ወዲ 14 ዓመት ዝቐተለ ቫይረስ 'ኒፓህ' ሻቕሎት ፈጢሩ

ኣብ ህንዲ ግዝኣት ኬራላ፡ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ ኒፓህ ብዝተባህለ ቫይረስ ድሕሪ ምማቱ ሰብመዚ ጥዕና መጠንቀቕታ ኣውጺኦም።

ካልኦት 60 ሰባት እውን ኣብቲ ልዑል ሓደጋ ዘለዎ ምድብ እቲ ሕማም ምህላዎም ከምዝተለለዩ ሚኒስተሪ ጥዕና እታ ግዝኣት ኣፍሊጡ።

ሚኒስተር ጥዕና ግዝኣት ኬራላ ዝዀነት ቪና ጆርጅ፡ እቲ ቈልዓ ካብ ከተማ ፓንዲካድ ምዃኑን ምስኡ ርክባት ዝነበሮም ሰባት ተነጺሎም መርመራ ከምዝተገብረሎምን ገሊጻ።

ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ከምኡ’ውን ኣብ ሆስፒታል ንዝርከቡ ሰባት ካብ ምብጻሕ ክቝጠቡን ካልኦት ጥንቃቐታት ክገብሩን ተሓቲቶም ኣለዉ።

ረኽሲ ቫይረስ ኒፓህ ካብ ከም ሓሰማታትን ዑፍ ለይትን ዝኣመሰሉ እንስሳት ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሕማም ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር።

ብዝተበከለ መግቢን ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ብምትንኻፍን እውን ክመሓላለፍ ይኽእል።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ እቲ ቫይረስ ለበዳ ከበግስ ልዑል ተኽእሎ ስለዘለዎ ዝለዓለ ቆላሕታ ዝወሃቦ ረኽሲ ምዃኑ ይገልጾ።

እቲ ቫይረስ ኣብ ግዝኣት ኬራላ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ 2018 ካብ ዝተራእየሉ እዋን ኣትሒዙ ምስ ሞት ዓሰርተታት ሰባት ዝተኣሳሰር ምዃኑ ይፍለጥ።

ማዕከናት ዜና ህንዲ፡ እቲ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዘ ካብ ዝረጋገጽ ሓደ መዓልቲ ጥራይ ጸኒሑ ሰንበት ከምዝሞተ ሓቢረን።

ገለ ክፋላት ግዝኣት ኬራላ ብደረጃ ዓለም በቲ ቫይረስ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ከምዝዀነ ይንገር።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሮይተርስ ዝተዘርግሐ መርመራዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ኣብታ ትሮፒካዊት ግዝኣት ዝረአ ቅልጡፍ ምስፍሕፋሕ ከተማነትን ብርሰት ኣግራብን "ከም ኒፓህ ዝኣመሰሉ ቫይረሳት ንኽቅልቀሉ ምቹእ ኵነታት" ፈጢሩ’ሎ።

እንስሳት ዘገዳም መንበሪታቶም ይዓንዉ ብምህላዎም ምስ ደቂ ሰባት ብቐረባ ክነብሩ ዝተገደዱ ኰይኖም እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ክመሓላለፍ ከምዝሕግዝ ክኢላታት ይገልጹ።

ምምሕዳር እታ ግዝኣት ኣብ ቀረባ እዋን ለበዳ ኒፓህ ንምክልኻል ውጥን ስራሕ የዳልው ምህላዉ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሰብመዚ ግዝኣት ኬራላ ሓሙሽተ ሰባት ብቫይረስ ኒፓህ ከም ዝተትሓዙ ድሕሪ ምርግጋጾም ኣብያተ ትምህርትን ኣብያተ ጽሕፈታትን ዓጽዮም ነይሮም።