ካብ ዝፍረም ሓደ ወርሒ ዘቑፀረ ስምምዕ ሰላም፡ እንታይ ተባሂሉ: እንታይከ ተፈፂሙ?

እቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንኽልተ ዓመታት ዝቐፀለን ደማዊ ኵናት ትግራይ ደው ንምባል፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ወግዓዊ ካብ ዝገብር ሎሚ ሓደ ወርሒ ኰይንዎ ኣሎ።

እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኸተመ ታሪኻዊ ስምምዕ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ ተኻይዱ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ወሃቢ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ድማ ንህወሓት ብምውካል፡ ኣብቲ ስምምዕ ፈሪሞም እዮም።

ኣብቲ ን12 መዓልታት ዝቐፀለ ድርድር፡ ኣብ 12 ነጥብታት ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ።

እቲ ካብ ሰሉስ 15 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ዝተኻየደ ድርድር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፣ ፕረዝደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ማላምቦ-ንፁካን ብመንጎኝነት ዝመርሕዎ’ዩ።

ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራትን ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)ን ድማ፡ ብተዓዛብነት ተሳቲፎም።

ድሕሪ እቲ ስምምዕ እንታይ ተባሂሉ? እንታይ ተፈፂሙ?

24 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ እቲ ምስ ህወሓት ዘካየዶ ድርድር ሰላም “ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ሓሳብ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ተቐባልነት ረኺቡ” ክብል ተዛሪቡ።

“ጅግንነት ማለት ምስዓር ጥራሕ ኣይኰነን። ጅግንነት ድሕሪ ዓወት ይቕረ ምባል እዩ። ጀጋኑ ምዃንና ዝረጋገፅ ካብ ዘለና ኣካፊልና ኣብ ትግራይ ንዝተጎድኡ ወገናትና ምኹላስ እንትንኽእል’ዩ።

“ንህዝቢ ትግራይ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፡ ዘየድሊ ኵናት፣ ዘየድሊ ጉድኣት፣ ኣድላዪ ዘይኮነ ኢትዮጵያ ኣሕሊፍካ ምሃብ ኣብዚ የብቅዕ” ክብል እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ተዛሪቡ።

ኣብቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራ፣ ፍሉይ ሓይልን ምልሻን ክልል ኣምሓራን ኣንፃር ሓይልታት ትግራይ ንኽልተ ዓመታት ከም ዝተዋግኡ ይፍለጥ። ሰራዊት ኤርትራ ክሳብ ሕዚ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ከምዘለዉ መራሕቲ ህወሓት ይገልጹ።

29 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ኣብ ክፍላ ሕዳር ድማ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ርእሰከተማ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም።

እቶም መራሕቲ ሰራዊት ክልቲኡ ወገናት፡ ነቲ ኣካል እቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ዝኾነ ንሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ከይዲ ንምዝርራብ እዮም ተራኺቦም።

ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደን ሰኑይ ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ሰዓታት ናይ ንጉሆ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ልዝብ ጀሚሮም።

እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ዝተገበረ ስምምዕ ንሽድሽተ መዓልታት ክሳብ ቀዳም 03 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናይ ምሸት ቀፂሉ።

29 ጥቅምቲ 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ኣሜሪካ፡ ቀንዲ ዛዕባ ስምምዕ ናይሮቢ፡ ነቲ ኵናት ምውልዑ ስዒቡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፁ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላስ ከምዝኾነ ኣፍሊጣ።

ወሃቢ ቃል ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምቅልጣፍን ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ምምላስን ቀዳማይ ዋኒን ምዃኑ ገሊፁ።

ምስ ኣመራርሓ ክልቲኦም ወገናት ብስልኪ ከም ዝተዘራራበ ዝሓበረ ኔድ ፕራይስ፡ “እዞም ጭቡጣት ስጉምትታት ድምፂ ብረት ደው ንምባል ዘለዎም ቆራፅነት ዘንፀባርቕ’ዩ” ብምባል ኣረዲኡ።

01 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓት ቀዋሚ ምቁራፅ ተፃብኦ ክገብሩ ዋላ’ኳ እንተተሰማምዑ፡ ናብ ትግራይ ምግብን ኣፋውስን ይኣቱ ከምዘየለ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ “ንስምምዕ ጎንፂ ደው ምባል ስዒቡ፡ ብቐጥታ ናብ ትግራይ ምግብን መድሓኒትን ክኣቱ’ዩ ኢለ እፅበ ነይረ” ብምባል፡ ናብ ትግራይ ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘየለ ገሊፁ።

ዶክተር ቴድሮስ፡ ኣብ ትግራይ ዝተቛረፀ ስልኪ፣ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ናብ ንቡር ክምለሱ ድማ ፀዊዑ።

02 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ኣማኻሪ ሃገራዊ ደሕንነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን ተደራዳሪ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ሰብዓ ሚእታዊት ከባብታት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝኾነን ረድኤት ይኣቱ ከምዘሎን ብመገዲ ትዊተር ሓቢሩ ነይሩ።

እንተኾነ፡ ወሃቢ-ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍሉይ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት እቲ ኣምባሳደር ዝበሎ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ገሊፁ።

03 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ኣተገባብራ ብዝምልከት ወተሃደራዊ ኣዝዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ ኣብ ርእሰከተማ ኬንያ ናይሮቢ ቀዳም 03 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናይ ስምምዕ ፊርማ ከቲሞም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ጀነራል ታደሰ ወረደን ድማ ኣብቲ ስምምዕ ፊርመኦም ብምኽታም፡ ነቲ ስምምዕ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንምግባር ድሉው ከም ዝኾኑ ኣፍሊጦም።

ስምምዕ ናይሮቢ ምስተኸተመ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ቀዳም ምሸት ኣብ መቐለ ዝርከብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ንህወሓት ወኪሉ ስምምዕ ሰላም ክፈራረም ዝለኣኽናዮ ተወካሊ የብልናን፡ ናይ ህወሓት ዝበሃል ሰራዊት’ውን የለን ክብል ወግዓዊ መግለፂ ኣውፂኡ።

02 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ መንግስቲ እቲ ስምምዕ ሰላም ብዝተቐመጠሉ መገዲ መሰረት ይሰርሕ ኣሎ፤ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝርከቡ መብዛሕትኦም ከባብታት ትግራይ ረድኤት ክበፅሕ ይገብር ኣሎ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት’ውን ቀስ ብቐስ ስራሕ ይጅምሩ ኣለዉ ኢሉ።

ይኹን’ምበር ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምእታው ገና ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍቓድ ይፅበዩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም።

04 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕጥቆም ንዝፈትሑ ሓይልታት ትግራይ “ብቀዋምነት ናብቲ ማሕበረሰብ ንክፅንበሩ” ሃገራዊ ኮምሽን ተሃድሶ ከምዘጣይሽ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትራት ባይቶ እታ ሃገር ድማ፡ ነዚ ኮምሽን ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ተቐቢሉ ኣፅዲቕዎ፤ እቲ ረቂቕ ካብ ዝፀደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ክውዕል ከምዝተወሰነ ከኣ ተገሊፁ።

04 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ንኣተገባብራ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ዝምልከት ብቀዳም 03 ሕዳር 2015 ኣብ ናይሮቢ - ኬንያ ውዕል ምስ ፈረሙ፡ ብወገን ህወሓት ንስምምዕ ፕሪቶርያ ዝፈረመ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብፍሉይ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ።

ኣይተ ጌታቸው ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕትት፡ እቲ ንሱ ዝመርሖ ጕጅለ ልኡኽ፡ ናይ ህወሓት ዘይኰነስ "ናይ መንግስቲ ትግራይ'ዩ" ክብል መጒቱ።

“ህወሓት ኣይፈረመን፡ ህወሓት ኣይፈረመን! መንግስቲ ትግራይ’ዩ ከይዱ፡ ንመግስቲ ትግራይ ስለ ዘይንፈልጦ ህወሓት ክንብለኩም ኢና ኢሎምና። ንሕና ሰላም ኢና ንደሊ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ መንግስቲ ትግራይ በሉና፡ ህዝቢ መሪፁና ኢልና ክንማጐት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣይሰምዕ ገለ ኣይሰምዕ።

"ብሕጊ ኣይንፈልጠኩምን ኢሎም። ስለዚ ስምና ስለዘይተቐበልኩም እቲ ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሓገዝ፡ ንህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ ሰላም፡ ዋላ ኣብ ገደል ይእቶ፡ ኣይንቕበለኩምን ክንብል ኣይደለናን። ኣብቲ ጕጅለ፡ ኣነን ምናልባት ሓደ ካልእ ሰብን ኢና ናይ ህወሓት ኣባላት ዘለና፡ ካልኦት ኣባላት ህወሓት ኣይኰኑን፡ ናይ መንግስቲ ትግራይ ወኪላት’ዮም።

"ስለዚ፡ ንመንግስቲ ትግራይ ኣይፈልጦን’የ ኢሉ እቲ ሓደ ወገን። ስለዚ ንመንግስቲ ትግራይ ስለዘይፈልጥ፡ ንሕና ናትና ትዅረት ተዂሲ ደው ክብል ኣለዎ፣ ሓገዝ ክመፅእ ክኽእል ኣለዎ፡ ኣገልግሎታት ክቕፅል ኣለዎ እዩ። ሕዚ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ‘ኖእ፡ መንግስቲ ትግራይ ኢልኩም እንተዘይፈሊጥኩምና ውግእ ክንቅፅል ኢና’ ድዩ ዘዋጽእ ወይስ ዝበልኩም በሉና ነቲ ህዝቢ ዝጠቅም ንስራሕ ዝብል’ዩ።

"ብዛዕባ ህወሓት ኣይኰንኩን ዝዛረብ. . . እቲ ዋና ነገር መንግስቲ ትግራይ’ዩ ‘ደሊገሽን’ [ጕጅለ ልኡኽ] ሰዲዱ። መንግስቲ ትግራይ ዝበሃል ኣይንፈልጥን እንተ’ይሉ እቲ ሓደ ወገን፡ እቶም ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ‘እሞ በዚ ዲኹም ክትፋረሱ፡ ዝዀነ ስም ይሃብኹም’ [ኢሎምና]” ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እዋናዊ ጉዳያት ተዛሪቡ።

06 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ረድኤት ኣፋውስ ዝፀዓና ክልተ መኻይን ናብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ከም ዝኣተዋ ኣፍሊጡ።

ቢሮ ጥዕና ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዋላ ሓንቲ ባኮ ሓገዝ ትኹን ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ገሊፁ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ፡ “ብደም ሰራውር ዝወሃብ ፈሳሲ [ኢንፊዩዥን]፣ ናይ ቁስሊ መሕጸቢን መሸፈኒን፣ ንናይ ዓፅሚ ስብራት መእሰሪ ዝኸውን [ጀሶ]፣ ጓንት ከምኡ'ውን ንሕክምና መጥባሕቲ ዘገልግሉን ንፊዝዮቴራፒ ዝሕግዙን ናውቲ ኣትዮም ኣለዉ" ኢሉ።

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ብቐዋምነት ተፃብኦ ደው ንምባልን ኣብ ወተሃደራዊ ጉዳያን ድሕሪ ምስምመዖም፡ ትካላት ረድኤት፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝኣተወ እንትገልፁ ንፈለማ እዋን እዩ።

07 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ሓደ ላዕለዋይ በዓልስልጣን ኣሜሪካ፡ ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ እንተድኣ ዘይተውፅእ ኰይና ኣብ ልዕሊኣ ማዕቀብ ክግበር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እዚ ብስም ዘይተጠቕሰ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ዕለተ ሰሉስ 06 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዝተገበረ ኣኼባ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሰራዊት ኤርትራ ብተወሳኺ ሓይልታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ትግራይ ከም ዝርከቡ ገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን’ውን ዝተሰማምዕሉ ውዕል ሰላም’ውን እዞም ሓይልታት ካብ ትግራይ ንክወፅኡ ዝጠልብ’ዩ ኢሉ።

እዚ ስምምዕ ሰላም ክኽበርን ተግባራዊ ክኸውንን ከምኡ’ውን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈፀሙ ተሓተትቲ ክኾኑ፡ “ማዕቀብ ንምግባር ኣይንወላወልን” ክብል ገሊጹ።

11 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ህወሓት፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሞ ንዘሎ ግፍዒ ደው ከብልን ካብ ትግራይ ንክወፅእን ፀዊዑ።

ህወሓት ነዚ መግለፂ፡ ዕለተ ቀዳም 10 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ዘውፅኦ ኰይኑ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተቖፂሩ ዘይውዳእ ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፁ። ሰብመዚ ኤርትራን ነቲ ክስታት ክነጽግዎ ጸኒሖም'ዮም።

ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተሪር ስጉምቲ ክወስዱ ፀዊዑ።

12 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተገበረ ስምምዕ ንትግራይ ወኪሎም ካብ መንጎ ዝተደራደሩ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤን ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳን ናብ መቐለ ድሕሪ ምምላሶም፡ ዕለተ ሰንበት 11 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ቀሪቦም ወግዓዊ መግለፂ ሂቦም።

ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ፡ እቲ ድርድር ንልሙድ ዓለምለኸ ረቛሒ ድርድር ሰላም ዝሰሓተ ከምዝነበረ ብምግላፅ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ብምቁፅፃር ውፅኢት እቲ ድርድር ንምቕያር ዘይተዓወተ ፃዕሪ ከምዝገበረ ሓቢሩ።

እቶም ተደራደርቲ፡ ብፅኑዕ ዓቕሚ ምክልኻል ሓይልታት ትግራይን ፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለምን ከም ዝኾነ እቲ ጀናራል ገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ዋላ’ኳ ኩሎም ድሌታቶም እንተዘይተማልኡ፡ “መሰረታዊ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ንዕላምኦም ምዕዋት” ከምዝኸኣሉ ተዛሪቡ።

14 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ስምምዕ ሰላም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ከም ዝተዘራረበ ገሊፁ።

ብዛዕባ እዚ ዝርርብ ካብ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኰነ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተብሃለ ነገር የለን።

ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኩሎም ሓይልታት ወፃኢ ካብ ትግራይ ክወፅኡ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ’ውን ምስዚ ብሓደ ክፍፀም፤ ዝተበፅሐ ስምምዕ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ክኸውንን ኣገንዚቡ።

14 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ዋና ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ትግራይን፡ ሓይልታት ትግራይ ይዋግእሎም ካብ ዝነበሩ ከባብታት ናይ ምውፃእ ከይዲ ከምዝጅመር ገሊፁ።

ብዛዕባ እቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንሓይልታት ትግራይ ናይ ምርዳእ ስራሕቲ ይዛዘሙ ከምዘለዉ ብምግላፅ፡ ሓይልታት ትግራይ ሕዚ ካብ ዝተቖፃፀርዎ ከባብታት ምውፃእ ከምዝጅምሩ ሓቢሩ።

“ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ’ዩ፤ ካብዚ ንደሓር ‘ዲስኢንጌጅ’ ምግባር፣ እቲ ሰራዊት ተጓዒዙ ናብ ትኽክለኛ ቦታ ክኣቱ ናይ ምግባር ስራሕቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ክጅመር’ዩ” ኢሉ።

ጀነራል ታደሰ፡ “እቲ ሓደ ርኡይ ለውጢ ልውውጥ ተኹሲ ደው ምባሉ እዩ። በዚ ድማ እቲ ህዝቢ ሕጉስ’ዩ . . . እቲ ሰራዊት ሕጉስ እዩ። ክታኾስ ዝፀንሐ ሰራዊት ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ብኣካል ተራኺቡ ሓሳብ ዝለዋወጠሉ ኩነታት ተፈጢሩ እዩ” ክብል ተዛሪቡ።

15 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ እቲ ኵናት ምስ ተወልዐ ናብ ትግራይ ተቛሪፁ ዝነበረ በረራ ኣየር ንምጅማር ዘኽእሎ ሙሉእ ምድላዋቱ ከምዝዛዘመ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ኣይተ ለማ ያደቻ፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣገልግሎት በረራታት ንግዲ እቲ መገዲ ኣየር ንምጅማር ሙሉእ ምድላዋቱ ከምዘጻፈፈ ተዛሪቡ።

እቲ ሓላፊ፡ እቲ መገዲ ኣየር ኣብ ትግራይ ዝሰርሐሉ “ኩነታት እናተስተኻኸለ ምምፅኡ” ብምሕባር፡ በረራታት ንምጅማር ካብ ኣካላት ፀጥታን ሲቪል ኣቪየሽንን ናይ መወዳእታ ፍቓድ ይፅበ ኣሎ ኢሉ።

15 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ልኡኽ ጉጅለ ሓሙስ 15 ሕዳር 15 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብ ርእሰከተማ ትግራይ መቐለ ብምብፃሕ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቡ።

መራሒ ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ መቐለ ኣሉላ ኣባነጋ ተረኺቡ ነቲ ልኡኽ ጉጅለ ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኩም ኣቀባብላ ገይርሉ’ዩ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦባሳንጆ፡ ዝኾነ ሰብ “ሓይልታት ወፃኢ ኣብዛ ሃገር ምህላዎም ክቕበል የብሉን” ኢሉ። 

ኣብቲ ስምምዕ ብወገን ትግራይ ካብ መንጎ ዝተደራደሩ ኣምባሳደር ወንድሙ ኣሳምነው ኣብቲ ዕለት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕላማ እቲ ምብፃሕ ፍሉይ ልኡኽ ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈፃፅማ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝርከብ ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ገሊፁ።

እቲ ምብፃሕ ንቡር ኣካይዳ ሸምገልቲ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኣምባሳደር ወንድሙ “ከም ሸምገልቲ ናይቲ ውዕል ኣፈጻጽማ ስታተስ ከመይ እዩ? እንታይ ፀገም ኣሎ? እንታይ ክንሕግዘኩም ንምባል እዩ” ኢሉ።

እቶም ሸምገልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወከልቲ ፌደራል መንግስቲ’ውን ከምዝተዘራረቡ ወሲኹ ሓቢሩ።

ኣብዚ ስምምዕ ቀንዲ ፀገም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ይፍፅሞ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ግፍዕን ምዃኑ ነቲ ልኡኽ ጉጅለ ኣረዲእና ኢና ድማ ኢሉ። 

21 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ኣብ ትግራይ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቛሪፆም ዝፀንሑ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ንምጅማር ስራሕቲ ፅገና ይዓምም ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ቺፍ ኮምዩኒኬሽን ኦፊሰር ኣይተ መሳይ ውብሸት፡ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል እቲ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ንምጅማር ይረባረቡ እዮም ዘለዉ ክብል ተዛሪቡ።

“ንትሕተ ቅርፂ መርበባት መሊስካ ምህናፅን ኣገልግሎታት ዳግም ከም ዝጅምሩ ምግባርን ምርብራብ ይግበር ኣሎ። ጕጅለታትና ኣብ ስራሕ እዮም ዘለዉ። እቲ ኔትዎርክ ግና ብዝተፈላለዩ ነገራት ስለዝድረኽ፡ ክፅገኑ ዘለዎም ነገራት ከምኡ ድማ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብዝምልከት ክስርሑ ዝግባኦም ነገራት'ኳ እንተሃለዉ፡ ብዘሎ ኣማራፂ ነቲ ኣገልግሎት መሊስና ንምጅማር ኣብ ፃዕሪ ኢና ንርከብ። ኣብዚ እዋን ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኢና ንሰርሕ ዘለና። ኣብ ካልኦት እውን ሰፋሕቲ ስርሓት ይስርሑ እዮም ዘለዉ” ኢሉ።

ብዛዕባ እቶም ዝስርሑ ዘለዉ ዕማማት ብዝምልከት ኣብ ቀረባ እዋን ብዝርዝር ከምዘፍልጡ ዝተዛረበ ኣቶ መሳይ፡ ዝሐሸ ኣገልግሎት ንምሃብ ብዝብል፡ ምዝርጋሕ ፋይበር ኣብ ዝጠልቡ ስርሓት ኣድሂቦም ይሰርሑ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

 22 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ

ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንከውፅእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ቴክኒክን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ካብ 22 ሕዳር 2015 ኣቆፃፅራ ግእዝ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ የካይድ ምህላዉ ቤት-ፅሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

ቀንዲ ዛዕባ እቲ ኣኼባ፡ "ምፍታሕ ዕጥቅን ምስኡ ዝዛመዱ ዛዕባታት" ዝርዝር ኣፈፃፅማ መደባት ንምቕማጥ ከምዝዀነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ "ዝርዝር ውጥን ኣፈፃፅማ ምፍታሕ ዕጥቂ 22 ሕዳር ክቐርብ ይግባኦ" ከም ዝነበረ ጠቒሱ'ሎ። እንተዀነ፡ እቲ ሓባራዊ ኮሚቴ ኣብ ዝመፅእ ሒደት መዓልታት ዕማሙ ዛዚሙ ነቲ ውጥን ከምዘዳሉ እቲ መግለፂ የመልክት።