ኤርትራ፡ ዛንታ ደገዝማት ሓረጐት ኣባይን ከተማ ኣስመራን

ደገዝማት ሓረጐት ኣባይ፡ ስሞም ምስ ከተማ ኣስመራ ተኣሳሲሩ፡ ብኣበርክቶኦም፡ ኣብታ ከተማ ብዘንበርዎ ሓድግታትን ብሓፈሻኡ ንምዕባለኣ፡ ጽባቐኣን ጽሬታን ብዘመዝገብዎ ምርኡይ ኣስተዋጽኦ ብብዙሓት ዝዝከሩ፡ ክኢላ ከንቲባ ኣስመራ ዝነበሩ እዮም።

ኣብ እዋን ከንቲባነት ደገዝማት ሓረጐት ኣባይ፡ እቲ ብዘመን ጥልያን ዝተኣታትወ ምዕባለ ኣስመራ፡ ከም ዝነበሮ ቀጺሉ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብ ብዙሕ መዳያቱ ዝያዳ ከም ዝደንፍዐ ብዙሓት ይምስክሩ።

ኣብቲ ግዜ፡ ብሰንኪ'ቲ ናብ ኢትዮጵያ ዝግዓዘን ዝግዕዝ ዝነበረን ፋብሪካታት፣ ብመልክዕ ቀረጽ ንኢትዮጵያ ዝሰግር ዝነበረ ገንዘብ፡ ከምኡ'ውን ናብ ኢትዮጵያ ዝስደዱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ሞያውያንን ምሁራትን ኣብ ኤርትራ ብሓፈሻ ኣብ ኣስመራ ኸኣ ብፍላይ ሞያውን ምጣነ ሃብታውን ሕጽረታት ርኡይ ሃጓፋት ፈጢሩ እዩ።

እዚ ይዅን ግን ሓረጐት ኣባይ፡ በቲ ዝተረፈ ሃብትን ዓቕምን ቍጠባን ጽርየትን ከተማ ኣስመራ ክሳብ ሎሚ ብዝዝከር መልክዑ ክኸይድ ብምግባሮም ዘይርሳዕ ሓድጊ ኣትሪፎም እዮም። ኣብ ርእሲኡ፡ ሰብ በብዓቕሙን ክእለቱን ወፊሩ ንገዝኡ ዝኣትወሉ ኵነታት ከም ዘማዕበሉ ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ሰባት ይምስክሩ።

እቶም በቲ እዋን'ቲ ዝዓበዩ ሰባት፡ ንናይ ደገዝማት ሓረጐት ኣስመራ ክገልጹ እንከለዉ፡ ምስ ናይ ሎሚ፡ ብዙሕ ዝመዳያቱ 'ዋሕዲ' እትሳቐ ዘላ ኣስመራ ብምንጽጻር ዘስፍርዎ ስእሊ ኣሎ።

ኣስመራ ሎሚ፡ ብዋሕዲ ዝስተ ማይ፡ ዋሕዲ ኤሌክትሪክ፡ ዋሕዲ ነዳዲ፡ ዋሕዲ ክንክንን ጽገናን፡ [ጽርግያታት፡ ህንጻታት፡ ኣገልግሎታት]፡ ዋሕዲ ጽርየት፡ ዋሕዲ ስራሕ፡ ዋሕዲ ናጻ-ዋኒን፡ ናህሪ ዋጋታት፡ ምሒር ቍጽጽር መንግስትን ቢሮክራስን ... ወዘተ. ከም ዝተዳኸመት ይገልጹ።

ብዘመን ሓረጐት ኣባይ ዝነበሩ ሰባት፡ ብዛዕባ'ታ ዝዓበዩላ ኣስመራ ከዕልሉ እንከለዉ ግን፡ ሽዑ ዝነበረ ውቃበ 'ታ ከተማ ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ዝነበረ ምሕደራ ከተማ፡ ሽዑ ዝነበራ ዋንነት ደቀባት ይዅና ወጻእተኛታት ኩባንያታት፡ ፋብሪካታት፡ ዕድላት ስራሕ፡ ብፖሊሲ ለይሰ-ፈር (laissez-fair ሓናቒ ጣልቃ ኢድ መንግስቲ ዘይብሉ) ይካየድ ከም ዝነበረ ይዛረቡ።

ብዘይክኡ፡ ሰራሕተኛታት ጉልበት [ረፋዕ]፡ ሚነዋለ፡ ሸቃጦ ቀንጠመንጢ፡ ኣበየ ኵርናዕ ዝነበሩ ዕሙራት ድኳናት፡ ኣብያተ ሕብስቲ፡ ዝተፈላለየ ብሕታዊ ንግዳዊ ትካላት፡ ካብ ከባቢ ንከተማ ዝኣትዉ ዝነበሩ ሸቃጦ ኣሕምልቲ፡ ፍረታትን ጤለ በጊዕን ወዘተ፡ ንኣስመራ የዐምርዋን ህይወት ይመልሱላን ከም ዝነበሩ ይዝክሩ።

ኣስመራ ቀደምን ሎምን ...

ኣብዚ ዓንቀጽ ብሓረጉ ክትጥቀስ ዝመረጸት ናይ ቀደም ጓል ኣስመራ፡ ፍልልያት ቀደምን ሎምን ኣስመራ ሰማይን-ምድርን ምዃኑ ትገልጽ። ኣብቲ ብ60ታትን 70ታትን ዝተኣታተዉ ለውጥታት ኣብነት ብምቕራብ፡ ንኽልተኡ ገጻት ኣስመራ ተነጻጽሮ።

"እታ ናይ ቀደም ኣስመራ ክዝክር፡ ምስቲ እዋን ዝመጣጠን፡ ብዝሒ መካይን ጥራይ ዘይኰነ ብሽክለታ፡ ካሮሳ፡ ሞቶር-ብሽክለታ፡ ላምብሬታ (ቱክ-ቱክ ታክሲ)፡ ዓረብያ፡ ብዓቢኡ ኸኣ ጽርግያታት ብኣጋር ዕልቕልቕ ኢሎም፣ ሰባት ካብን ናብን ክወናጨፉ፡ ዋኒኖም ከካይድ ይዝከረኒ፡" ብምባል ተዘክሮኣ ትጅምር። "ሕጂ ግን ኣስመራ ንድሕሪት ተመሊሳ ጽምጽም ኢላ ተሪፋ፡" ብምባል ትገልጽ።

"ብዙሕ ሰብ ተሰዲዱ፡ እቲ ዝተሰደደ ኸኣ ናይ ምምላስ ሸውሃቱ ኣጥፊኡ፡ ናብራ-ግዳም መሪጹ ይነብር ኣሎ፡" ትብል።

ብተወሳኺ ሓረጉ፡ ኣብ ኣባሻውል፡ ገዛ-ብርሃኑ፡ ሰኒታ፡ ማይተመናይ፡ እምባጋልያኖ ዝተኣታተዉ ጽገናታት፡ ብሕልፊ ኸኣ ምስራሕ ሓደስቲ መንበሪ ኣባይቲ፡ ኣብ ኣስመራ ሓዲስ መንፈስ ፈጢሩ ከም ዝነበረ ትዝክር።

ዝተደልሙ (deprived) ከባቢታት ንኸርክቡ ዕዉታት ጻዕርታት ከም ዝተኻየዱ ኸኣ ትጠቅስ።

ንኣስመራ ማይ ዘስንቑ ዝነበሩ ሓጽብታት፡ ብግዜ ከንቲባነት ሓረጐት'ዮም ተጸሪጐም፡ ተጸጊኖምን ተሰሪሖምን፤ ምስፋሕ ማይ-ስርዋ፣ ምዅዓት ማይ-ነፍሒ ተኻይዶም።

እቲ ብማእከል ኣስመራ ሰንጢቝ ዝሓልፍ ዝነበረ ማይበላ ዝተኸድነሉ እዋን ብምዝካር፡ ሓረጉ እቲ ዝዓበየ ኣስተዋጽኦ ከንቲባ ሓረጐት ከይኰነ ኣይተርፍን ትብል።

ማይበላ ብዕዳጋ ሓሙስ ኣቢሉ፡ ብጋራዥ ሰታዮ (እንዳ ኣውቶቡስ) ረጊጹ፡ ብቪላጅዮ-ጀንዮ ኣቢሉ ዝውሕዝ ዝነበረ፡ ብጨና ዘየቕርብን ኣየር ዝብክልን ዝነበረ ዓቢ መትረብ ረሳሕ ፈሳሲ እዩ።

"ማይበላ ምስ ተኸድነ፡ ኣብ ኣስመራ ዝሰፈነ እፎይታ ቀሊል ኣይነበረን" ብምባል ብዙሓት ዕባይ ኣስመራ ነቲ እዋን ብኣድናቘት ይዝክርዎ።

ተዘክሮኣ ብምውሳኽ ሓረጉ፡ "ኣብ ቅድሚ ገዛና ዝነበረ ናይ ሓመድ ጽርግያ እዝከረኒ፣ ኣውቶቡስ ሰታየ በቲ መንገዲ ክሓልፋ ደሮና ኣልዒለን ክኸድናና ኣጸቢቐ እዝክሮ። ከንቲባ ሓረጐት ነቲ ጽርግያ፡ ከምኡ'ውን ንኻልኦት ብዙሓት ጽርግያታት ኣስመራ ብቕጥራን ክልበጥ ምስ ገበሩ ቀሰንንና" ክትብል ተዛክሮኣ ትዛረብ።

ጽርግያ ጥራይ ዘይኰነ ንመገዲ-ኣጋር ዝኸውን ብተነጻፊ-ማቶኔላ ዝተሰርሐ ማርሻፔዲ'ውን፡ ሓደ ካብቲ ተዘካሪ ጽባቐ ከተማ ኣስመራ እዩ። ጽርግያን ማርሻፔድን ምስራሕ: ምኽዳን ማይበላን ብርኡይ ንመልክዕ ኣስመራ ዝቐየረ ስርሓት እዩ።

"ዘመን ከንቲባ ሓረጐት፡ ጽርየት ከተማ ኣስመራ ሕሉፍ ሓሊፉዎስ ምኒቺፕዮ ጓሓፍ ኣብ ግዳም ዝደርበየን ረሳሕ ማይ ኣብ ኣፍደገኡ ዝኸዓወን ብሕጊ ዝቐጽዑሉ እዋን እዩ ዝነበረ፡" ብምባል ሓረጉ፡ ተራ ምኒቺፕዮ ኣብ ጽባቐ 'ታ ከተማ ዝነበሮ ኣስተዋጽኦ ትዝክር።

እቶም ብምኒቺፕዮ ዝፍለጡ ወተሃደራት ከተማ፡ ንጽርየት ስትረትን ከተማ ጥራይ ዘይኰነ ኣብያተ ንግዲ፡ ድኳናት፡ ኣብያተ መስተን መግብን ዝምልከተን ሕግታትን መምርሒታትን ብምክትታል፣ ንዘይሕጋውያን ናይ ጽርግያ ነጋዶ'ውን ይቈጻጸሩ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣብዚ እዋን ግን እቲ ጽርየት ጐደናታት ከም ቀደም ከም ዘይኰነ ብዙሓት ንኽልቲኡ እዋናት ብመንጽር ጽርየት'ውን ይጥምትዎ።

ኣብ ኣስመራ ብብዝሒ መንበሪ ኣባይቲ ዝተሰርሓሉ እዋን ብዘመን ከንቲባ ሓረጐት እዩ ዝነበረ።

ቍጠባዊ ምንቅስቓስ ከተማ፡ ሓደ ማእከላይ ደርቢ ስለ ዝፈጠረ፡ ቤት ማዘጋጃ ኸኣ ፍቓድን ሊቸንሳን መሬትን ይዕድል ስለ ዝነበረ፡ ሰብ-ንግዲ፡ ሰራሕተኛታት ትካላት ብሕቲ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ካብ ባንክ ተለቂሖም ይዅን ብዘጣረቐምዎ ገንዘብ፡ ንመንበሪኦም ኣባይቲ ከስርሑ ዝተተባብዑሉን ዝጀመሩሉን እዋን ነበረ።

ኣብቲ እዋን ከኣ በቲ ናይቲ ግዜ መለክዒ ጥራይ ዘይኰነ፡ ክሳብ ሎሚ ማዕሪጐምን ዘመናውነቶም ዘይሃሰሰ ኣመና ግሩማት ቪላታት ከም ዝተሰርሑ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ፡ ስታድዮም ንግስተ ሳባ [ናይ ሎሚ ስታድዮም ኣስመራ]፡ ኤክስፖ፡ መዕቈብ ዘኽታማትን ድኻታትን ... ወዘተ. ብኸንቲባ ሓረጐት ኣብ ኣስመራ ካብ ዝተሰርሑ ህዝባዊ ትካላት እዮም።

"እቲ ዝዓበየ ብልጫ ከንቲባ ሓረጐት" ትብል ሓረጉ፡ "ምስቶም ሽዑ ኣብ ኣስመራ ዝነበሩ ኢጣልያውያን፡ የመናውያን፡ ክኢላታት፡ ምሁራን፡ ሰብ ርእሰ-ማል፡ ኣካየድቲ መሳጊድን ኣብያተ-ክርስትያናትን፡ ምስ ኵሉ፡ ሓቢሮምን መኺሮምን ክሰርሑ ዝኽእሉ ወረጃ ኣካይዲ ምንባሮም እዩ፣ ዉጽኢቱ ድማ ሽዑ ብግብሪ ተራእዩ፣ ሓድጊታቱ'ውን ክሳብ ሎሚ ይነብር ኣሎ" ብምባል ትገልፆ።

ድሕረ-ባይታ ሓረጐት ኣባይ

ሓረጐት ኣባይ፡ ብ7 ግንበት 1909 ኣብ ኣስመራ ካብ ኣቦኦም ባሕሪ ነጋሲ ኣባይ ሃብተጽዮንን ኣደኦም ወ/ሮ ሊያ መስመርን ካብ ገዛ ኣስማ ወይከኣ ሃዳሙ - ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ እንዳታት ኣርባዕተ-ኣስመራ - ተወልዱ። መዓልቲ ሞቶም ከኣ፡ ኣብ ገለኡን መጻሕፍቲ 1974፡ ኣብ ገለ ኸኣ 1979 ተመዝጊቡ ይርከብ።

ከንቲባ ሓረጐት፡ ደርግ ናብ ስልጣን ምስደየበ (1974) ተኣሲሮም ንኣዲስ ኣበባ ስለ ዝተወስዱ፡ ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ኣቦይ ሓረጐት ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እንከለዉ ኣቦኦም ስለ ዝሞቱዎም፡ ንመንደፈራ ንኽምሃሩ ተላእኩ። ንደቀባት ዝወሃብ ዝነበረ ትምህርቲ (ክሳብ 4ይ ክፍሊ) ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳን-ጆርጆ ኣጠናቐቝ።

ብድሕሪኡ፡ ጣልያንኛ ብግቡእ ምዝራብን ምጽሓፍን ስለ ዝመለኹ፡ ኣብ ዓሰርተ-ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ምስ ምሕደራ ጣልያን ከም ተለኣኣኺ/ጸሓፋይ ኰይኖም ኣብ ኣስመራ መዓስከር ኮማንዶ-ትሩፐ ክሰርሑ ጀመሩ።

ኣይሓመቁን፣ ብመሳልል-ስራሕ ቀልጢፎም ንላዕሊ ብምድያብ ኣብ ታሕተዋይ ቤት-ፍርዲ ከም ፈራዳይ ኰይኖም ተመዘዙ።

ኣብኡ ድማ ክሳብ እንግሊዝ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ሰርሑ። ብድሕሪኡ፡ ናቶም እንዳ ጠሓኒት እኽሊ ከፊቶም ኣብ ንግዲ-ዓለም ኣተዉ። ንግዶም ምስ ጠጥዐ ኸኣ ምስ ኣዝማች ክንፉ ኪዳነ ዝበሃሉ ኣኽሱመታይ ነጋዳይ ሓቢሮም፡ ነቲ ብ1938 ብጣልያን ዝተመስረተ እንዳ ኣውቶቡስ-ከተማ፡ ብ1951 ዓዲጐም ከካይድዎ ከኣሉ።

ቅድሚ እንዳ-ኣውቶቡስ ምክያድ ምጅማሮም፡ ምስ ቤተ-ክርስትያን እንዳ ማርያም ተኣሳሲሮም ከም 'ገበዝ' ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። እንዳ ማርያም፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ካተድራለ ብ1938 እዩ ተሃኒጹ። ኣቦይ ሓረጐት ኣብ ቤተክርስትያን እንዳ-ማርያም ክሳብ ሎሚ ዝዝከሩሉ ታሪኽ ገዲፎም'ዮም።

ብግዜ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ዝነበረ ፖለቲካ

እንግሊዝ ኣብ ኤርትራ ምስ ኣተወ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ኣማዕበሉ። ርእይቶኦም ብዘየገድስ፡ መብዛሕትኦም ንኤርትራ ዝሓሸ መጻኢ ንኽህልዋ በብመገዶም ጽዒሮም'ዮም። ይዅን'ምበር፡ ኣብ መስርሕ ኣብ ርእይቶን ስነ-ሓሳብን ይፈላለዩ ነይሮም።

ፖለቲካ ኤርትራ መገዱ ክሕዝ ዝጸዓረ ኣካል፡ እቲ ብ 5 ግንበት 1941 ኣብ ኣስመራ ዝተተኽለ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ነበረ። እቲ ማሕበር ቀንዲ መራሕቱ በዓል ገብረመስቀል ወልዱ (ፕረሲደንት)፡ ዓብዱልቃድር ከቢረ (ምኽትል)፡ ኣብርሃ ተሰማ፡ ኢብራሂም ሱልጣን፡ መሓመድ ዑመር ቃዲ፡ ወልደኣብ ወልደማርያም ኰይኖም ሓረጐት ኣባይ ድማ ሓደ ካብቶም መስረትቲ ኣባላት ነበሩ።

ብእዋን ማሕበር ፍቕሪ ሃገር፡ ሓረጐት ኣባይ ምኽትል ፕረዚደንት ጨንፈር ኣስመራን ሓማሴንን ኰይኖም ኣገልገሉ።

ኣብ ዋዕላ ቤት-ጊዮርጊስ (22-23 ሕዳር 1946) ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ተገማምዐ፤ ገለኦም ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ክብሉ እንከለው፡ እቶም ካልኦት ድማ ድሌቶም ንናጽነት ኣረጋግጹ።

ሓረጐት ኣባይ ምስቶም ደለይቲ ሕብረት'ዩ ዝነበረ ጸግዖም። እቲ ኣብ ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ዝተወልዐ ምፍሕፋሕ ምስ ተፈጥረ። ተድላ ባይሩ ብ1947 ሰልፊ ሕብረት (ምስ ኢትዮጵያ) መስረቱ። ሰልፊ ሕብረት እቲ ውሽጣ-ውሽጢ ብሃጸይ ሃይለስላሰ ዝድገፍ ዝነበረ ሰልፊ'ዩ።

ማሕበር ሕብረት ጸብለል ምስ በለ፡ ብ1952 ንፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ደፍአ፣ ተዓወተ ኸኣ። እቲ ታሪኽ ሕልኽልኽ ዝበለ ዀይኑ ብጐንጺ፡ ቅንጸላን ሽበራን ተሰንዩ እዩ ሓሊፉ። እቲ ነዊሕ ታሪኽ ንምሕጻሩ፡ ማሕበር ሕብረት ዝገበረ ገይሩ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ተድላ ባይሩ ዋና ፈጻሚ በዓል ስልጣን ኰኑ።

መብዛሕትኦም ናይ ሽዑ ኣቦታት፡ ብፍላይ ክርስትያንን ደቂ ኸበሳን፡ ድልየቶም - ንሕጂ ብዘይ ገለ ትንተና፡ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ'ዩ ነይሩ፣ ከምኡ ኸኣ ሓረጐት ኣባይ።

ፈደረሽን ምስ ኣተወ፡ ኣቦይ ሓረጐት ንደቀተሽም ወኪሎም ኣባል ፓርላማ ኰይኖም ተመርጹ። ኣብ ብርክት ዝበሉ ስርሓት ከኣ ተመዲቦም ሰርሑ፣ ዳይረክተር ዉሽጣዊ ምሕደራ ሃገር፣ ተጸዋዒ ፍርዲ፣ ተጸዋዒ ቍጠባን ካልእን።

ደገዝማት ተድላ ባይሩ ካብ ስርሖም ምስ ተላቐቝ ኣቦይ ሓረጐት ድማ ተጸምዱ፣ ምኽንያቱ ምስቲ ንተድላ ባይሩ ዝተክኡ ፊተውራሪ ኣስፍሃ ወልደሚኪኤል ክሳነዩ ኣይከኣሉን።

ብድሕሪኡ፡ ኣቦይ ሓረጐት ካብ ፖለቲካ ዓለም ተኣልዮም ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም፣ ምምሕዳር እንዳ ኣውቶቡሶም ኣተው።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት ድማ ኤርትራ ብኢትዮጵያ ተዋሕጠት።

ብ1963፡ ዓመት ድሕሪ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ ኣቦይ ሓረጐት ስልጣን ደገዝማትነት ተዋሂቦም ከንቲባ ከተማ ኣስመራ ኰይኖም ተመዘዙ።

ከንቲባነት ሓረጐት ኣባይ (1963-1974)

ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ፡ ብዘመን ከንቲባነት ደገዝማት ሓረጐት፡ ምስቲ ዅሉ ዝነበረ ጸገማት፡ ኣስመራ ኣብ ብዙሕ ሸነካት ንቕድሚት ተወንጨፈት።

ህዝቢ ኸኣ ንከንቲባኡ ብዓውታ ከመስግን ተሰምዐ። እቲ ጣልያን ምስ ደቂባት ኮይኑ ዝሰርሖ ትካላትን ትሕተ ቅርጽን ምዕቃብ ጥራይ ዘይኰነ፡ ስርሓት ልምዓት ከተማ ብዕቱብ ተተሓሒዞም ኣደንፍዕዎ።

መብራህቲ ኣብ ዳርጋ ኵሉ ጐደናታት ኣስመራ ከም ዝዝርጋሕ ብምግባር፡ ንጥፈታት ቢምቦሪ (መጥፍእቲ ሓዊ) ክምዕብል ገበሩ፣ ንኣግራብን ኣታኽልትን ከተማ'ውን ጽባቐኡ ክሕሎን ስሩዕ ክንክን ከም ዝግበረሉ ብምግባር ... ወዘተ፡ ብዙሕ ሰብ ይዝክሮም።

ኣስመራ ኣብ ትሕቲ ከንቲባ ሓረጐት ትመሓደረሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃገር ከም ዝበጽሕዋ ኣብ ታሪኽ 'ታ ከተማ ተሰኒዱ'ሎ።

ካብቶም በጻሕቲ፡ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ፕረዚደንት ቲቶ፡ ንጉስ ኦላቭ ናይ ኖርወይ፡ ልእልቲ ሬዛ ፓህላቪ ናይ ኢራንን ካልኦትን ይርከብዎም። ብወገን ስፖርት'ውን፡ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቫረዘ ናይ ዓዲ ጣልያን ምስ ሕርይቲ ጋንታ ኤርትራ ዝተጋጠመትሉ እዋን ብዙሓት ደቂ ኣስመራ ይዝክርዎ።

በጻሕቲ ቱሪስት'ውን፡ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓረብ፡ ሱዳን፡ ዓዲ ጣልያን ከምኡ'ውን ኣሜርካውያን (ብዘይካ'ቶም ሓሙሽተ ሽሕ ዝዀኑ ኣብ ዝተፈላለየ መደበራት ዝነብሩ ዝነበሩ ወተሃደራት ኣሜሪካን ቤተ-ሰቦምን) ናብ ኣስመራ ውሒዞም እዮም።

ኣብቲ እዋን፡ ፖለቲካዊ ጸገማት እናዓበየ ይኸይድ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ይካየድ ነይሩ፣ ደርግ ብ1974 ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንዅሎም ኣብ ግዜ ሃጸይ ሃይለስላሰ ሰበ ስልጣናት ዝነበሩ ኣሰሮም። ደገዝማ ሓረጐት ከኣ ተኣስሩ፣ ኵሉ ንብረቶም'ውን ተሃገረ።

ኣብ ገለ-ገለ መጻሕፍቲ ተሰኒዱ ከም እንረኽቦ - ንኣብነት ኣብ ኢሳይክሎፒድያ ኢትዮጵያ - ኣቦይ ሓረጐት ብ1974 ንኣዲስ ኣበባ ተኣሲሮም ምስ ተወስዱ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝሞቱ ይንገር።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣዕጽምቲ ኣቦይ ሓረጐት ኣባይ ንኤርትራ ተመሊሱ፡ ኣብ መቓብር እንዳ-ማርያም ተቐብረ።