'ስምዒት ሃገር ዝጐድእ' ዝበለቶ ኣከዳድናን ዘረባን ክትእግድ ዝወጠነት ሃገር

መንግስቲ ቻይና ዝወጠኖ "ንመንፈስ ህዝቢ ዝጐድእ" ዘረባን ኣከዳድናን ዝእግድ እማመ ሕጊ ኣብታ ሃገር ክትዕ ኣስዒቡ።

እቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ እንተ ውዒሉ ገበነኛታት ኰይኖም ዝተረኽቡ ሰባት ክቕጽዑ ወይ ክእሰሩ ዝኽእሉ ኰይኖም፡ እቲ ጥሕሰት እንታይ ከም ዝኾነ ግን ዛጊድ ኣይተነጸረን።

ተጠቀምቲ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ሰብሞያ ሕግን ዝያዳ ንጹርነት ክህሉ ኣብ ምሕታት ይርከቡ።

ቻይና ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሕጊታት ህዝባዊ ጸጥታኣ ብርክት ዝበሉ ውጥናት ለውጢ ዝዘርግሐት ኰይና፡ እዚ ከኣ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝግበር ናይ መጀመርታ ምምሕያሻት’ዩ።

እቲ ኣብ ክዳውንቲ ዝተወጠነ ሕጊ ካብ ህዝቢ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ ረኺቡ'ሎ። ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ካብ ልክዑ ዝሓለፈን ዕሽነትን ክብሉ ይነቕፍዎ ኣለዉ።

እቶም ኣካታዕቲ ዓንቀጻት፡ "ንመንፈስ ህዝቢ ቻይና ዘዳኽም ወይ ንስምዒት ህዝቢ ቻይና ዝጐድእ" ክዳውንትን ምልክታትን ዝኽደኑ ወይ ካልኦት ንክኽደኑ ዘገድዱ ሰባት፡ ክሳብ 15 መዓልታት ክእሰሩን ክሳብ 5000 ዩዋን (680ዶላር) ክቕጽዑን ከምዝኽእሉ ይሕብሩ።

ተመሳሳሊ ጸቕጢ ዘሕድሩ ጽሑፋት ወይ ዘረባ ዝፈጥሩ ወይ ዝዝርግሑ እውን ተመሳሳሊ መቕጻዕቲ ከጋጥሞም ይኽእል።

እቲ ተወጢኑ ዘሎ ምምሕያሻት ሕጊ፡ "ምጽራፍ፡ ምጽላም ወይ ብኻልእ መንገዲ ኣስማት ጀጋኑን ሰማእታትን እታ ሃገር ምንሻው" ከምኡ'ውን ንመዘከርታ ሓወልትታቶም ምዕናው ይኽልክል።

ኣኽበርቲ ሕጊ ብኸመይ እዮም "ስምዒታት" እታ ሃገር መዓስን ብኸመይን "ተጐዲኡ" ክውስኑ ዝኽእሉ? ዝብል ሕቶ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዘልዕልዎ ዛዕባ ኰይኑ’ሎ።

ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ክኢላታት ሕጊ’ውን ንዘይንጹር ኣገላልጻ እቲ ሕጊ ብምንቃፍ፡ ንግህሰት ዕድል ዝህብ ከምዝዀነ ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ቻይናዊ ዩኒቨርሲቲ ፖለቲካዊ ሳይንስን ሕግን ፕሮፌሰር ሕጊ ዝዀነት ዛኦ ሆንግ፡ ንጹርነት ዘይምህላው ምግሃስ ውልቃዊ መሰላት ከስዕብ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲባ።

"እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣኽባሪ ሕጊ ዝዀነ ፖሊስ፡ ብዛዕባ ነቲ ‘ጉድኣት’ ዝብል ሓሳብ ባዕላዊ ትርጕም እንተሂብዎን ካብ መቓን ሕጊ ወጻኢ ብዝዀነ መገዲ ሞራላዊ ፍርዲ ክህብ እንተጀሚሩንከ?" ክትብል ብረቡዕ ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ ስክፍትኣ ገሊጻ።

እቲ እማመ ሕጊ፡ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ኣብ 2012 ናብ መሪሕነት ካብ ዝድይብ ንደሓር፡ ሓደ ሞዴል ቻይናዊ ዜጋ ክገብሮ ዝግባእ እንታይ ምዃኑ? መመሓየሺ ከምጽእ ከም ዝፈተነ ዘመልክት መርኣያ እዩ።

ኣብ 2019፡ ቻይናዊ ዴሳዊ ሰልፉ "መምርሒታት ሞራል" ኣውጺኡ ነይሩ። እዚ ድማ ከም ጭውነት፣ ብትሑት ኣሰር ካርቦን ምጕዓዝ ከምኡ'ውን ኣብ ሺን፡ እቲ ገዛኢ ሰልፍን "እምነት" ምሕዳር ዝኣመሰሉ መምርሒታት ዘጠቓልል ነይሩ።