እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓለቓ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር፡ ናብ ሰራዊት ሩስያ ንምፅንባር ዝቐረበሉ ሕቶ ነፂጉ
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሓለቓ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር የቭጌኒ ፕሪጎዢን፡ ናብ ሰራዊት ሩስያ ክፅንበር ንዝቐረበሉ ሕቶ ከምዝነፀጎ ገሊፁ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕሪጎዢን፡ ወተሃደራቱ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሩስያ ኮይኖም ከገልግሉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን ከምዝበሎ ተዛሪቡ።
ፑቲን ንጋዜጣ ኮመርሳንት ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየዱ ዘተታት፡ ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ቫግነር ኣብ ትሕቲ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ቫግነር ክኾኑ ንዝብል ውጥን ከምዝደገፍዎ ገሊፁ።
እንተኾነ ሓለቓ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር የቭጌኒ ፕሪጎዢን፡ “ተዋጋእተይ በዚ ኣይተሰማምዑን” ዝብል ምላሽ ከምዝሃቦ ፑቲን ሓቢሩ።
ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ሓለቓ ቫግነር የቭጌኒ ፕሪጎዢን ንመራሕቲ ሰራዊት ምክልኻል ሩስያ ንምቕፃዕ ዝከኣሎ ከም ዝገብር ብምሕናይ ምንቅስቓስ ጀሚሩ ምንባሩ ይዝከር። እንተኾነ እቲ ዓመጽ ድሕሪ 24 ሰዓታት በርዒኑ እዩ።
ድሕሪ እዚ ብዝተኻየደ ልዝብ፡ ኣባላት እቲ ዕሱብ ጉጅለ ናብ ሰራዊት እታ ሃገር ክፅንበሩ ወይ ናብ'ታ መሻርኽቲ ሩስያ ዝኾነት ቤላሩስ ክኸዱ ተነጊርዎም።
ሩስያ ኣብ ለካቲት 2022 ንዩክረይን ምውራራ ስዒቡ፡ ዕሱብ ጉጅለ ቫግነር ምስ ሰራዊት ሩስያ ተላፊኑ ደማዊ ውግኣት ኣካይዱ እዩ።
ገምጋም ሰራዊት ኣሜሪካ ግና፡ ቫግነር ካብ ሕዚ ንደሓር “ኣብ ዩክረይን ንዝካየድ ወፍሪ ዕዙዝ ግደ ክህልዎ ከምዘይኽእል” የረድእ።
ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ፓት ራይደር “ሕዚ’ውን መብዛሕትኦም ተዋጋእቲ ቫግነር ብሩስያ ኣብ ዝተትሓዙ ከባብታት ዩክረይን ከምዘለዉ ይእመን” ኢሉ።
ኣብቲ ብ29 ሰነ ኣብ ክሬምሊን ዝተኻየደ ዘተ፡ ንፕሪጎዢን ሓዊሱ 35 ኮማንደራት ቫግነር ከምዝተረኸቡ’ዩ፡ ፑቲን ንጋዜጣ ኮመርሳንት ቢዝነስ ደይሊ ገሊፁ።
ፕረዚደንተ ፑቲን 'ሰያብ ርእሲ' ክብል ኣብ ዝገለጾ ኣብ ትሕቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ቫግነር ኴንካ ኣብ ሰራዊት ሩስያ ኣገልግሎትካ ምቅጻል ዝርከቦም ብዙሕ ናይ "ስራሕ ኣማራጺታት" ከምዘቕረበሎም'ውን ኣረዲኡ።
“ነዚ ኣብ ዝዛረበሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ብዙሓት ተቓለስቲ ቫግነር ርእሶም ይንቕንቑ ነይሮም” ኢሉ።
ፑቲን ወሲኹ፡ “ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሉ ነዚ ኩሉ ዘይርኣየ ፕሪጎዢን ግና ነዚ ሓሳብ ብምንፃግ፡ “'ተቓለስቲ ቫግነር በዚ ውሳነ ኣይተሰማምዑን' ዝብል መልሲ ሂቡኒ” ኢሉ።
ናይ ውልቀ ወታደራዊ ውዳበ ክህሉ ዘኽእል ሕጊ የለን ዝበለ ፕረዚደንት ፑቲን፡ እቲ “ዝኸበደ ጉዳይ” ተቓለስቲ ቫግነር ብኸመይ ሕጋዊ ምግባር ይከኣል ዝብል ኣብ ባይቶ ክዝተየሉ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ።