ኣመሪካ፡ ኣብ ኡበር 'ተዓሚጸ' ዝበለት ሰበይቲ 8.5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ተበይኑላ

ኡበር

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg via Getty Images

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ቤትፍርዲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 'ሓደ ኣውቲስታ ኩባንያ መጓዓዝያ ኡበር ዓሚጽኒ' ኢላ ንዝኸሰት ሰበይቲ 8.5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል ኣዚዙ።

እቲ ቤትፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ፡ ኣብ ውጽኢት ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኩባንያ ዝቐረበ ብኣሽሓት ዝቝጸር ተመሳሳሊ ክስታት ጽልዋ ክህልዎ ከም ዝኸእል ይንገር።

ኣብ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ኣሪዞና ክልተ መዓልታት ዝወሰደ መስርሕ ዳንነት ፡ ትካል ኡበር በቲ መራሕ ማኪና ዝወሰዶ ስጕምቲ ተሓታቲ ምዃኑ ዳኛ ደምዲሙ።

ኡበር ብግዲኡ ኣንጻር እቲ ብይን ይግባይ ከም ዘቕርብ ገሊጹ'ሎ።

ይዅን'ምበር እቶም ደያኑ ነቲ ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ክልእ ክስታት ነጺጐም።

እቶም እተነጽጉ ክስታት ኡበር ሸለልትነት ከም ዝገበረን ድሕነት ዓማዊል ኣብ ምሕላው ጕድለት ከም ዘለዎን ዝጠቕሱ እዮም ነይሮም።

ነቲ ክሲ ዘቕረበት ጄይሊን ዲን ኣብ 2023 ፡ ኡበር ብምጽዋዕ ናብ ሆቴላ እናምርሐት እንከላ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠማ እያ ትገልጽ።

ንትካል መጓዓዝያ ኡበር ድማ ብዛዕባ እቲ ብመራሕቲ ማካይን ዝወርድ ብዙሕ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይፈልጥ ክነሱ ድሕነት ዓማዊሉ ንምሕላው ዘኸእል መሰረታዊ ምምሕያሽያዊ ስጕምትታት ብዘይምውሳዱ ከሲሳቶ።

እቲ ቤትፍርዲ ብወገኑ፡ እቲ መራሕ ማኪና ነቲ ዓመጽ ኣውቲስታ ናይቲ ኩባንያ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ዝፈጸሞ ብምጥቃስ እቲ ኩባንያ ተሓታቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኡበር ንኸሳሲት 8.5 ሚልዮን ዶላር ካሕሳ ክኸፍል እውን ኣዚዙ።

እቲ ቤትፍርዲ ነዚ ብይን ዝህብ ዘሎ፡ ነቲ ከሳሲት ዲን ዝሓተቶ ልዕሊ 144 ሚልዮን ዶላር መቕጻዕቲ ብምንጻግ እዩ ነዚ መጠን ካሕሳ ወሲኑ።

ጠበቓ ከሳሲት ሳራ ለንደን እቲ ውሳነ፡ "ነቶም ብውልቆም ብዙሕ ዋጋ ዝኸፈሉ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ግዳያት ሓደ ስጕምቲ እዩ፡" ኢላ።

ፍትሒ፡ "ብውጽኢት እቲ ኣብ መጻኢ ዝካየድ መስርሕ ከምኡ'ውን ድሕነት ተጓዓዝቲ ንምውሓስ ዘተኣማምን ናይ ጸጥታ ምምሕያሻት ምስ ዝግበርን ዝዕቐን እዩ" ትብል።

እዚ ሓደ ካብቲ ኣንጻር ኡበር ዝቐረበ 20 ክስታት፡ "መርኣዪ" ክሲ ኰይኑ፡ ብተኸታታሊ ካብ ዝቐርቡ ክስታት እዩ።

እዚ ክሲ ነቲ ብተመሳሳሊኣብ ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ዝቐረበ 2,500 ዝኸውን ካልእ መዛግብቲ ከም መወከሲ ኰይኑ ከገልግል ትጽቢት ይግበረሉ።

ኣሌክሳንድራ ዋልሽ ዝስማ ካልእ ጠበቓ ከሳሲት ድማ ኣብቲ ቤትፍርዲ ኡበር ነተን ለይቲ በይነን ዝጓዓዛ ደቂ ኣንስትዮ ዝያዳ ድሕነት ዘለዎ ኣማራጺ ገይሩ ከም ዘቕርብ ተዛሪባ።

"ደቂ ኣንስትዮ ከጓንፈን ዝኸእል ሓደገኛነት ይፈልጣ እየን። ሓደጋ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዘሎ ንፈልጥ ኢና። [ኡበር] ግን ካብዚ ስግኣት ናጻ ዝዀነ ቦታ ምዃኑ ክንኣምን ገይሮምና፡" ትብል።

ኡበር ብግዲኡ እቶም መራሕቲ ማካይን ብርእሶም ዝመሓደሩ ብኮንትራት ዝሰርሑ ምዃኖምን ቅድሚ ምምዝጋቦም ናይ ገበን ታሪኽ መርመራ ከም ዝግበረሎምን ብምግላጽ፡ ብገበናዊ ተግባራት ነቲ መተግበሪ ዝጥቀሙ መራሕቲ ማካይን ተሓተትቲ ክዀኑ ከም ዘይብሎም ይምጕት።

ጠበቓታት እቲ ኩባንያ፡ እቲ መራሕ ማኪና ጽቡቕ ናይ ተጓዓዝቲ ርእይቶታት ዘኻዕበተን ገበናዊ ታሪኽ ዘይነበሮን ምስ ምዃኑ፡ እቲ ፍጻመ ክግመት ዝኸእል ከም ዘይነበረ ይምጕቱ።

ሓደ ኣፈኛ ኩባንያ'ውን እቲ ቤትፍርዲ፡ "ኡበር ሸለልትነት ከም ዝገበረ ወይ ጕድለት ስርዓተ ጸጥታ ከም ዘለዎ፡" ዝገልጽ ክስታት ነጺግዎ።

"መጠን ካሕሳ ካብቲ ተሓቲቱ ዝንበረ ኣጸቢቑ ዝተሓተ እዩ። እቲ መቕጻዕቲ ድማ ምሉእ ብምሉእ ተነጺጉ እዩ። እዚ ውሳነ እዚ ኡበር ሓላፍነት ከም ዝወሰደን ኣብ ድሕነት ተጓዓዝቲ ዝጭበጥ ወፍሪ ከም ዝገበረን የረጋግጽ፡" ኢሉ።