ቀብሩ ከይፍጸም ብቤት ፍርዲ ዝተኣገደ ፕረዚደንት - ስለምንታይ?

ፕረዝደንት ዛምቢያ ነበር ኤድጋር ሉንጉ

ምንጪ ስእሊ, Nomsa Maseko

መግለጺ ስእሊ, ፕረዝደንት ዛምቢያ ነበር ኤድጋር ሉንጉ

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ስርዓተ ቀብሪ ፕረዚደንት ዛምቢያ ነበር ኤድጋር ሉንጉ ስድራን መቕርቡን ጥራይ ኣብ ዝተረኸብሉ ንኽፍጸም ዝተትሓዘ መደብ፡ ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ደው ክብል ወሲኑ።

ስርዓተ ዝኽሪ እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ምስ ተፈጸመ፡ ጉዳይ ቀብሪ ኣብኡ ንዝነበሩ ሓዘንተኛታት ጥራይ እዩ ተነጊሩ።

ፕረዚደንት ዛምቢያ ነበር ሉንጉ፡ ኣበይ ይቀበር ብዝብል ክዋጠጡ ዝጸንሑ ስድራቤት ሉንጉን መንግስቲ ዛምብያን፡ ሕጂ ድማ ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብዚ ጉዳይ ተጸምቢርዎ ኣሎ።

ስድራቤት እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ስርዓተ ቀብሪ ኤድጋር ሉንጉ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ዛምቢያ ዝካየድ ሃገራዊ ቀብሪ፡ ኣዝማዱን መቕርቡን ጥራይ ኣብ ዝተረኸብሉ ናይ ብሕቲ ስርዓተ ቀብሪ ክካየድ'ዮም ዝደልዩ።

ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፕሪቶርያ ሕቶ ዘቕረበ መንግስቲ ዛምቢያ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ብስድራቤቱ ንዝተዋደደ ቀብሪ ኤድጋር ሉንጉ፡ ብሕጊ ክእግዶ ሓቲቱ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፕሪቶርያ፡ "ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ብዝተገበረ ስምምዕ" ክሳብ ነሓሰ እቲ ስርዓት ክጸንሕ ወሲኑ።

እዚ ዘይምቅዳው፡ ኣብ መንጐ ኤድጋር ሉንጉን ንዕኡ ተኪኡ ስልታን ዝሓዘ ፕረዚደንት ሃካይንደ ሂቺሌማን ዝጸንሐ ብርቱዕ ቅርሕንቲ ስዒቡ፡ ስድራቤት፡ ሉንጉ ቅድሚ ምማቱ፡ ሃካይንደ ኣብ ቀብሩ ከይርከብ ተላብዩ እዩ ድሕሪ ምባሎም ዝተፈጠረ እዩ።

ወዲ 68 ዓመት ኤድጋር ሉንጉ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምማቱ፡ ስድራቤቱ፡ ሬሳ ኤድጋር ሉንጉ ናብ ሃገሩ ዛምቢያ ምውሳድ፡ ምውዳድ ስርዓተ ቀብሪ ናቶም ሓላፍነት ክኸውን ይደልዩ፡ ብኣንጻሩ ሰብመዚ እታ ሃገር ግን ኵሉ ሓላፍነት ክወስዱ ይደልዩ።

ቅድም ክብል መንግስቲ እታ ሃገርን ስድራቤት ሉንጉን፡ ኣብ ዛምቢያ ሃገራዊ ስርዓተ ቀብሪ ንኽካየድ ተሰማሚዖም'ኳ እንተነበሩ፡ ድሒሩ እቲ ቀብሪ ከመይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል ዝርዝር ጉዳያት ብዝተፈጠረ ዘይምርእድዳእ፡ እቲ ርክብ ተቋሪጹ። ከም ውጽኢቱ፡ ስድራቤት፡ ስርዓተ ቀብሪ እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸውን መሪጾም።

ድሕሪ'ዚ ዝተፈጠረ ምውጣጥ፡ ፕረዚደንት ሂቺሌማ፡ ሉንጉ ከም ፕረዚደንት ነበር "ንሃገረ ዛምቢያ'ዩ ዝግባእ" ቀብሩ ድማ ኣብዛ ሃገር ክኸውን ኣለዎ ብምባል ይምጕት።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፕሪቶርያ፡ ዋና ኣኽባሪ ሕጊ ዛምቢያ ሙሊሎ ዲ ካቤሻ፡ ንምምላስ ሬሳ ሉንጉ ናብ ዛምቢያ "ዝተመሓየሸ ሕጋዊ ሕቶ" (እማመ)፡ ክሳብ 04 ሓምለ ከረክብ ግዘ ሂቡ ኣሎ። ንስድራ ሉንጉ ድማ ክሳብ 11 ሓምለ ንሕቶ መንግስቲ ዛምቢያ ዝቃወምሉ ሕጋዊ ሰነዳቶም ናብ ቤት ፍርዱ ከቕርቡ ገደብ ግዜ ሂቡ።

እቲ ቤት ፍርዲ፡ "እዚ፡ ከም ፍሉይ ጉዳይ ኣብ ዝመጽእ 04 ነሓሰ 2025 ክስማዕ'ዩ" ኢሉ። ወጻኢታት እዚ ሕጋዊ መስርሕ መን ክሽፍኖ ከም ዝግባእ ድማ፡ ኣብቲ ዕለት ከም ዝውሰን ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ዛምቢያ፡ ንጉዳይ ፈላማይ ፕረዚደንት ዛምቢያ ዝነበረ ኬነት ካውንዳ ረቝሑ፡ ውልቃዊ ባህግታት፡ ንዝዓበየ ህዝባዊ ረብሓ ክዕብልሎ ከም ዘይግባእ'ዩ ዝምጕት።

ሓዘንተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Nomsa Maseko / BBC

ኣብ 2021 ስድራ ካውንዳ፡ እቲ ፈላማይ ፕረዚደንት ዛምቢያ ሬሳኡ ኣብ ጐኒ መቓብር በዓልቲ ቤቱ 'ምበር፡ መንግስቲ ኣብ ዘዳለዎ ቦታ ክቕበር ከምዘይደሊ ገሊጾም ነይሮም።

እንተዀነ መንግስቲ እታ ሃገር ነቲ ካብ ስድራ ካውንዳ ዝቐረበ ጠለብ ብምግዳፍ፡ ፈላማይ ፕረዚደንት ካውንዳ፡ ኣብቲ ብዙሓት ፍሉጣት ሰባት ብፍላይ ድማ ፕረዚደንታት እታ ሃገር ዝቕበርሉ ኣብ ሉሳካ ዝርከብ መካነ መቓብር 'Embassy Memorial Park' ክቕበር ገይሩ።

እዚ ናይ ኣብ ጉዳይ ስርዓተ ቀብሪ ፕረዚደንት ሉንጉ ዝምልከት ተፈጢሩ ዘሎ ጉዳይ፡ ነቲ ኣብ መንጐኡን ተካኢኡ ፕረዚደንትን ዝነበረ ከቢድ ቅርሕንቲ ኣጕሊሑ ዘርኢ እዩ።

ኤድጋር ሉንጉ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ጽምዲ መኻይን (መኻይን በዓልመዚ፣ ዓጀብትን ጸጥታን ) ሂቺሌማ፡ ፕረዚደንት ኤድጋር ሉንጉ ንኸይሓልፍ መንገዲ ከልኪለን ወይ ዓጽየን ብዝብል፡ ሂቺሌማ ብሃገራዊ ክሕደት ተኸሲሱ ንልዕሊ 100 መዓልታት ተኣሲሩ'ዩ።