እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒው ዚላንድ፡ ተቓወምቲ ንምብታን ጥዑማት ደርፊታት ዝኸፈቱ ሰብመዚ
ሰብ መዚ ኒው ዚላንድ ኣብ ኣፍ ደገ ፓርላማ ሰልፊ ተቓውሞ የካይዱ ንዘለዉ ሰልፈኛታት ንምብታን ጥዑማት ደርፊታት ባሪ ማኒሎው ከድርፉ ቐንዮም፡፡
እቶም ሰብ መዚ ደርፊታት እቲ ኣመሪካዊ ምስ ፍሉጥ ዳንሲ ስፔን ማካሪና በቢ 15 ደቒቕ የደርፍዎ ነይሮም፡፡
እቶም ኣገዳድነት ክታበት ኮቪድ- 19 ንምቅዋም ዝወጽኡ ሰልፈኛታት ብግዲኦም ብከም ናይ ትዊስትድ ሲስተር ዝበሉ ደርፊታት ምላሽ ሂቦም፡፡
እቲ ተቓውሞ ድሕሪ እተን ብሰሉስ ናብ ፓርላማ እታ ሃገር ዝኸዳ መካይን እዩ ተጀሚሩ፡፡
እቲ ኣብ ካናዳ ኣንጻር ግዱድ ክታበት ኮቪድ1-19 ክካየድ ዝቐነየ ሰልፊ ምልዕዓል ዝፈጠረሎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኒው ዚላንድ፡ ኣንጻር እገዳታት ኮሮናቫይረስ ንምቅዋም ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ወሊንግተን ተኣኪቦም፡፡
‘ኮንቮይ ፍሪደም’ ዝብል ካብ ተቓወምቲ ካናዳ ዝወሰድዎ ሽም ብምሓዝ ድማ ንጎደናታት እታ ከተማ ዓጽዮም፡፡
ብሓሙስ ፖሊስ 122 ሰባት ኣሲሩ ዝተኸልከለ ቦታ ብምጥሓስን መንገዲ ብምዕጻውን ከም ዝኸሰሶም ኣፍሊጡ እዩ፡፡
ብተወሳኺ ብዓርቢ ሰብ መዚ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ነቲ ሰፊሮምሉ ዝቐነዩ ሰውሒ ማይ ዘፍሰሱሉ ኮይኖም፡ እቶም ተቓወምቲ ብግዲኦም እቲ ማይ ዝኸደሉ መገዲ ከም ዝኾዓቱ ኣሶሽየትድ ፕረስ ጸብጺቡ፡፡
ድሕሪ እዚ እዮም ሰብ መዚ እቲ ፓርላማ ብማይ ክብተኑ ዘይከኣሉ ሰልፈኛታት ንምብታን ደርፊታት ባሪ ማኒሎው፣ ማካሪናን መልእኽቲታት ኮቪድ -19ን ዓው ኣቢሎም ከድርፉ ዝጀመሩ፡፡
ኒው ዚላንድ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምዕጋት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ጥቡቕ ክልከላታት ኣንቢራ ጸኒሓ እያ፡፡
ዕጽዋን ክልከላ መገሻን ዝኣመሰሉ ስጉምቲታት መጠን ረኽስን ሞትን ትሑት ክኸውን ኣኽኢሎም እዮም፡፡
ኣብዚ እዋን ግና ኣገድዳዲ ውሸባ 10 መዓልትን ክታበትን ዝርከቡዎም ክልከላታት ህዝቢ ክማረርን ተቓውሞ ክበዝሕን ይገብሩ ኣለዉ፡፡