ካናዳ፡ ንትራምፕ ንምምካት ወጢናቶ ዘላ መደብ ሃገራዊ ቍጠባዊ ህንጸት እንታይ እዩ?

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ መንግስቱ ቍጠባ ካናዳ ንምዕባይ ዝዓለመ ዓቢ ሃገራዊ ፕሮጀክትታት ዘቀላጥፍ ሕጊ ክደፍኣሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ቍጠባ ካናዳ፡ ትራምፕ ብዘተኣታተዎ ሓድሽ ሕጊ ቀረጽ ብኸቢድ ተጸልዩ ከምዘሎ'ዩ ዝግለጽ።

ካርኒ ብሰኑይ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ዞባታት ካናዳ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ - "ኣዝዩ ኣፍራዪ" ተባሂሉ ዝግለጽ፡ መደቡ ኣስፊሩ'ሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ዞባ ኦንታርዮ፡ ዳግ ፎርድ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እዚ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ዘካየድናዮ ርክባት እቲ ዝበለጸ'ዩ" ኢሉ።

ካርኒ፡ መደቡ ዝርዝር ናይቶም "ህንጸት ሃገር" ዝበሃሉ ፕሮጀክትታት - ከም ሻምብቆታት፡ ኒዩክለሳዊ ሪኣክተራትን ንግዳዊ መስመራትን ብምጽባብ፡ እዞም ንቝጠባ ካናዳ ከደንፍዑ ይኽእሉ'ዮም ዝተበሃሉ ሓደስቲ ፕሮጀክትታት ብትሕቲ ክልተ ዓመት ዝጸድቅሉ ኣገባብ ንምፍጣር ይጽዕር ከምዘሎ'ዩ ዝገልጽ።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዚ ሓድሽ መደብ ንካናዳ ብቝጠባ ካብ ሃገራት ጕጅለ ሸውዓት ኣብ ቅድሚት ክሰርዓ ዝኽእልን መጻኢኣ ዘውሕስ ከምዝዀነን ይሕብር።

ኣስዒቡ "እዚ ኣኼባ፡ ከመይ ጌርና ካብቲ ዝዀነ ናይ ወጻኢ መንግስቲ ካባና ክወስዶ ዝኽእል ኣዝዩ ዝበዝሕ ንነብስና ክንህብ ከም እንኽእል ዘርኢ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ናይ ሰኑይ ኣኼባ፡ ካርኒ ኣብ ሚያዝያ ኣብ መረጻ ድሕሪ ምዕዋቱ ንፈለማ እዋን ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዞባታት ካናዳ ዘካየዶ ኣኼባ'ዩ።

ንሱ ካብታ ምስ ካናዳ ዝበዝሐ ንግዳዊ ምትእስሳር ዘለዋ ኣመሪካ ዝመጽእ ስግኣት ቀረጽ ንምምካትን ቍጠባ እታ ሃገር ንምድልዳልን ብዙሕ ጐስጓስ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ውሽጣዊ ኣፍረይቲ ሓጺነ-መጺን ሃገሩ ንምትብባዕ፡ ካብ ካናዳ ናብ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ዝኣቱ ከም ሓጺን፡ ኣልሚንዮም፡ መቀያየሩ ኣቝሑ መካይንን ካብ ረቡዕ ጀሚሩ ነቲ ቀረጽ ናብ 50 ሚእታዊት ክብ ከብሎ ምዃኑ ምግላጹ ንካናዳ ከቢድ ጽፍዒት'ዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ማርክ ካርኒ ንውሳነ ትራምፕ "ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን" ኢሉ'ዩ ገሊጽዎ።

ብዛዕባ'ዚ ምስ ኣመሪካ ዝዝቲ ላዕለዋይ ምኒስተር ንግዲ ካናዳ፡ ዶሞኒክ ለብላንክ ናብ ኣመሪካ ክኸይድ ምዃኑ'ውን እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብሪሁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካርኒ መንግስቱ፡ ካናዳ ጸጋታታ ካብዚ ዘለዎ ኣብ ሰፊሕ ዕዳጋታት ክሽየጥ፡ ጸጥታ ከተሐይልን ኣብ ካልኦት ሃገራት ዘለዋ ጽግዕተኛነት ንምንካይን ዝሕግዝ "ሃገራዊ ረብሓ ዘለዎም ፕሮጀክትታት" ከተኩር ምዃኑ ገሊጹ።

እዞም ፕሮጀክትታት ካብ ዞባታት ወይ ካብ ውልቃዊ ጽላት ክመጽኡ ዝኽእሉ ኰይኖም፡ ነቲ ብመንግስቲ ዝተቐመጠ ረቋሒታት ዘማልኡ ምዃኖም ንምርግጋጽ ደገፍን ምቍጽጻርን ክግበረሎም ምዃኑ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ሓቢሩ።

ብዘይካ'ዚ እቶም ፕሮጀክታት፡ ተተካኢ ጸዓት ዝጥቐሙ፡ ንኸባቢ ዘይብክሉን ብዝያዳ ከኣ ንደቀባት ሕብረተሰብ ካናዳ ቀዳምነታት ዝህቡ ክዀኑ'ዮም።

ብዝያዳ ከኣ ኣብ ዓበይቲ ጽርግያታት፡ መንገድታት ባቡር፡ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ወደባት፡ ኒክለሳውን ተተካእን ጸዓት ዝኣመሰሉ ጽላታት ዘጠቓለሉ ክዀኑ'ዮም።

ካልእ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕ፡ ነቲ መሬት ንምውሓስን ልኡላውነት ካናዳ ኣብቲ ዞባ ንምድልዳልን ኣብ ኣርክቲክ ትሕተ ቅርጺ ምህናጽ ምዃኑ ካርኒ ገሊጹ።

ገለ ዞባታት ካናዳ ድሮ እማመታት ኣቕሪበን ኣለዋ። እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ንመን ቀዳምነት ከምዝህብ ግን ኣየነጸረን ዘሎ።

እቶም ቀዳሞት ምኒስተራት ዞባታት - ንቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ነበር ጃስቲን ትሩዶ ኣዝያ ትነቅፍ ዝነበረት ዳኒኤል ስሚዝ ካብ ኣልበርታ ሓዊሱ - ንመጀመርታ ግዜ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ማርክ ካርኒ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ዝያዳ ውሁዳት ኰይኖም'ዮም ተራእዮም።

ገለ ደቀባት ካናዳ ግን ብዛዕባ ሓድሽ ውጥን ማርክ ካርኒ ስክፍታኦም ብምግላጽ፡ መሰላት መሬትን ማይን ዕሽሽ ከይበሃል ስግኣት ከምዘለዎም ብምግላጽ፡ ዝያዳ ንጹርነት ክወሃቦም ሓቲቶም ኣለዉ።