እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓጹር ዘሊሎም ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ ስደተኛታት 18 ሞይቶም
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ዝርከብ ዝተሓጸረ ከባቢ ግዝኣት ስፐይን ዝዀነ፡ መሊላ ፡ ጥሒሶም ክኣትዉ ካብ ዝፈተኑ ሓያሎ ስደተኛታት 18 ከምዝሞቱ ሰብመዚ ሞሮኮ ገሊጾም፡፡
ገሊኦም ካብቶም ግዳያት ካብ ዝባን እቲ ነዊሕ ሓጹር ዶብ ዝጸደፉ ከምዝኾኑ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡
ድሕሪ እቲ ዓርቢ ንጉሆ ኣብ መንጎ እቶም ስደተኛታትን ሓለውቲ ዶብን ዝተልዓለ ጎንጺ ካብ ክልቲኦም ብዙሓት ሰባት ናብ ሆስፒታል ኣትዮም እዮም፡፡
ሃገራት ሞሮኮን ስፐይንን ዲፕሎማስያዊ ርክበን ካብ ዘመሓይሻሉ ወርሒ መጋቢት ናብዚ ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ስፐይን ጥሒሶም ንምእታው እንትፍትኑ ንፈለማ እዋን እዩ፡፡
ሞሮኮ ኣብ ምዕራባዊ ሳህራ ዘለዋ ናይ ሉእላውነት ሕቶ ስፐይን ምድጋፋ ስዒቡ እዩ ርክብ እተን ሃገራት ተመሓይሹ፡፡
ሰብመዚ ስፐይን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ሓጹር ሰይሮም ናብቲ ዝተኸበበ ትሕዝቶ ክኣትዉ ከምዝፈተኑ ገሊጾም እዮም፡፡
መብዛሕተኦም እቶም ስደተኛታት ንድሕሪት ክምለሱ ከምዝተገበሩ ዝሓበሩ እቶም ሰብ መዚ፡ ኣስታት 100 ዝኾኑ ጥሒሶም ዝኣተዉ ግን ኣብ መቐበሊ ስደተኛታት ከምዝተመዝገቡ ኣፍሊጦም፡፡
ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ፡ መሊላን ክዌታን ዝተባህላ ዝተሓጸራ ከባቢታት ግዝኣት ስፐይን፡ ማእከል ናብ ኣውሮጳ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ክሰግሩ ዝደልዩ ስደተኛታት ትሕቲ ሳህራ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይነን ጸኒሐን፡፡