ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ናብ ኣዲስ ኣበባ ክበጽሕ’ዩ

ፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ናብ ዩጋንዳን ኢትዮጵያን ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ፈለማ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩጋንዳ ካምፓላ ክካየድ መደብ ተታሒዙሉ ዘሎ ኣኼባ ውድብ ልምዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ) ክሳተፍ’ዩ።

እቲ ሎሚ ዝተጀመረ ኣኼባ ኢጋድ፡ ክዝትየሎም ካብ ዝሓዞም ርእሰ ጉዳያት እቲ ሓደ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተፈጠረ ወጥሪ ከምዝኾነ ተገሊጹ።

ኢትዮጵያ ግን ብሰንኪ “ዝተጻበበ ግዜን ኣቀዲሙ ዝተታሕዘ መደብን” ኣብቲ ኣኼባ ከምዘይትሳተፍ ብዕሊ ኣፍሊጣ እያ።

ሶማልያ እቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝፈረምኦ ስምምዕ “ንሉኣላዊነተይ ዝጻረር’ዩ” ብምባል ኣትሪራ ተቓዊማቶ’ያ።

እታ ካብ ሶማልያ ተፈሊያ ናጽነታ ዝኣወጀት ግን ድማ ዓለም-ለኻዊ ኣፍልጦ ዘይረኸበት ሶማሊላንድ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትህብ፡ ኢትዮጵያ ድማ ከም ሃገር ኣፍልጦ ክትህባ ከምዝተሰማምዓ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ኣብቲ ዞባ ወጥሪ ከየስዕብ ተፈሪሑ ኣሎ።

ኣሜሪካ፡ ኢጋድ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ዞባ ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥርታት ዘድሃበ ኣኼባ ምጽውዑ ክትንእድ እንከላ፡ ኣብቲ ዘተ ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር ክሳተፍ ምዃኑ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

መርገጺ ኣሜሪካ ኣብቲ ጉዳይ “ብመሰረት እቲ ኣብ 1960 ዝተሓንጸጸ ዶብ ንሉኣላዊነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማልያ ኣፍልጦ ትህብ” ዝብል እዩ።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ድሕሪ ናይ ካምፓላ ጻኒሒት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ ከምዝኾነ መግለጺ ቤትጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ የመልክት።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንጺ ዘድሃበ ዘተ ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ክዝቲ ምዃኑ'ውን የረድእ።

ማይክ ሃመር ብፍላይ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝቕጽል ዘሎ ጎንጺ ኣመልኪቱ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝዝቲ ዝተገለጸ ኮይኑ ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕሎን ሰብኣዊ መሰላት ክኽበርን ክጽውዕ ትጽቢት ይግበር።

ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ሓደ ዓመት ብውዕሊ ፕሪቶርያ ዘበቅዐ ኵናት ትግራይ ስዒቡ ክውገን ብዛዕባ ዝግብኦ ምፍታሕ ዕጥቂ ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ተሃዲሶም ዝሰናበትሉ ኩነታትን ክዝቲ’ዩ። ግዳያት መሰረት ዝገበረ ናይ ፍትሒ ስግግር ንምርግጋጽ ኣብዝከኣለሉ ሓሳብ’ውን ኢሂን ምሂን ክብል ትጽቢት’ሎ።

ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሕሱም ኵናት ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ካልእ ዙርያ ግጭት ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ምስ ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእላ ስምምዕ ምስከተመት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወጥሪ ሰፊኑ ኣሎ።

ሶማልያ በቲ ኢትዮጵያን ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዝበጽሕኦ ስምምዕ ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ወጥሪ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ትማሊ ኣኼባ ከካይድ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰጎን ኦቦሳንጆ ነቲ ኣብ መንጎአን ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምቅዳው መፍትሒ ከናዲ ሓርይዎ’ሎ።

ኦሊሰጎን ኦቦሳንጆ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዝነበረ ኵናት ሕድሕድ ብሰላም ንኽዛዘም በቲ ሕብረት ተመዚዙ ክሰርሕ ከምዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።