እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ጉጅለ ቫግነር ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ንጥፈታቶም ክቕጽል ምዃኑ ኣፍሊጡ
መራሒ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር የቭገኒ ፕሪጎዢን፡ ኣብተን ዘለውለን ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ወግእ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።
ፕሪጎዢን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣንጻር መንግስቲ ሩስያ ናዕቢ ድሕሪ ምክያዱን ንሱን ገለ ዕሱባት ወተሃደራቱን ናብ ጎረቤት ሃገር ቤላሩስ ድሕሪ ምግዓዞምን፡ ህላወ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ሕቶ ምልክት ኣትዩ'ዩ ጸኒሑ።
"ኣብ ኣፍሪቃ ዘለና መደባት፡ ኣይጎደለን ኣይክጎድልን ድማ'ዩ" ክብል ፕሪጎዢን ንተለቪዢን ኣፍሪክ ሚድያ ብድምጺ ተዛሪቡ።
ሓቅነት ሓበሬታ ዘጻሪ ቢቢሲ ቨሪፋይ፡ ነቲ ድምጺ ብምምርማር ናቱ ምዃኑ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ኣፍሪክ ሚድያ ንክረምሊን ቅርበት ዘለዎ ኮይኑ፡ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ዒላማ ዝገበረ ሓበሬታ ዝፍኑ'ዩ። ምስ ጉጅለ ቫግነር ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ'ውን ይሕመ'ዩ።
ወተሃደራት ቫግነር ኣብ ማሊን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ኣብ ውሽጢ ሓይልታት ጸጥታ እተን ሃገራት ተለጢፎም ኣንጻር ዕጡቓት ተቓወምቲ ክዋግኡ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ኣብቲ ዝተሳተፍሉ ውግኣት ገበናት ኲናት ከምዝፈጸሙ ሕቡራት ሃገራት ይኸስስ።
ምስ’ዚ ኣብ ዝተሓሓዝ፡ ብሪጣንያ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ኣብ ኣፍሪቃ ዘካይዶ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣብ ልዕሊ መራሕቱ ዝርከብዎም 13 ውልቀሰባትን ትካላትን ንግዲን እገዳ ኣንቢራ’ላ።
ብሪጣንያ ከምእትብሎ፡ ዕሱባት ቫግነር፡ ኣብተን ሃገራት ሰባት ኣብ ምርሻንን ምስቓይን ኢድ ኣለዎም ። ንሰላምን ጸጥታን ሱዳን ሓደጋ ከምዝኾኑ'ውን ውሳነ ብሪጣንያ ይጠቅስ።
ካብቶም ማዕቀብ ተገይሩሎም ዘሎ ውልቀሰባት፡ ሓላፊ ስሪሒታት እቲ ጉጅለ ኣብ ማሊ ኢቫን ኣለክሳንድሮቪች ማስሎቭን፡ ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከብ መዘናኡ ኮንስታንቲን ኣለክሳንሮቪች ፒካሎቭን ይርከብዎም።
ኣመሪካ ብወገና፡ ኣባላት ቫግነር ብወርቂ እታ ኣህጉር ጅብኦም የኻዕብቱ ከምዘለዉ ትኸስስ።
ፕሪጎዢን ግን፡ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ንጥፈታቶም ካብኡ ፍልይ ዝብል ምዃኑ'ዩ ዝምጉት።
"ኣብ ኩለን እተን ክንሰርሓለን ዝጸናሕና ሃገራት ንሰርሕ ኣለና ወይ እዚ ሕጂ ንሰርሖ ዘለና ናይ ምትሕብባርን ልምዓትን እዩ" ክብል ተሰሚዑ።
"ኣንጻር ጭፍራታት ገበናትን ኣሸበርትን ኣብ ዝግበር ዝኾነ ውግእን፡ ንረብሓታት ህዝቢ እተን ሃገራት ንምክልኻልን ሓገዝ ጉጅለ ቫግነር እንተ ተደልዩ፡ ስምምዕ ምስተበጽሐ ነቲ ዕማም ብቕልጡፍ ንምፍጻም ድልዋት ኢና"።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ጸጥታዊ ንጥፈታት ቫግነርን ሩስያን ኣብ ኣፍሪቃ ክቕጽል ምዃኑ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።