ቅልውላው ትግራይ፡ ኤምባሲ ሩሲያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምርግጋእ ብምህላዩ ሰራሕተኛታቱ ከም ዘየውጽእ ኣፍሊጡ

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታት ዝተረጋግዐ ስለ ዝኾነ ሰራሕተኛታተይን ስድርኦምን ካብታ ሃገር ናይ ምውፃእ ትልሚ የብለይን ኢሉ።

ኣገልግሎት ፕረስ እቲ ኤምባሲ ብማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለፂ፡ እቲ ኤምባሲ ልሙድ ስርሑ ይቕፅል ከም ዘሎ ገሊፁ።

ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣብ መላእ እታ ሃገር ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ'ኳ እንተተኣወጀ ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስ እታ ከተማ ዝጎልሐ ለውጢ ከም ዘይተራእየ እቲ ኤምባሲ ሓቢሩ።

ኣብ ዙርያ ህንፃታት መንግስቲ፣ መዓርፎ ነፈርትን ቀንዲ ትካላት መንግስትን ፅኑዕ ሓለዋ ከም ዝካየድ'ውን ገሊፁ።

ካብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ጀሚሩ ኣመሪካን ብሪጣኒያን ሓዊሱ ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት ዲፕሎማሰኛታተን ካብ ኢትዮጵያ ክወፅኡ ይፅውዓ ኣለዋ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት'ውን ንግዝኡ ሰራሕተኛታቱ ከም ዘግዕዞም ገሊጹ።

ብሪጣኒያ ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ዜጋታታ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ትማሊ ጸዊዓ ኣላ።

"ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት እቲ ግጭት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክጽጋዕ ይኽእል'ዩ፤ እዚ ድማ ዜጋታት ብሪጣኒያ ዝኾኑ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ከጸግም ይኽእል'ዩ" ክትብል ሚኒስትሪ ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ ተዛሪባ።

ካብዚ ብዝብገስ ዜጋታት ብሪጣኒያ "ብቕልጡፍ" ካብታ ሃገር ክወጽኡን መንግስቲ ፋይንናንሳዊ ሓገዝ ክገብረሎም ከም ዝኽእልን ሓቢራ።

እንተኾነ ኤምባሲ ሩሲያ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ልሙድ ስርሑ ይሰርሕ ምህላው ብምግላጽ፡ ከምቲ ኣብ ቀረባ በዓል መዚ ሲቪል ኣቬሽን ኢትዮጵያ ከም ዝበሎ ኣብ ክሊ ኣየር እታ ሃገር ዝካየዱ በረራታት ድሕንነቶም ዝተሓለወ ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ኣዘኻኺሩ።

ስለ ዝኾነ ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ፡ ልሙድ ስርሑ ይዓምም ከም ዘሎን ሰራሕተኛታቱን ስድርኦምን ካብታ ሃገር ንምውፃእ ከም ዘይተለመን ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፡ ዜጋታት ሩስያ ህፁፅ ጉዳይ እንተዘይገጢምዎም፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይገሹ እቲ ኤምባሲ ኣገንዚቡ።

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ቦታታትን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ቀንዲ ዒላማታት ናይቶም መጥቃዕትታት "ትካላት ዲፕሎማሲ፣ ናይ በጻሕቲ መስሕባት፣ ማእከላት መጓዓዝያን ዕዳጋን፣ ኣብያተ-መግቢ፣ መዘናግዒታት፣ መንግስታዊ ትካላት ምምሕዳርን ካልኦት ህዝባዊ ቦታታትን" ከም ዝኾኑ'ውን ጠቒሱ።

ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ግን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሉስ፡ ንኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እታ ሃገርን እታ ከተማን መብርሂ ሂቡ ነይሩ።

ሓላፊ ምምሕዳር ሰላምን ፀጥታን ቀነኣ ያደታ (ዶ/ር)፡ "ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ዘተኣማምን ሰላም ኣሎ። ሓይሊ ፀጥታ ምስ ፖሊስ ፌደራል፣ ሪፐብሊካን ጋርድ፣ ፖሊስ ኦሮሚያን ካልኦት ትካላት ፀጥታ ፌደራልን ተዋዲዱ ይሰርሕ ኣሎ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ትግራይ ነታ ኣብ መስመር ደሴ-ኣዲስ ኣበባ እትርከብ ከተማ ሽዋሮቢት ተቖጻጺሮማ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ብሰኑይ ነቲ ኲናት ንምምራሕ ናብ ግንባር ከም ዝኸይድ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ስሩዕ መንግስታዊ ንጥፈት ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቶ ደመቀ መኮንን ይምራሕ ኣሎ።

መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክልሎም ተነቢሩ ዘሎ ዕጽዋ ንምኽፋት መጥቃዕትታቶም ከምዝቕጽሉ'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

ብሰላማዊ ዘተ ንምፍትሑ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ ዛጊት ፍረ ኣይሃበን ዘሎ።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምፍንቓል ከምዘስዓበን፡ ሚልዮናት ሰባት ተጸበይቲ ሰብኣዊ ረዲኤት ከምዝገበረን ይፍለጥ።