ኵናት ዩክረይን፡ ሩስያ ንዩክረይን ኣፅዋር ኵናት ንዝሕግዛ ሃገራት ምዕራብ ኣጠንቂቓ

ሩስያ ንዩክረይን ኣፅዋር ኵናት ይምውላ እየን ንዝበለተን ሃገራት ኣሜሪካን መሻርኽታን ብወግዒ ኣጠንቂቓ።

ሩስያ ኣብ ዋሽንግተን ብዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ንኣሜሪካ ዝለኣኸቶ በዓል ክልተ ገፅ ወግዓዊ መጠንቀቕታ፡ ኣሜሪካን ኔቶን ናብ ዩክረይን ይልእኽዎ ዘለዉ ኣፅዋር ኵናት፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ጎንፂ "ነዳዲ ምውሳኽ'ዩ" ኢላ።

እዚ ድማ ዘይግመት መዘዝ ከስዕብ ከምዝኽእል ኣጠንቂቓ።

ኣሜሪካ 800 ሚልዮን ዳላር ዘውፅእ ኣፅዋር ኵናት ናብ ዩክረይን ከም ትልእኽ ምፍላጣ ስዒቡ'ዩ፡ ሩስያ ነዚ መጠንቀቕታ ሂባ ዘላ።

እቲ ብፕረዝደንት ባይደን ዝፀደቐ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ ነዊሕ ርሕቐት ዝጓዓዝ ከም 'ሆውቲዘር' ዝበለ ኣፅዋር ይርከቦ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓልመዚ ኣሜሪካ፡ እዚ መጠንቀቕታ ሩስያ፡ ኣሜሪካን ኔቶን ንዩክረይን ዝህብዎ ዘለዉ ድጋፍ ውፅኢታዊ ምዃኑ ዘረጋግፅ'ዩ ኢሉ።

ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት ሰሙናት ኣብ ክልል ዶንባስ ዓብይ መጥቃዕቲ ንምፍፃም ኣብ ምብራቓዊ ዩክረይን ይሸባሸቡ ኣለዉ።

እዚ ኣሜሪካ ንዩክረይን እትህቦ ኣፅዋር ኵናት፡ ቀዳማይ ዙር፡ ኣብ ዝቕፅሉ ሒደት መዓልታት ናብ ዩክረይን ክበፅሕ ትፅቢት ይግበር።

ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርር ንነዘ፡ ኣሜሪካ፡ ንዩክረይን ልዕሊ 3 ቢልየን ዳላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ከምዝገበረት ይፍለጥ።

ብካልእ ወገን ኮር ፍሉይ ሓይሊ ብሪጣንያ፡ ኣብ ኪቭ ንዝርከቡ ወተሃደራት ዩክረይን የሰልጥኑ ከምዘለዉ ተገሊፁ።

ሰብመዚ ሰራዊት ዩክረይን ከምዝገለፅዎ፡ እቶም ኣሰልጠንቲ ወተሃደራት ዩክረይን ብኸመይ ፀረ ታንኪ ሚሳይል ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ከምዘሰልጠንዎም ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ ግና ነዚ ኣየረጋገፆን።

ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ብፍሉይ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበሮ ፃንሒት፡ ሩስያ፡ መጥቃዕቲ ኒኩለር ክትኸፍት ከምትኽእል ገሊፁ።

ዘለንስኪ፡ ሩስያ ንዩክረይን ካብ ትወርር ጀሚሩ፡ ኣስታት ሰለስተ ሽሕ ወተሃደራት ዩክረይን ከምዝሞቱን ኣስታት 10 ሽሕ ከምዝቖሰሉን'ውን ሓቢሩ።