ተመራመርቲ፡ ናይ ጓል 53 ዓመት ገፅ ከም ናይ ጓል 23 ዓመት ዘምስል ቴክኖሎጂ ምሂዞም

ተመራመርቲ ካምብሪጅ ዩኒቨርሲቲ ናይ ጓል 53 ዓመት ቈርበት ገፅ ከም ናይ ጓል 23 ዓመት ክመስል ዘኽእል ምህዞ ሰሪሖም።

እዞም ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እዚ ፀረ እርጋን ምህዞ ንካልኦት ኣካላት ሰብነት እውን ክውዕል ይኽእል።

ዕላማ እዚ መፅናዕቲ ከም ሸኮረያ፣ ሕማም ልቢን ፀገማት ነርቪን ዝኣመሰሉ ምስ ዕድመ ተተሓሒዞም ንዝመፁ ሕማማት ፍታሕ ምድላይ እዩ።

ዝኣረገ ቈርበት ናይ ጉርዞ/መንእሰይ ዘምስል እዚ ቴክኖሎጂ ቅድሚ 25 ዓመታት ዶሊ ትባሃል በጊዕ ዝፈጠረ መንእይ እዩ።

መራሒ ጉጅለ ናይቲ መፅናዕቲ ፕሮፌሰር ዎልፍ ሪክ ይበሃል።

ንሱ ንቢቢሲ ከምዝገለፆ፡ ሰባት ዋላ'ኳ ተአረጉ ሕማም ከይረኸቦም ጥዑያት ኮይኖም ክፀንሑ ዝሕግዝ እዩ።

"ብዛዕባ'ዚ እናሓለምና ኢና ነይርና። ብርክት ዝበሉ ሕማማት ምስ ዕድመ እናተጋደዱ እዮም ዝኸዱ፤ ስለዝኾነ ድማ ሰባት ካብ ምሽቓል ክገላገሉ ምግባር ዘሐጉስ እዩ።" ይብል።

ይኹን እምበር እቲ መፅናዕቲ ገና ኣብ ጅምር ከምዝርከብን ብዙሕ ስራሕ ከምዘድልዮን ፕሮፌሰር ዎልፍ ሪክ ይገልፅ።

እዚ ርኽበት ካብ ቤተ-ፈተነ ባን ክሊኒክ ቅድሚ ምኻዱ ብዙሕ ላዕሊን ታሕቲን ከምዝሓልፍ ትፅቢት ይግበር።

ኮይኑ ግና እቲ ፕሮፌሰር ናይ ቈርበት ዕድመ ቀኒሱ ምርኣይ ባዕሉ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ይኣምን።

እዚ ዝተጨማደደ ቈርበት ናይ መንእሰይ ዘምስል ርኽበት ከባቢ 1990 ይካየዱ ካብዝነበሩ መፅናዕትታት ዝተመዘዘ እዩ።

ሽዑ ኣብ ኤደንብራ ዝነበሩ ተመራመርቲ ዋህዮ ቈርበት ወሲዶም ናብ ዕሲ ቀይሮም ዶሊ ክብሉ ዝፀውዕዋ በጊዕ ፈጢሮም ነይሮም።

እቶም ተመራመርቲ ንወዲ ሰብ ዝኸውን ኢምብሮይክ ስቴም ዝተብሃለ ዋህዮ ምፍጣር እምበር በጊዕ ወይ ሰብ ምፍጣር ኣብ ሓሳቦም ኣይነበረን።

እዚ ዋህዮ ምቕያር ንዘድልዮም ኣካላት ሰብነት ዘገልግል እዩ።

ዶሊ ዝተፈጠረትሉ መገዲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተመሓየሸ መፂኡ።

ፕሮፌሰር ሪክ ዝመርሓ ጉጅለ 53 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ቈርበት ናይ 23 ዓመት ክመስል ምግባር ዝኸኣለ እቲ መወዳእታ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ እዩ።

"ፈለማ መፅናዕቲ ንገብረሉ ዝነበርና ቈርበት ብ30 ዓመታት መንእሰይ ከምዝኾነ ክሰምዕ ከለኹ ስተሰምዓኒ ሓጎስ ምቁፅፃር ኣብዩኒ ነይሩ።" ይብል እቲ ፕሮፌሰር።

እቲ ምህዞ ተግባራዊ ዘይኮነሉ ምኽንያት ኣብቲ ሕዚ ዘለዎ ደረጃ ኣብ ግልጋሎት እንተውዒሉ ብካንሰር ናይምትሓዝ ዕድል ስለዝውስኸ እዩ።

ኮይኑ ግና ቈርበት ኣማሓይሽካ ናይ መንእሰይ ምግባር ከምዝካኣል እንተተፈሊጡ ትሑት ጎናዊ ሳዕቤን ዘለዎ መገዲ ምድላይ ኣይኸብድን።

"ዕላማና ሰባት ዕድመኦም ክውስኽ ምግባር ኣይኮነን፤ ዝቐረየ ዕድመኦም ጥዑያት ኮይኖም ክነብሩ ምግባር እዩ። ሰባት ጥዑያት ኮይኖም ክኣርጉ ይኽእሉ እዮም።" ይብል ፕሮፌሰር ዎልፍ።

ካብዚ ሓሊፉ'ውን ሰባት ብሰንኪ ሓደጋ ቈርበቶም እንተተጎዲኡ እዚ ሓዱሽ ቴክኖሎጂ ተጠቒምካ ጥዑይ ቈርበት ክህልዎም ምግባር ይካኣል እዩ። ቀፃሊ መደብ ዝኸውን ከም ጭዋዳታት፣ ጉበትን ዋህዮ ደምን ኣብዝኣመሰሉ ኣካላት መፅናዕቲ ምክያድ እዩ።

ኣብዚ ጉዳይ መፅናዕቲ ዘካይዱ ሰባት እዚ ቴክኖሎጂ ናብ ዕዳጋ ቀሪቡ ንርእየሉ ግዘ ርሑቕ ኣይኮነን ይብሉ።

እዚ ምህዞ ኣካል ሰብነት ከይኣርግ ምግባር ወይድማ ዘየእርግ መድሓኒት ናብ ምፍጠር የምርሕ ይኾን'ዶ ዝብል ሕቶ ምላሽ ዝረኽበሉ ግዘ ሕዚ እዩ ይብል ፕሮፌሰር ዎልፍ ሪክ።