብ ኣሰፋ ገብረህይወት፡ ናብ ዓድና ክንምለስ ኢና ዝብል ተስፋ ኣብ ዝሰነቕሉ እዋን፡ “ኣብ መንጐ እቶም መራሕቲ ከምዚ ዓይነት ምክፍፋል ምፍጣሩ ተስፋና ዘፀልምት እዩ” ይብል።

“ዝወሃበና ዝነበረ ረድኤት ካብ ሸሞንተ ናብ ሓሙሽተ ኪሎ ወሪዱ፤ ሕዚ ድማ ናብ ኣርባዕተ ነክዩ ኣሎ። እቲ ኩነታት ከምዚ እናሃለወ እዚ ምክፍፋል ምርኣይና ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ” ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ተባሪሮም ናብቲ ግዝያዊ መፅለሊ ይመፅኡ ከምዘለዉን፡ ኣብ ከምዚ ኩነታት ውዕል ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክኸውን ምሕሳብ ዕሽነት ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ ውሽጢ እቲ መዕቖቢ ዘለዉ ካልኦት ተመዛበልቲ’ውን ብተመሳሰሊ ስምዒቶም ተተንኪፉ ከምዘሎ ወሲኹ ሓቢሩ።

“ንዓና ንተጋሩ ዘይምጥን ኣካይዳ እዩ- ዝብል ስምዒታት ይንፀባረቕ ኣሎ” ክብል ከኣ ነቲ ክውንነት ይገልጾ።

ነባሪ ከተማ ኣክሱም ክብሮም ይትባረክ፡ “እቲ ዓብዪ ውድቀትና፡ ናተይ ጌጋ ናትካ ጌጋ ኢልካ ኣብ ክንዲ ምትእርራም፡ ‘ኣነባ ኣነባ ፤ ስረይ ስረኻ’ ክብሉ ንህዝቢ ናብ ጭንቂ ኣእትዮምዎ ” ኢሉ።

ሓደ ካብቲ ካልእ ጉጅለ ኣብሊፁ ከምዘይርእዮም ዝዛረብ ክብሮም፡ “ምኽንያቱ ክልቲኦም ወይ ድማ ሓዲኦም ንህዝቢ ትግራይ ዝጭነቑ እንተዝዀኑ ነይሮም፡ ጉድለታቶም ተኣራሪሞም ብሓደ ዝመርሕሉ ዕድል ምፈጠሩ ነይሮም” ኢሉ።

ብፍላይ መንእሰያት እተን ጃምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመለን ከተማታት ትግራይ፡ ብዛዕባ እቲ ነጊሱ ዘሎ ወጥሪ እዩ ዘረበኦም።

“ንሕናስ እንታይ እዩ ዕጫና፤ መሊስና ዲና ናብቲ ሕማቕ እዋን ክንኣቱ” ዝብል ጭንቂ ከኣ አሕዲሩሎም ኣሎ።

“ግዳማዊ ኣካል እንተዝኸውንስ፡ ፀላኢ እዩ ኢልካ ትዛረብ፤ እዚኦም ግን እንታይ እዩ ዕላመኦም፤ ካብ ወንበር ወፃኢ ካልእ ዕላማ የብሎምን መስለኒ፡ ነዊሕ እዋን ኣብ ወንበር ካብ ምፅናሕ ወፃኢ እዚ ዝበሃል ንህዝቢ ሓዚኑ ዝቃለስ የለን” ኢሉ ክብሮም።

“ፀላኢ ክመፀካ እንተሎ ካብ ውሽጢ ንደገ ትምክት፤ ሕዚ ግን እቲ ፀላኢ ኣብ ውሽጢ ዀይኑ፤ ካብቲ ዝሓለፈ ዝገደደ ከይኸውን እዩ ፍርሕና። ምኽንያቱ እቲ አፈላላይ ካብ ፖለቲካ ሓሊፉ ናብ ሓይልታት ፀጥታ እንተወሪዱ፡ ባዕልኻ ንባዕልኻ ምውዳእ እዩ ክኸውን። ካብኡ መን ንመን የጥፈኦ ኣይፍለጥን፤ ካብቲ ዝሓለፈ ዝተዓፃፀፈ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ”።

‘ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ እዩ’

እቲ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎን ኩነታት፡ ንቕድሚት ክኸውን እዩ ኢልካ ንምሕሳቡ’ውን ከቢድ ምዃኑ ዝዛረብ ፍፁም ብርሃን፡ “ካብዚ ኹሉ መከራ ወፂኻ፤ ሕዚ ከምዚ ክበሃሃሉ ምርኣይ ዝእመን ኣይኰነን” ይብል።

ንሱ ከምዝብሎ፡ እቲ ዘባእሶም ዘሎ ኣጀንዳ ጥር ዝብል ህዝባውን ክልላውን ጉዳይ ዘይምዃኑ ድማ ዝበኣሰ የሕዝኖ።

“ኣነ እንተዘይሃልየ፡ እገለ ኣብ ስልጣን ክህሉ የብሉን፤ ወይ ድማ ኣነ እንተዘይመሪሐ፤ እገለ እንተመሪሑ ኣነ የለኹን፤ ’ብድሕረይ ዳንዴር ኣይትብቆላ’ ዝዓይነቱ ህልኽ” ምዃኑ ይገልፅ።

ድሕሪ እቲ ውዕል ፕሪቶርያ ክፍጸሙ ዝግበኦም ዝበሎም ኩነታት ተወንዚፎም ከምዘለዉን፡ “ሕዚ ዓውደ ውግእ እዩ ዘየለ ምበር፤ ሕዚ’ውን ኲናት እዩ ዘሎ” ብምባል ነቲ “ዘይሓላፍነታዊ” ዝበሎ ተግባር ይኹንን።

“ፈሪሱ ዝተብሃለ ጥዕና ጣብያ’ኳ ከይተስርሐ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይተመልሱ፡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ከምዚ ምፍጣሩ ብጣዕሚ እዩ ዘሕዝነካ”።

እቲ ኣዝዩ ዘሕዝኖ ዘሎ ግን፡ እቲ ናይ ዕጽዋን ክባን ኩነታት ንዓአቶም ምንም ማለት ከምዘይኰነ ክሓስብ እንከሎ እዩ።

“እቲ ዝመላለስዎ ዘለዉ፡ ምስጢሮም ዝወፃፅእዎ ዘለው ክትርእዮ እንተለኹ፡ እቲ [ውድባዊ] ሓደጋ፡ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ዝሓለፎ መከራ ገይሮም እዮም ዝሓስቡ። ሕድሕድ ኣመራርሓ፡ ተሓታቲ ክኾንሉ ዝግባእ ውሳነ ኣሕሊፎም እዮም፡ ስለዚ እታ ስልጣን ተጠቒምካ፡ ከም ከለላ ንምጥቃም ዝዓለመ እዩ”።

ንሱ ከምዝብሉ ናብቲ ኲናት ዘምርሑ ኩነታት፣ እቲ ኲናት ዝተመርሓሉን ዝተዛዘመሉን ኣገባብ ከምኡ’ውን ኣብ ድሕረ-ኲናት ዘሎ ኩነታት ተገምጊመ፡ ንሕድሕዱ ተሓታትነት ክህሉ ይፅውዕ።

እቲ ኲናት፡ ኣብ 2018፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምፃእ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌደዴራልን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዘስዐቦ እንትኸውን፡ ንኽለተ ዓመት ፈኸም እናበለ ፀኒሑ እዩ ኣብ ሕዳር 2020 ናብ ግጭት ነቲጉ።

ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፌዴራል፣ ዕጡቓት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተሓታትነት ክሰፍን ዝጠልቡ ብዙሓት ግዱሳት ተጋሩ፡ መራሕቲ ህወሓት’ውን ጠንቂ እቲ ኲናት ምዃኖምን፡ ተሓታቲ ክዀኑ ከምዝግባእን ይምሕፀኑ።

ገለ መራሕትን ካድረታትን ህወሓት ድማ፡ ንዓርሶም ካብ ተሓታትነት ንምምላጥ፡ ውድቦም ነቲ ቃልሲ መሪሑን፡ ህዝቢ ካብ ፅንተት ኣድሒኑን ዝብል ተረኽ ከቃልሑ ይስትውዓሉ።

‘ክልቲኦም ይተአለዩልና’

ነበርቲ፡ ሕዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ምናልባት ካብቲ ዝሓለፈ ክባን ዕፅዋን ንላዕሊ ሓደጋ ከየስዕብ ይሰግኡ።

ናይ ሓዲኦም ጉጅለ ደጋፊ ከምዘይኰነ ዝዛረብ ፍፁም ብርሃን፡ “ክልቲኦም ጉጅለታት ኣብ ስልጣን ክፀንሑ ዘይኰነስ፤ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ እዩ ዝግበኦም” ይብል።

ምኽንያቱ ይብል፡ “ንሳቶም ዝቓንዩዎ ዘለዎ መገዲ ሓደገኛ እዩ፡ ዝፈጸምዎ ጌጋታት ናብቲ ሓፋሽ ዝወርደሉ ዘሎ ቻነል፤ ቁሸታዊነት፤ ኮነ ተባሂሉ ዝግበር ዘሎ እዩ።

“ንሳቶም ክሕተቱ እንተዀይኖም፡ ሰላም ክህሉ ኣለዎ፤ እዚኣ ስለዝፈልጡ እዮም፤ ብቑሸት ብከባብነት ከፋፊሎም [ነዚ ህዝቢ] ከዋድእዎን፤ ነንባዕሉ ከባልዑዎን ዝፅዕሩ ዘለዉ”።

እንተቐኒዑዎም ከኣ ተመሊስና ናብ ክባን ዕፅዋን ክንወርድ ንኽእል ኢና ክብል ሻቕሎቱ ይገልፅ።

“ህዝቢ ክሓትት ኣለዎ፡ ኣካላይ ጐዲለ ዓወተይ መን እዩ ሓምሺሹዎ፡ ደቀይ ዝተሰውእሉ ዓለማ መን እዩ ከንቱ ዝገብሮ ዘሎ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ”።

ነንዊሕ እዋን ዝተሓብአ መንነቶም ተቐሊዑ እዩ ዝብል ፍፁም፡ “ምናልባት ቀጥታዊ ረብሓ ዘለዎ እንተዘይኰይኑ፡ ድሕሪ ሕዚ ክመርሕዎ ዝፈቅድ ዘሎ ሰብ ኣይመስለንን” ይብል።

ኣቶ ኣረጋይ ኣየለ ብውገኖም፡ ጸላእትና ንዝበልዎም ሓይልታት፡ “ተጋሩ ብኵናት ተዋጊእና ስለዘይንስዕሮም ነንባዕሎም ነባላዓዮም ዝብል ስልቲ [ጸላእትና] ንሕና ኣብ ዕድሜና ወለድና ድማ ብታሪኽ እንዳተነገሮም ሪኢናዮ ኢና” ድሕሪ ምባል መራሕቲ ህወሓት ነዚ ኣብ ምትግባር ከምዝርከቡ ወቒሶም።

ኣብ ክልተ ተመቒሎም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ድሕነት ሻቕሎት ዝፈጠሩ መራሕቲ ህወሓት፡ “ኣፈላላዮም ኣጽቢቦም ተረዳዲኦም ክመርሑና እንተኺኢሎም ድሌትና ንሱ’ዩ” ዝበሉ እቶም ሽማግለ ዓዲ፡ “ተሰማሚዖም ክመርሑና ዘይከኣሎም እንተኾይኑ ግን ከምቲ ኣብ ዝማዕበሉ ዓድታት ዝገብርዎ ‘ኣይከኣልናን’ ኢሎም ስልጣኖም ከረክቡ ኣለዎም” ዝብል ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።

እሞ እንታይ ይገበር?

ነባሪ ኣክሱም ክብሮም፡ እቲ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ልቢ ኣዕብዩ፡ ነቲ ኩናታት ብግቡእ ክኣልዮን ስርዓት ከትሕዞን ተላብዩ።

“ተስማሚዖም ዝቕፅሉ እንተዀይኖም ፅቡቕ፡ እንተዘይኰይኑ ግን፡ ንሱ [ሓይሊ ፀጥታ] ብላዕሊ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀገም ብዘይፈጥር መልክዑ ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ” ኢሉ።

ፍጹም ብርሃን ብወገኑ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ትግራይ ንኹሉ ዝሓቖፈ መንግስቲ ምጥያሽ፡ እንኰ ፍታሕ ምዃኑ ይኣምን።

እዚ ዛዕባ ሓበራዊ መንግስቲ ክትዕ ከምዝፈጠረ ዝዝከር ኰይኑ፡ በቲ ከይዲ ዘይተሓጐሱ ብሄራዊ ውድባት ትግራይ ነርዓርሶም ካብቲ ከይዲ ምግላሎም ዝዝከር እዩ።

ፍጹም ከምዝብሎ፡ ኣብ ትግራይ ህወሓት ዘይጠፍጠፎ ነፃ ሲቪል ማሕበረሰብ ሃልዩ ከምዘይፍልጥን፡ እቲ ናይ 50+1 ሚኢታዊ [ህወሓት] ሓበራዊ መንግስቲ'ውን፡ ዳርጋ 99 ሚኢታዊት ባዕሉ ምዃኑ ይኸስስ።

ንማሕበር ዓለምለኸ ምሁራን ትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብቲ ምጥያስ ግዝያዊ መንግስቲ ዝተሳተፉ ኣካላት ድማ ፅልዋ ህወሓት ዘለዎም ብዝብል ዝነቕፎም ኰይኑ፡ ኩሉ ትግራዋየዕ ዝውከለሉ ግዝያዊ መንግስቲ ከቐውም ይምሕፀን።

“ካብዚኣ ወፃኢ ማንም ከድሕነና ኣይኽእልን” ክብል ከኣ ሓሰቡ ይዛዝም።

ኣቶ ኣረጋይ ኣየለ፡ ኣብ ክልተ ዝተመቐሉ መራሕቲ ህወሓት ውሽጣዊ ጸገማቶም ምፍታሕ ከቢድዎም ካብቲ ምንጪ ጸገምና ዝኾነ ሓይሊ ፍታሕ ክረኽቡ ኢድ ክነስኡ ምርኣይ ይቅር ዘይበሃሎ ተግባር ይፍጽሙ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

“ናብ ኵናት ንእቶ ዝብል ዝኾነ መራሒ እንተልዩ ግን ከም ሽማግለ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክንቃወም ኢና” ክብሉ ተሪር ርእይተኦም ገሊጾም።