ፕረዚደንታዊ መረጻ ቱርኪ፡ ተወዳደርቲ እኹል ድምጺ ብዘይምርካቦም ንካልኣይ ዙር ተሰጋጊሩ

ፕረዚደንታዊ መረጻ ቱርኪ ንካልኣይ ዙር ክካየድ ምዃኑ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምርጫ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ድሮ ዝተወድአ መረጻ፡ ፕረደዚንት ራሰፕ ጣይብ ኤርዶጋን 49.51 ድምጺ ብምርካብ’ኳ እንተመርሐ፡ ብውሕዱ 50 ሚእታዊት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ’ዩ እቲ ምርጫ ኣብ ዝመጽእ 28 ግንቦት ክድገም ተወሲኑ ዘሎ።

ቀንዲ ተቐናቐኒኡ ዝኾነ ከማል ኪሊክዳርጎሉ ድማ 44̇.88 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ’ሎ።

ክልቲኦም ሕጹያት ክዕወቱ ዘኽእሎም ህዝባዊ ድምጺ ከም ዝረኸቡ’ኳ እንተገለጹ፡ እቲ ርኡይ ኵነታት ግን ተዓዋቲ ንምውሳን ካልኣይ ዙር መረጻ ክካየድ ክካየድ'ዩ።

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ መረጻ ቱርኪ ከም ዝገለጾ፡ ኤርዶጋን 49.49 ሚእታዊት ድምጺ ክረክብ እንከሎ፡ መወዳድርቱ ከማል ኪሊችዳሮግሉ ድማ 44.79 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ ኣሎ።

እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኹ፡ ዳርጋ ኵሉ ድምጺ ከም ዝተቘጸረ’ውን ሓቢሩ።

ኤርዶጋን፡ ካብቲ ቅድሚ መረጻ ኣብ ዝተኻየደ ኣመላኻቲ መረጻ ኣዝዩ ዝሓሸ ውጽኢት ረኺቡ’ሎ።

እቲ ኣመላኻቲ መረጻ፡ መወዳድርቱ ኪሊችዳሮግሉ ክዕወት ከም ዝኽእል ኣመላኺቱ ነይሩ።

ይዅን’ምበር ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እቲ እስላማዊ መሰረት ዘለዎ ልፍንቲ ኤርዶጋን መሪሕነቱ ዓቂቡ ይርከብ።

ን20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን፡ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሰልፉ ቀሪቡ ኣድላዪ እንተዀይኑ ንኻልኣይ ዙር መረጻ ድሉው ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ንተወሳኺ ሓሙሽተ ዓመታት ክመርሕ ዘኽእሎ ድምጺ ከም ዝረኸበ ዘለዎ እምነት ገሊጹ ነይሩ።

ኪሊችዳሮግሉ ብወገኑ፡ ኤርዶጋን ቀጻሊ ደገፍን ተቐባልነት ህዝቢ ከም ዘይረኸበ ብምግላጽ፡ ኣብ ካልኣይ ዙር መረጻ ከም ዝዕወት ቃል ኣትዩ።

"ህዝብና ካልኣይ ዙር መረጻ እንተይሉ፡ ኣብ ካልኣይ ዙር ብርግጽ ክንዕወት ኢና" ኢሉ።

እዚ መረጻ፡ ልዑል ናህሪ ዋጋታትን ኣዕናዊ ምንቅጥቃጥ ምድርን ስዒቡ’ዩ ዝካየድ ዘሎ።

ኤርዶጋን፡ ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ዝፈሽል ንደሓር ስልጣኑ ኣናዊሑ'ዩ።

ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት እታ ሃገር'ውን፡ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ንኸብቅዕ ንኣዋርሕ ጐስጓስ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።

ምዕራባውያን ሃገራት፡ ነቲ መረጻ ብቐረባ ይከታተላ ከም ዘለዋ ይፍለጥ፤ ምኽንያቱ ተቐናቓኒ ኤርዶጋን ዝዀነ ከማል ኪሊችዳሮግሉ፡ ዲሞክራሲ ቱርኪ ናብ ንቡር ክመልስን እታ ሃገር ምስ መሻርኽቲ ኣባላት ኔቶ ዘለዋ ዝምድና ዳግማይ ከመሓይሽን ቃል ኣትዩ’ዩ።

ብኻልእ ሸነኽ እስላማዊ መሰረት ዘለዎ መንግስቲ ኤርዶጋን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንዕኡ ንምውዳቕ ውዲት ከም ዝኣለማ ከሲሱ ኣሎ።

ቅድሚ ሕጂ ምምሕዳር ቱርኪ "ድሌት ሕጊ ክጥሕስ" ይፍትን ኣሎ ክብሉ ከሲሶም ነይሮም።

ኣብቲ ሰልፊ ሓደስቲ ድምጽታት እናዀኑ ዝመጽኡ ዘለዉ ከንቲባታት ኢስታንቡልን ኣንካራን ከም ዝበልዎ፡ ምምሕዳር ኤርዶጋን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተመሳሳሊ ኣገባብ ይጥቀም ነይሩ።