ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ፈተና ንመበል 27 ግዜ ዝወደቐ ሚሊየነር

ወዲ 18 ዓመት እንከሎ ኣትሒዙ ናብ ዩኒቨርሲቲ ንክኣቱ ዘኽእሎ ግን ድማ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ፈተና ክወስድ ጸኒሑ። ቅድሚ ሕጂ 26 ግዜ ፈተነ ገይሩ - ኣይሰለጦን።

እንተዀነ ኢዱ ኣይሃበን፤ የግዳ እኹል ምድላው ክገብር ጸኒሑ ተፈቲኑ፤ እንተዀነ ሕጂ'ውን ንመበል 27 ግዜ ኣይሰለጦን።

ሕዚ ወዲ 56 ዓመት ዝዀኖ ሊያንግ ሺ፡ ካብ 750 ነጥቢ 424 ጥራይ ከም ዝረኸበ ምስ ርኣየ ንመበል 27 ግዜ እቲ ፈተና ከም ዝወደቐ ክፈልጥ ክኢሉ።

ሊያንግ፡ ኣብዚ ፈተና ብ34 ነጥቢ ጥራይ እዩ ወዲቑ።

ሓደ ተመሃሪ ብውሑድ 458 ነጥቢ እንተኣምጺኡ'ዩ ኣብ ቻይና ኣብ ዝርከብ ዝዀነ ዩኒቨርሲቲ ንክመሃር ከመልክት ዝኽእል።

ኣብዚ ዓመት ዳርጋ 13 ሚልዮን ተምሃሮ ነዚ ፈተና ክወስዱ እንከለው፡ ሊያንግ ሓደ ካብኦም’ዩ ነይሩ።

ሊያንግ ቅድሚ ሕጂ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንምክትታል ብዝገበሮ ፈተነታት ትኹረት ማዕከናት ዜና ክስሕብ ጸኒሑ እዩ።

ናብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ምእታው ልዑል ድሌት ዘለዎ ሚሊየነር ሊያንግ፡ ካብ 1983 ጀሚሩ ነቲ ፈተናታት ክወስድ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ዓመት ብዝረኸቦ ውጽኢት ግን ተስፋ ከም ቐፀ ሕልሙ 'ዝጭበጥ ድዩ ኸ?' ዝብል ሕቶ ከልዕል ከም ዝገበሮን ገሊጹ።

“ከዐውቶ’የ ኢለ እኣምን ነይረ። ሕጂ ግን ተስፋቀቢፀ ኣለኹ” ክብል ንማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ተዛሪቡ።

ተመሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ፡ ትምህርቲ ክውድኡ እንከለው ‘ጋኦካኦ’ ዝተባህለ ኣዝዩ ከቢድ ተፈና ይፍተኑ።

ቋንቋታት መንደሪንን ኢንግሊዘኛን፣ ሒሳብ ከምኡ’ውን ከም ምርጫ እቲ ተመሃራይ ክእለት ሳይንስን ማሕበራዊ ሳይንስን ድማ ይፍተኑ።

እዚ ፈተናታት፡ ኣብ እዋን ባህላዊ ለውጢ [cultral revolution]ተቛሪጹ’ኳ እንተነበረ፡ካብ 1950ታት ጀሚሩ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ትኹረት ዝግበረሉ ነጥቢ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ዓመት 13 ሚሊዮን ተመሃሮ እዚ ፈተና ከም ዝወሰዱ መረዳእታታት እታ ሃገር የመልክቱ።

መንግስቲ ቻይና ከም ዝብሎ ድማ፡ ብ2021 እቲ ፈተና ካብ ሞንጐ ዝወሰዱ ተመሃሮ ኣስታት 41.6 ሚኢታዊት ጥራይ እዮም ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእትዎም ውጽኢት ክረኽቡ ክኢሎም።

ሊያንግ ነዚ ፈተና ሓሊፉ ካብ ስሙይ ዩኒቨርሲቲ ብዲግሪ ተመሪቑ “ምሁር” ክብሃል እዩ ዝደሊ።

ንፈለማ እዋን ብ1983 ዓ.ም እዚ ፈተና ክወስድ እንከሎ ወዲ 18 ዓመት ነይሩ።

ክሳብ 1992 ዓ.ም ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ ዓመታዊ ነዚ ፈተና ክወስድ ጸኒሑ ኣሎ።

ይኹን’ምበር ድሕሪ 1992 ብዕድመ ዓብዪ ኢኻ ምስ ተባህለ ነዚ ፈተና ምውሳድ ጠጠው ከብሎ ተገዲዱ ጸኒሑ።

ብ2001 ግን መንግስቲ ቻይና ኣብ ዝዀነ ይኹን ክሊ ዕድመ ዝርከብ ሰብ ክፍተን ከም ዝኽእል ድሕሪ ምግባሩ ክኣ ሊያንግ እቲ ፈተና ምውሳድ ቀጺሉ።

ንሱ፡ ዋላ’ውን ብትምህርቲ እንተዘይተሳኽዐሉ ብ1990ታት ኣብ ንግዲ ዕንጸይትን ናውታት ህንጻት ብምውፋር ሚሊየነር ክኸውን ክኢሉ እዩ።

“ናብ ኮሌጅ ዘይምእታው ሕጉስ ኣይገብረካን፤ ህይወት ብዘይ ልዑል ትምህርቲ ኣይትመልእን” ይብል።

ብ7 ሰነ 2023 ነዚ ፈተናታት ንምውሳድ ናብ መፈተኒ ማእከል ከይዱ።

እዚ "the No.1 Gaokao holdout" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሊያንግ ፈተና ‘ጋኦካኦ’ ንምሕላፍ ድማ ንርእሱ ካብ ኣልኮላዊ መስተታትን ካልኦት ተግባራትን ዓቂቡ ልዑል ምድላው ክገብር ጸኒሑ።

ግን ሕጂ'ውን ኣይሰለጦን።ኢዱ ዝህብ መሲሉ ክኣ ክስምዖ ጀሚሩ ኣሎ።

"ኣብ ዝመጽእ ዓመት ተፈቲነ እንተዘይተዓዊተ ግን ሊያንግ ዝብል ናይ መወዳእታ ስመይ ክገድፎ እየ"።