ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣፈፃፅማ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ክግምግም ናብ ኢትዮጵያ ክመፅእ እዩ

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፡ ካብ 31 ግንቦት ክሳዕ 6 ሰነ፡ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳ፡ ናብ ኢትዮጵያን ጅቡትን ክገይሽ ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሃመር፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መገሽኡ ብዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት 2 ሕዳር 2022 ብዝምልከት ምስ ሰበስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ክዘራረበሉ ምዃኑ፡ ሎሚ ዝወፅአ መግለፂ እቲ ቤት ጽሕፈት የመልክት።

እቲ ኣብ ምፍራም ውዕል ሰላም ፕሮቶርያ ልዑል ግደ ዝነበሮ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ መቐለን ድማ፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ምዕባለታትን ቀዳምነታትን ኣፈፃፅማ እቲ ውዕል ኣመልኪቱ ክዝቲ ምዃኑ እቲ መግለጹ ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብቶም ኣብ’ቲ ዘተ ቀዳምነት ዝወሃቦም ርእሰ ጉዳያት፡ መሰጋገሪ ፍትሕን ተሓታትነትን ንምስፋን ዝተገብሩ ጻዕርታት ሓዊሱ፣ ከምኡ እውን መደባትን ዕጥቒ ምፍታሕን ዳግመ ውህደት ይርከብዎም።

ኣምባሳደር ሃመር፡ ነቲ ንክልተ ዓመት ዝጸንሐ ደማዊ ሕድሕድ ኲናት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ጠጠው ንክብልን ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦታት ክፍረምን ዝዓበየ ግደ ዝተጻወተ ዀይኑ፡ ኣመሪካ ኲናት ትግራይ ካብ ዝውላዕ ጀሚራ ካብ ዝሸመቶም ፍሉይ ልኡኻት ዲፕሎማሰኛታት ሳልሳይ እዩ።

ንሱ፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ጠጠው ምባሉ ጀሚሩ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን እናተመላለሰ ላዕለዎት ሓለፍቲ ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ከዘራርብ ጸኒሑ እዩ።

እቲ ኣምባሳደር፡ ኣብዚ መገሽኡ ካብ ናይ ኢትዮጵያ ጻንሒቱ ብተወሳኺ፡ ናብ ጅቡቲ'ውን ከምርሕ ምዃኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብቲ፡ ብኣፍሪቃዊ ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ (USAFRICOM)ን ውሁድ ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ቀርኒ ኣፍሪቃን (CJTF-HOA) ዝእንገድ መድረኽ ጸጥታ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክሳተፍ ምዃኑ ድማ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣምባሳደር ሃመር፡ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ጅቡቲ ብምርኻብ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክልተኣዊ ምትሕብባርን ዞባዊ ጉዳያትን ኣመልኪቱ ክዝቲ ምዃኑ፡ ከምኡ’ውን ምስ ዋና ጸሓፊ ኢጋድ፡ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ንምዝርራብ መደብ ከም ዘለዎ ተሓቢሩ።

እቲ ውዕል ሰላም ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ

እቲ ውዕል ሰላም ፕሮቶርያ ካብ ዝፍረም ናብ ሻውዓይ ወርሑ ዘምርሕ ዘሎ ዀይኑ፡ እቲ ኲናት ጠጠው ኢሉ፡ ኣብ መንጎ ፌዴራል መንግስትን ጊዝያዊ መንግሰቲ ክልል ትግራይን ርክባት ተመሓይሹ ከም ዘሎ ይዝረብ።

ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል ዝከታተል ጉጀለ ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ኣብ ቀረባ እዋን፡ ዕጥቂ ምፍታሕ በቲ ዝተተሓዘሉ መደብ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝገለጸ ዀይኑ፡ ምስኡ ጎድኒ ንጎድኒ ክፍጸም ትጽቢት ዝግበረሉ ምውጻእ ሓይልታት ደገ ግን ተፈጻሚ ከም ዘይኰነ ሓለፍቲ ክልል ትግራይ ብተደጋጋሚ እናኸሰሱ ይርከቡ።

ምስ'ዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣብ ጎድኒ ሰረዊት ኢትዮጵያ ዀይኖም ዝተዋግኡ ሓይልታት ኤርትራ፡ ዛጊድ ገለ ዶባዊ ከባብታት ትግራይ ተቖጻጺሮም ከምዝርከቡ፤ ኣብ ገለ ከባብታት ረድኤት ምሕላፍ ከም ዝኸልከሉን ይኸሰሱ።

እንተዀነ ነዞም ክስታት ብዝምለክት፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝተውሃበ ምላሽ የለን።

ከምኡ'ውን፡ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ፡ እቲ ኲናት ምስተወለዐ ዝተቖጻጸርዎ፡ እቲ ክልል ሕቶ ይግበአኒ ዘልዕለሉ፡ ምዕራባዊን ደቡባውን ዞባታት ትግራይ ዛጊድ ኣብ ኢዶም ተቖጻጺሮምዎም ይርከቡ።

ኣብቶም ዝተቘጻጸሩዎም ከባብታት፡ ግፍዕታት ይፍጽሙ ከምዘለውን ሓድሽ መለለዪ ካርዲ ይዕድሉ ከም ዘለውን ቢቢሲ ቅድም ክብል ሰፊሕ ጸብጻቡ ምስርሑ ዝዝከር እዩ።