ኣብ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራትን ንሩባታት ዝብክሉ ዘለው መድሃኒታት

ካብ መድሃኒትን ምስ መድሃኒት ዝዛመዱ ፍርያትን ዝወጽኡ ተረፈ ምህርታት ኣብ ዓለምና ንዝርከቡ ሩባታት ይብክሉዎም ከም ዘለውን ስግኣት ከባብያውን ዓለማውን ጥዕና ከም ዝኾኑን ተገሊጹ።

እዚ መድሃኒታት ፓራሴታሞል፣ ኒኮቲን፣ ካፌን፣ ዘውድቕ ሕማምን ሕማም ሽኮርን ትኹረት ገይሩ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣብ ዓለም ዘስግእ ጸገም ምህላው ኣመልኪቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፓኪስታንን ቦሊቪያን ዝርከቡ ሩባታት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝተበከሉ ክግለጽ እንከሎ ከም ኣይስላንድ፣ ኖርወይን ጫካ ኣማዞንን ድማ ካብቶም ጽሩያት ዝተባህሉ'ዮም።

ሳዕቤን ካብቶም ካብ ዝተፈላለዩ ኢንዳስትሪታት መፍረ መድሃኒት ዝወጽኡ ንጥረ ነገራት ኣብ ሩባታት ግና ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን።

እንተኾነ ልዕሊ ኹሉ: እቲ ቀዲሙ ዝወጽእ በካሊ ንጥረ ነገር ኣብ ውሽጢ እቶም ሩባታት ኣብ ዝርከቡ ዓሳታት ዘሕድሮ ጸቕጢ ልዑል ምዃኑ ይእመን።

እዚ መጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ 100 ሃገራት ኣብ ዝርከቡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ወሓዝቲ ሩባታት ዝተኻየደ ኮይኑ ብጠቕላላ 258 ዝኾኑ ሩባታት ልዑል ተረፈ ምህርቲ መድሃኒት ተረኺቡዎም።

እዚ ኣብ ውሽጦም ንዝሕዙዎም ዓሳን ካልኦት እንስሳን ዓብዪ ሓደጋ እዩ።

"ኣብ ዓለምና ኣዝዩ ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂ ይጥቀሙ'ዮም ዝብሃሉ ኣፍረይቲ መድሃኒት ዝጥቀምሉ መጻረዪ ኩሎም ጎዳእቲ ንጥረ ነገራት ዘጥፍእ ኣይኮነን። እዞም ተረፈ ምህርትታት ድማ ተጻርዮም ተባሂሉ ናብ ማያዊ ኣካላት እዮም ዝኣትው" ይብል ኣተሓባባሪ እቲ መጽናዕቲ ዶክተር ጆን ዊልኪንሰን።

ኣብ ውሽጢ ኩሎም ሩባታት ብብዝሒ ዝርከቡ ድማ ካርባማዜፒን ዝተባህለ ንዘውድቕ ሕማምን ቓንዛ መትንን ዝውሰድ መድሃኒትን መድሃኒት ሕማም ሽኮር ንምሕካም ዝውዕል ሜትፎርሚን ዝተባህለ መድሃኒትን እዮም።

ብዘይካ'ዚ ኣብቶም ወሓይዝ ልዑል መጠን ካፌይንን ኒኮቲንን (ኣብ ቡንን ኣብ ሽጋራን ዝርከቡ ባእታታት) ከምኡ'ውን ቃንዛ ንምዕጋስ ዝውሰድ ፓራሴታሞል ከምእተረኽበ እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ ሕማም ዓሶ ንምሕካም ዝውዕል ኣርቲሚዚን ዝተባህለ ንጥረ ነገር ኣብ ብዙሓት ሩባታት ብልዑል መጠን ከም ዝርከብ ገሊጹ።

"እዚኦም እናወሰኹ እምበር እናነከዩ ኣይኸዱን። ሰባት ንዘጋጥሞም ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጸገማት መድሃኒት ምውሳድ ይውስኹ እምበር ጠጠው ኣየብሉን" ትብል ተሳታፊት እቲ መጽናዕቲ ዶክተር ቬሮኒካ ኤድመንድስ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝብሎ ኣብ ውሽጢ ሩባታታት ዝርከቡ ብዝሒ መድሃኒታት ኣንቲባዮቲክስ እንተኾይኖም ንመጻኢ መድሃኒት ምጽዋር ዝኽእሉ ባክቴሪያታት ክፍጠሩ ምኽንያት ከይኸውን ይስጋእ።

እቶም ብብዝሒ ተበኪሎም እዮም ዝብሃሉ ሩባታት ኣብ ምምዕባል ኣብ ዝርከባ ሃገራት ዝርከቡ ኮይኖም ድኹም ምሕደራ ጓሓፍን ፋብረካ መድሃኒታትን ዘለዎም ከባቢታት እዮም።

ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሩባ ናይሮቢ ኣብ ዓለም ብመድሃኒትን ምስ መድሃኒት ዝዛመዱ ምህርታትን ብዝለዓለ መጠን ካብ ሞንጎ ዝተበከሉ ሩባታት ኣብ ቅድሚት ይጥቀስስ።