'ኣእምሮ ትራምፕ'፡ እቲ ንኣዝዮም ኣካታዕቲ ፖሊሲታት ፕረዚደንት ዝመርሕ ሓጋዚ መን'ዩ?

ስቲቨን ሚለር ኣብ ኣጸገምቲ እዋናት ፖለቲካ፡ ኣብ ጐኒ ትራምፕ ደው ዝበለ ሰብ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ስቲቨን ሚለር ኣብ ኣጸገምቲ እዋናት ፖለቲካ፡ ኣብ ጐኒ ትራምፕ ደው ዝበለ ሰብ እዩ
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ንዓመታት ስቲቨን ሚለር ኣብ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ዶናልድ ትራምፕ ዓቃባዊ ቀላሲ ፖሊሲታቱ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ፡ ተጠማቲ ዅሉ ሸነኻት ኰይኑ ኣሎ።

ንሱ፡ ኣብ መሪሕነት ፖሊሲ ምውጻእ ዋይት ሃውስ ዝጥቀመሉ ዘይሕለል ቅዲ፡ ነቲ ተሪር ኣጀንዳ ኢሚግሬሽን ናይቲ ፕረዚደንት ናብ ግብሪ ኣእትዩዎ እዩ።

ኣብ መላእ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ድማ ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ምስፍሕፋሕ፡ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጽልዋ ክመጽእ ደሪኹ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ 2026 ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዘለዎ ስርሓት ብዝለዓለ ፍጥነት ብምጅማር፡ ሓደ ካብቶም ሓያላት ኣካላቱ ምዃኑ ዘለዎ መርገጺ ኣደልዲሉ። ንብዙሓት ፖለቲከኛታት ጸጋም ግን፡ እዚ ሰብ ዕሱብ እዩ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ፡"ፋሽሽትነት ጽቡቕ ኣይኰነን፡" ምስ ዝብል ጽሑፍ ፖስተራት ገጽ ሚለር ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ተለጢፉ ኣሎ።

ዲሞክራት ካብ ስልጣኑ ክወርድ ጸዊዖም። ገለ ኣባላት ሪፓብሊካን ከይተረፈ፡ ንፖለቲካዊ ፍርዱን ኣድማዕነቱን ብግልጺ ኣብ ሕቶ ኣእትዮምዎ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ድማ፡ ሚለር ንነብሱ ኣብ ዘይፈልጦ ኵነታት ረኺቡዋ ኣሎ።

ብሃንደበት ሃገራዊ ትኹረት ካብ ዝረክብ ንደሓር፡ ቃላቱን ተግባራቱን ብጽኑዕ ይምርመር ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እንተውሓደ ንግዚኡ ካብቲ ልሙድ መገዱ ግትእ ክብል ተገዲዱ ኣሎ።

'ወትሩ ሓያል፡ ንድሕሪት ዘይብል'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክልተ ሓለፍቲ ኢሚግሬሽን ፈደራል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሚኒያፖሊስ ንኣሌክስ ፕረቲ ብጥይት ድሕሪ ምቕታሎም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ሚለር ኣብ ኤክስ ንነርስ ሚኒያፖሊስ "ናይ ውሽጢ ሃገር ግብረሽበራዊት" ከምኡ'ውን "ቀታሊት" እያ ኢሎም ዝኸሱ ሓያሎ መልእኽትታት ኣስፊሩ።

ሚለር፡ ኣብ 2016 ኣብ ዝገበሮ ሰልፊታት ጐስጓስ ንትራምፕ ከም መወዓውዒ ኰይኑ ዘገልግል ዝነበረ እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራት፡ "ሃልሃልታ ናዕቢ የጐሃህሩ ኣለው፡" ክብል ከሲሱ። እቶም ዘቕረቦም ክስታት ሓሶት እዮም።

ብድሕሪኡ ብቪድዮ ዝተረኽበ መርትዖታት ከም ዘመልክቶ፡ ፕረቲ ዋላ'ኳ ፍቓድ ዘለዎ ሽጉጥ ሒዙ እንተነበረ፡ ኣብ ልዕሊኡ ስጕምቲ ቅድሚ ምውሳዶም፡ ምጥቃዑን 10 ግዜ ምትኳሱን ንሰበስልጣን ጉምሩክን ሓለዋ ዶባትን (ሲቢፒ) ከም ዘየፈራርሖም የመልክት።

ድሕሪ መዓልታት፡ ሚለር እቲ ምምሕዳር ብዛዕባ እቲ ክስተት ዘለዎ ኣፈናዊ ገምጋም ዝምልከት ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ስጕምቲ "ኣብ ባይታ" ካብ ዝርከቡ ሓለፍቲ ኢሚግሬሽን ዝተረኽበ ሓበሬታ ምርኵስ ዝገበረ ምዃኑ እቶም ኣካላት ጸጥታ ድማ፡ "ግቡእ ፕሮቶኮል ዘይተኸተሉ ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም፡" ክብል ተኻቲዑ።

እዚ ካብቲ ቀላሲ ሓጋዚ ፕረዚደንት ሳሕቲ ዝረአ ምምልላስ እዩ ነይሩ - ግን ከኣ ነቶም ንኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን (ICE) ንተቓውሞታት ብዓመጽ ምላሽ ክህቡ ኣተባቢዑ ኢሎም ዝኸስዎ ነቐፍቱ ዲሞክራት ዘዕግብ ኣይነበረን።

ኣባል ኮንግረስ ዶን ቤየር ኣብ መርበብ ሓበሬታ ብሉስኪ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "እዞም ኣመሪካውያን ዜጋታት ብኢሚግሬሽንን ኣኽበርቲ ጉምሩክን ሰበስልጣን ጉምሩክን ሓለዋ ዶባትን ምቕታሎም ንሚለር እኹል ኣይነበረን፤ ድሕሪ ሞቶም'ውን ብሓሶት ጸሪፉዎም፡" ብምባል እቲ ክስተት ንስቲቨን ሚለር እኹል ኣይነበረን ኢሉ።

"ሚለር ስንኩልን ደም ዝጸምኦ ጽንፈኛ'ዩ፤ ፖሊሲታቱ ድማ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ መዓልቲ፡ ህይወት ብዙሓት ኣብ ሓደጋ የውድቑ ኣለው።"

ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ምስሊ ሚለር ምስ ኖኤምን ትራምፕን ዝሓዘ ባነር ተቓውሞ ሒዞም ነይሮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየዱ ተቓውሞታት፡ ምስሊ ሚለር ምስ ኖኤምን ትራምፕን ዝሓዘ ባነር ተቓውሞ ሒዞም ነይሮም

ኣብ ግንቦት፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ንምእሳርን ንምስጓግን ስጕምቲ ክወስዱ ዝሓተተ ሚለር እዩ።

ንሱ ንፎክስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ መዓልቲ 3000 ሰባት ክኣስር ዕላማ ገይሩ - እዚ ኣሃዝ እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ቁጽሪ ዝነኣሰ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ዋሽንግተን ኤግዛሚነር፡ ሚለር ኣብ ሓደ ኣኼባ፡ ሰበስልጣን ኢሚግሬሽን ፈደራል ኣብ መላእ ኣመሪካ ንዝርከቡ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ምእሳር እኹል ስራሕ ኣይሰርሑን ክብል ነቒፉ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ኣመሪካ፡ ዋሽንግተን ዲሲ፡ ሻርሎት፡ ቺካጎን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሚኒያፖሊስን ሓዊሱ፡ እቲ ስጕምቲ ክጠናኸር ገይሩ።

ጸሓፊት ድሕነት ውሽጢ ሃገር ክሪስቲ ኖኤም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ንኣክሲዮስ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ኵሉ፡ ኣንፈት ፕረዚደንትን ስቲቨንን ተኸቲለ ዝገበርኩዎ'ዩ፡" ኢላ።

ሚለር ብዓሌትነት ወይ ጽልኢ ንዝቐረበሉ ክስታት ነጺጉ። ንሱ ንፖሊሲ ኢሚግሬሽን ትራምፕ ከም ነጸብራቕ ናይቲ መረጽቲ ትራምፕ ክዓሞ ዝሃቡዎ ሓላፍነት እዩ ብምባል ይምጕት።

ደረጃ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ትራምፕ ብሓፈሻ ናብ 39% ከም ዝወረደ፡ እዚ ድማ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ እቲ ዝወሓደ ደረጃ ከም ዝኾነ ሮይተርስ-ኢፕሶስ ዘካየዶ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።

እዚ፡ ሪፓብሊካን ኣብ ሕዳር ንዝካየድ መረጻ ኮንግረስ ኣብ ዝዳለዉሉ ዘለዉ እዋን፡ ንሚለር ኣብ ቀራና መገዲ ነቐፌታታት የእትዎ።

ሚለር ሃንዳሲ ናይዚ ፖሊሲ ጃምላዊ ምስጓግ ምዃኑ ኣብ ፕረዚደንታዊ ጎስጓሳት ትራምፕ 2016ን 2024ን ዝመርሐ ዓቃባዊ ስትራተጂስት ብራያን ላንዛ ገሊጹ።

"ንሱ ተሓታቲ ድዩ ኣይኰነን ኣብ ሕዳር ክንፈልጥ ኢና። እቶም መረጽቲ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ኣዝዮም ይቕረ ዘይብሉዎ ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ሚለር ኣብ ጎስጓስ መረጻ ትራምፕ 2016

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚለር ኣብ ጎስጓስ መረጻ ትራምፕ 2016

ሚለር ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በዳህቲ ህሞታት ዝሰገረ ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ።

ኣብ ካሊፎርንያ ተምሃራይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ እንከሎ ጀሚሩ ዓቃባዊ ዝነበረ ሚለር፡ ካብ ሰራሕተኛ ሰኔት ናብ ሓጋዚ ጐስጓስ ናብ ዋይት ሃውስ ዓብዩ።

ኣብኡ ድማ ዝተፈላለየ ውልቃዊ ሽርሒታትን ጸለመታትን ቀዳማይ እብረ ምምሕዳር ትራምፕ መሪሑ።

ትራምፕ፡ ኣብ 2020 ኣብ መረጻ ምስ ተሳዕረ፡ደገፍቱ ኣብ ካፒቶል ኣመሪካ ዝፈጸሙዎ መጥቃዕትን ካብ ፖለቲካ ዋሽንግተ ተደፊኡ ኣብ ዝወጽኣሉን ከበድቲ እዋናት፡ሚለር ኣብ ጐድኑ ነይሩ።

ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ንትራምፕ ተኸቲሉ ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

ላንዛ፡ "ስቲቨን ሚለር ኣብ ስነ-ኣእምሮ ትራምፕ ወሳኒ ተራ ኣለዎ" ኢሉ።

"ወትሩ ሓያል፣ ንድሕሪት ዘይምለስን'ዩ። ኣብ ዝዀነ ጉዳይ ነዚ መርገጺ ከሰጕም ክኣ ወትሩ ኣብ ስቲቨን ይተኣማመን።"

ሚለር ኣብ ዋይት ሃውስ ዘለዎ ወግዓዊ መዓርግ፡ ምክትል ሓላፊ ስታፍ ኣማኻሪ ፖሊሲን ድሕነት ሃገርን እዩ።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሊቪት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ስቲቨን ሚለር ንፕረዚደንት ትራምፕ በሊሕ፡ ጻዕራምን እሙንን ስለ ዝዀነ ንዓመታት ብተኣማንነት ኣገልጊሉ'ዩ፡" ኢላ።

"ስቲቨን ንዅሉ ኵርናዓት መንግስቲ ኣብ ሓደ ብምምጻእ፡ ነፍሲ ወከፍ ፖሊሲ፡ ናይ ወጻኢ ይኹን ዘቤታዊ፡ ብፍጥነት ከም ዝትግበር የረጋግጽ። ነዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ ውጽኢት ምስክር'ዩ።"

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሓደ እዋን፡ ሚለር ከም ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ክኸውን ዝኽእል ኰይኑ፡ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ማይክል ዋልዝ ተኪኡ ይዋሳእ ነይሩ። እቲ ፕረደዚንት ግን ነዚ ወረታት ነጺጉዎ።

ትራምፕ፡ "ስቲቨን ካብዚ ኣዝዩ ዝለዓለ'ዩ፡" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ኣመሪካ ኣብ የመን ኣብ ልዕሊ ሑቲ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ክትፍጽም ኣብ እትዳለወሉ ዝነበረት እዋን፡ ብዘይፍላጥ ምስ ኣሰናዳኢ ዘ ኣትላንቲክ ጀፍሪ ጎልድበርግ ዝተገበረ ተኸታታሊ ናይ ሲግናል ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት፡ እቲ ኣብ ማእከል ውጥን ዋይት ሃውስ ዘሎ ሰብ - ሚለር፡ እቲ ፕረዚደንት ነቲ መጥቃዕቲ ንኸፈጽም ድሌት ዘለዎ ምዃኑ ኣቃሊዑ ነይሩ።

"ከምቲ ዝሰማዕክዎ፡ እቲ ፕረዚደንት ንጹር እዩ ነይሩ፡" ክብል ነቶም ምክትል ፕረዚደንት ጀይ ዲ ቫንስ፡ ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰትን ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮን ዝርከብዎም ጕጅለ ሲግናል ላዕለዎት ሓገዝቲ ጽሒፉ።

ስቲቨን ትራምፕ ኣብ ዝዛረበሉ መድረኽ ብድሕሪኡ ኰይኑ ዝተወስደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ጽድያ፡ ሚለር ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ተዋፊረን ተባሂለን ዝተጠርጠራ ጀላቡ ንምድላይን ንምጥፋእን ኣብ ካሪብያን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ናይ ምክትታል ሓላፍነት ከም ዝተዋህቦ ይንገር።

እዚ ድማ ናብቲ ኣብ መጀመርታ ጥሪ ንፕረዚደንት ቬንዝዌላ ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝተገብረ ዕዉት ስርሒት ኣስፊሑ።

ትራምፕ ማዱሮ ዝተትሓዘሉ ስርሒት ኣብ ዝገለጸሉ ዝነበረ እዋን፡ ሚለር ካብቶም ብድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ደው ዝበሉ ውሑዳት ላዕለዎት ሰበስልጣን እዩ ነይሩ።

ሚለር ኣብ ፖሊሲ ​​ወጻኢ ዘለዎ ተራ ዘይተለምደ ምዃኑ ላንዛ ይሕብር።

ፖለቲካዊ ጕዕዞ ሚለር

ሚለር፡ ካብ ንኡስ ዕድመኡ ጀሚሩ'ዩ ኣካታዒ ሰብ ዝዀነ።

ኣብታ ኣብ ዓባይ ሎስ ኣንጀለስ እትርከብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ሳንታ ሞኒካ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ተማሂሩ።

ኣብኡ ድማ ትምህርቲ ብእንግሊዝኛ ጥራይ ክወሃብ ኣለዎ ዝብልን ካልእ ዓቃባዊ ጕዳያትን ይጣበቕ ነይሩ።

ነዚ ካብ 1999 ጀሚሩ እዩ ክሕለቐሉ ጀሚሩ።

እዚ ድማ ቤት ፍርዲ ፈደራል ነቲ ኣብ ካሊፎርንያ ንዝተነበረ እገዳ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ድሕሪ ምንጻጕ ዝስዓበ እዩ።

ኣብ ሓደ ብቪድዮ ዝተቐድሐ መደረ ኣብ እዋን ጐስጓስ መንግስቲ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ ዝደርበዮ ጐሓፍ ኣልዕሎ ምስ ተባህለ፡ እዚ ስራሕ ናይ ዝኽፈሉ ሰራሕተኛ ጽሬት እዩ ብምባል ከማርር ይርአ።

"ኣነ ጥራይ እየ ፍሉይ ሕጹይ፡" ክብል ብኣጋኡ ኣቓልቦ ናይ ምስሓብ ክእለቱ ኣርእዩ።

"ካልእ ቅኑዕ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዘይብሎን ዘይገብሮን ነገራት ምበልኩን ምገበርኩን።"

ሚለር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዱክ ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ተማሂሩ።

ፈጻሚ ዳይረክተር ዓቃባዊ ሕብረት ዱክ ኰይኑ፡ ኣብታ ናይ ተመሃሮ ጋዜጣ ዝነበረ የማናዊ ዓምዲ ክኣ ይጽሕፍ ነይሩ።

ንሱ፡ ንሰለስተ ጸዓዱ ብጾታዊ ዓመጽ ዝተኸሰሱ ኣባላት ጋንታ ላክሮስ ዱክ ብምሕላቕ ሃገራዊ ትኹረት ረኺቡ። ሓንቲ ጸላም ጓለንስተይቲ ድሒራ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ክሲ ዓመጽ ጌጋ ምዃኑ ተነጊሩ።

ሚለር፡ እዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዝሕበነሉ ህሞት ምንባሩ ድሒሩ ንመጽሔት ዘ ኣትላንቲክ ኣብ ዝሃቦ ቃል ተዛሪቡ።

እዚ፡ ሚለር ኣብ ፖለቲካ ክኣቱ ሓጊዙዎ እዩ።

ካብ ዩኒቨርሲቲ ድሕሪ ምምራቑ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብታ ካብ ገጠራት ሚነሶታ ዝመጽአት ዓቃባዊት ኣባል ኮንግረስ ሚሸል ባክማን፡ ጸሓፊ ፕረስ ኰይኑ ተቘጺሩ።

ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝተመልሰሉ ቀዳማይ ዓመት፡ ሚለር ኣብ ማእከል ዓበይቲ ፖለቲካዊ ዕማማት ናይቲ ምምሕዳር እዩ ጸኒሑ።

ምስቲ ዘለዎ ጽልዋ ዝመጽእ ዝዓበየ ሓደጋ ድማ ኣሎ።

ድሕሪ ወራር ቬንዙዌላ፡ ሚለር ነቲ ንኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መላእ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ዓብላሊት ሓይሊ ክትከውን ዝገብራ ሰፊሕ ኣረኣእያ ምምሕዳር ትራምፕ ንኽምጕት ኣብ ሲኤንኤን ቀሪቡ።

በዓልቲ ቤት ሚለር፡ ጸላዊት ፖድካስተርን ሰራሕተኛ ትራምፕ ነበርን ካቲ ሚለር እያ።

 ካቲ ሚለር፡ ንሪፐብሊካን ደቀንስትዮ ማእከል ዝገበረ ፖድካስት ተቕርብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ካቲ ሚለር፡ ንሪፐብሊካን ደቀንስትዮ ማእከል ዝገበረ ፖድካስት ተቕርብ

"ዴንማርክ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ቍጽጽር ከም ዘለዋ ብኸመይ መሰል እያ እተረጋግጽ? ብዛዕባ መጻኢ ግሪንላንድ ምስ ኣመሪካ ብወተሃደራዊ መዳይ ዝዋጋእ ሰብ የለን፡" ክብል ሚለር ተዛሪቡ።

ኣስዒቡ ድማ "ሓያል ሕግታት ዓለም" ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።

"ኣብ ዓለም፡ ኣብ ሓቀኛ ዓለም... እዚ ብሓይሊ'ዩ ዝመሓደር፡ ብሓይሊ'ዩ ዝመሓደር፡ ብሓይሊ ኣብ ዝመሓደር ዓለም ኢና እንነብር፡" ኢሉ።

እዚ፡ ድሕሪ'ቲ ኣመሪካ ኣብ ቬንዝዌላ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃማ ዝመጽእ ዝነበረ ርእይቶታት እዩ። ግን ድማ፡ እዚ መርገጺታቱን ርእይቶታቱን ካብ ኣባላት ሰልፊ ሪፐብሊካን'ውን ተቓውሞታት የስዕበሉ ኣሎ።

ሪፓብሊካን ሰነተር ቶም ቲሊስ ንሲኤንኤን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ስቲቨን ሚለር ክዛረብ ከሎ መስመር ክሕዝ ኣለዎ፤ ወይ ድማ ካብዚ ስራሕ ክስጐግ ኣለዎ፡" ኢሉ።

ተረኽ ስልጣነ

ሚለር ዝህቦም ርእይቶታት፡ ዓለማዊ ኣረኣእያኡ ምስ ምንቅስቓስ ትራምፕ "ቀዳምነት ንኣመሪካ፡" ዝነሳዩ እዮም።

"ንፖሊሲ ቀዳምነት ንኣመሪካ ዝገልጽ፡ ቀጥታዊ ረብሓ ዜጋታት ኣመሪካ'ዩ፡" ይብል ኣብ ኣመሪካ ፈርስት ፖሊሲ ኢንስቲትዩት ላዕለዋይ ክኢላ ተበግሶ ምዕራባዊ ንፍቀ ክቢ ጆሹዋ ትረቪኖ።

ኵነታት ዓለም ተቐይሩ'ዩ፤ እቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተሓርዩን ኣዝዮም ዕዉታትን ዝነበሩ ትካላትን ኣሰራርሓታትን ድሕሪ ሕጂ ከምኡ ኣይኰኑን። ምምሕዳር ትራምፕ ድማ ነዚ ክእርሞ ይፍትን ኣሎ።"

ንሚለር፡ ከምኡ'ውን ንትራምፕ፡ እዚ ማለት ጥረ ወተሃደራዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሓይሊ ኣመሪካ ተጠቒምካ፡ ኣብ ኢሚግሬሽን፡ ገበን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ-ፋርስን ንግድን ሓዊሱ ዘለው ውሽጣዊ ቀዳምነታት ምስጓም ማለት'ዩ።

ነዚ ንምስራጽ ድማ፡ ላቲን ኣመሪካ ምንጪ ናይቲ ኣብ ኣመሪካ ሞት ዘስዓበ መብዛሕትኡ ፈንታኒልን ካልእ ሓደገኛ ሓሽሽ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ሽበራ-ናርኮ" ኣብ ከተማታት ኣመሪካ ገበናት ንኽፍጸም ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ይኸሱ።

ካናዳ ንናይ ገዛእ ርእሳ ቍጠባ ንምድልዳል ምስ ኣመሪካ ዘሎ ንግዳዊ ዘይምዕሩይነት ተጠቒማ ክብሉ እውን ይኸሱ።

ዓለማዊ ኣረኣእያኦም፡ ንኣመሪካ ኣብ መድረኽ ዓለም ከም ተሓላቒት ዝተወሰኑ ባህላውን ፖለቲካውን ክብርታት - ከምቲ ሚለር ዝገለጾ ሓለውቲ "ምዕራባዊ ስልጣነ" ምቕማጥ እውን የጠቓልል።

ሚለር ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ንዝተቐትለ የማናዊ ተቓላሳይ ቻርሊ ከርክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ዝኽሪ ስነ-ስርዓት፡ "መበቈል ወለዶናን ውርሻናን ኣቴንስ፡ ሮማ፡ ፊላደልፍያ፡ ሞንቲቸሎ እዩ፡" ኢሉ።

"ኣቦታትና ነተን ከተማታት ሃኒጾም። ስነጥበብን ስነህንጻን ኣፍርዮም፣ ነቲ ኢንዱስትሪ ሃኒጾም። ንሕና ንጽቡቕን ውርዙይን ነገር ኢና ደው ኢልና።"

እዚ ስምዒት እዚ ትራምፕ ንባዕሉ ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝገለጾ ኰይኑ፡ "ስልጣነና ኣብ ቅድሚ እቶም ንዕኡ ዘፍርሱን ዘጥፍእዎን ሰባት ንምዕቃብ ትብዓት" ኣለና ክብል እቲ ፕረዚደንት ኣብ 2017 ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝሃቦ መደረ ገሊጹ።

ሚለር ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐርበሉ ሕቶታት እንትምልስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images