ኣብ ውድድር ብሽክሌታ ብሩር መዳልያ ዝተዓወተ ወዲ 99 ዓመት ሽማግለ

ኬኔዝ ጁድ ወዲ 99 ዓመት ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ግን ድማ ኣብ ውድርር ብሽክለታ ቱር ዴ ፎርስ ይወዳደር ኣሎ።

እዚ በዓል ጸጋ ዕድመ ሰብኣይ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ዕዱማት ኣብ ዝተሳተፍሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ውድድር ብሽክለታ ብሩር መዳልያ ተዓዊቱ።

ኣብዚ ውድድር ካልኣይ ኮይኑ ንምዝዛም ንልዕሊ 26 መዓልታት 3770 ኪሎ ሜትሮ ብሽክሌታ ዘዊሩ።

ብማእኸላይ ገምጋም ኣብ 24 ሰዓታት ልዕሊ 114 ኪሎ ሜትሮ ይሽፍን ነይሩ። እዚ ርሕቐት መብዛሕትኦም መናእሰያት ኣብ መዓልቲ'ውን ክሽፍንዎ ኣይክእሉን እዮም።

ንሱ ሳይክል ክዝውር እንከሎ፡ ኣብ ሰሜን ኢንግሊዝ ኣብ እትርከብ ተወሊዱ ዝዓበየላ ዮርክሺር ዘለው ጽምዋ ብዝዓሰሎም ጽርግያታት ይምሰጥ ነይሩ።

ንዝሓለፉ ዓመታት ዝለዓለ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ናይ ልምምድ ብሽክለታ ተጠቒሙ ምንቅስቓስ ክገብር ጸኒሑ።

ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ድማ ኣብዚ 'ሮድ ወርልድ ፎር ሲኒየርስ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተሳቲፉ።

እዚ ውድድር ንኣረጋውያንን ናይ ምርሳዕ ጸገም ዘለዎን ዝዳሎ ኮይኑ ብትካል ኖርወይ ዝኾነ ሞቲቴክ ዝፈረያ ብሽክለታታት ይጥቀሙ።

እዘን ብሽክሌታታት ምስ ላፕቶፕ ወይ ኮምፒዩተር ዝተራኸባ ኮይነን፡ ምስ ቴሌቪዥን ወይ መቆጻጸሪ ኣካል'ውን ብቀሊሉ ክገጥማ ይኽእላ እየን።

እዚ ድማ እቶም ተወዳደርቲ ኣብ ዘሽከርክርሉ እዋን ምንቅስቓሶም ኣብ ስክሪን ንክርእዩ ይሕግዞም።

እዚ እቶም ተጠቀምቲ ብሙዚቃ ዝተዓጀበ ምስሊ ኣብ እዋን ቁልዕነቶም ዝነበሩ ጎዳናታት፣ ጽርግያን ካልእን ብምርኣይ ኣካላውን ስነ ልቦናውን ምንቅስቓስ ንክገብሩ ንምሕጋዝ ዝዓለመ'ዩ።

እቲ ናይዚ ዓመት ውድድር 'ሮድ ዎርልድ ፎር ሲኒየርስ' ካብ 6 መስከረም ክሳብ ሓደ ጥቅምቲ 2021 ዝተኻየደ ኮይኑ እቲ ኣብተን ብሽክሌታ ዝተገጥመ ስርዓት ዓቐን እቶም ተወዳደርቲ ዝኸዱዎ ርሕቐት መዝጊቡ ሒዙ።

ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ፓይለት ዝነበረ ጁድ ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር መበል ሻብዓይ ኮይኑ ውድድሩ ዛዚሙ ነይሩ።

እዚ በዓል ጸጋ ዕድመ ለበዳ ኮሮናቫይረስ'ውን ከይዓገቶ ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ነዚ ዓመት ንዝካየድ ውድድር ምድላው ክገብር ጸኒሑ።

"ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝሓሸ ነገር ክገብር ስለ ዝደለኹ መዓልታዊ ኣብ ሰዓት ብኪሎ ሜትራት መዲበ ልምምድ ይገብር ነይረ። እዚ ድማ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ ዘይብሉ፡ ምሸት ወይ ንጉሆ ገስጊሰ እየ ዝገብሮ" ይብል።

ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ መሐብሐቢ ኣረጋውያን ኣተሓባባሪት ጥዕና ዝኾነት ሊንዲ ራናድ እዚ ውድድር "ንኣእምርኦም፣ ኣካሎምን ነፍሶምን ጽቡቕ'ዩ" ትብል።

ዋላ'ውን ኣረጋውያን ኣብ ቴክኖሎጂ ጽግዕተኛ ክኾኑ ዝድለ እንተዘይኮነ፡ ከጋጥሞም ዝኽእል ጽምዋ፣ ጸገም ጥዕናን ድሕነትን ንምቅላል ዝሕግዙዎም ብዙሓት ቴክሎጂታት ግን ይፈርዩ ኣለው።