እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስኮትላንድ፡ ን40 ዓመታት ሰብን ኦምን ኣብ ዘይብሉ ጸምጸም ዝነበረ ሰብኣይ
ኬን ስሚዝ፡ ንኣስታት 40 ዓመታት ካብቲ ወድሰብ ዝነብረሉ ዘሎ ስሩዕ ህይወት ርሒቑ ማይን ኤሌክትሪክን ኣብ ዘይብሉ ኣብ ከበሳታት ስኮትላንድ ብኢድ ካብ ዕንጸይቲ ኣብ ዝተሰርሐት ገዛ ክነብር ጸኒሑ።
"ኣዝዩ ሙቁር ህይወት'ዩ፤ ኩሉ ሰብ ከምዚ ክገብር እምነ። ዋላ ሓደ ግን ኣይገበሮን" ይብል።
ስሚዝ፡ ካብቲ ካልእ ክፋል ሕብረተሰብ ተነጺሉ መአጎዲ ሓዊ ዝኾኖ ዕንጸይቲ እናኣራረየን ዓሳ እናጽመደን ከምኡ'ውን ክዳውንቱ ኣብ ኣረጊት መሕጸቢ ክዳን እናሓጸበ እዚ ኹሉ ዓመታት ምንባሩ ኩሉ ሰብ ዘይክቕበሎ ይኽእል።
እሞ ኽኣ ወዲ 74 ዓመት።
ካብታ ንሱ ዝነብረላ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ገዛ ሓደ ሰዓት ርሕቕ ኢሉ ቀላይ ኣላ።
"ጽሙው ቀላይ እያ ትብሃል። ኣብዚ መገዲ የለን ግን እዚ ሓጽቢ ከይተሰርሐ ኣብዚ ዝነብሩ ሰባት ነይሮም" ይብል።
ቑልቑል ናብቲ ቀላይ እናጠመተ ከኣ ናይ ኩሎም ፍርስራስ ተረፍመረፍ ኣብዚ ኣሎ፤ ሕጂ ግን ሓደ ሰብ ጥራሕ ኣሎ። ንሱ ኽኣ "ኣነ'የ" ይብል ስሚዝ።
ቅድሚ ትሸዓተ ዓመት፡ ሰራሒት ፊልም ሊዚ ማክኬንዚ መጀመርታ ረኺባቶ፤ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ንሰነዳዊ ፊልም ቢቢሲ 'The Hermit of Treig' ቀሪጻቶ።
ኬን፡ ኣብ ኢንግሊዝ ደትቢሺር ዝተባህለት ዓዲ ዝተወለደ ኮይኑ፡ ወዲ 15 ዓመት እናሃለወ ኣብ መደብራት መከላኸሊ ባርዕ ሓዊ ስራሕ ጀሚሩ።
ወዲ 26 ዓመት ምስ ኾነ ግን ህይወቱ ተቐይሩ፤ ሓደ ምሸት ኣድብዮም ተሓቢኦም ዝጸንሑ ሰባት ቀጥቂጦምዎ።
በዚ ናይ ሓንጎል መድመይቲ ኣጋጢሙዎ ን23 መዓልታት ውኒኡ ስሒቱ ጸኒሑ።
"ነፍሲ ኣይዘርእን ይብሉኒ ነይሮም። ንሓዋሩ ክዛረብ ኣይኽእልን'ውን ተባሂለ'የ። ጠጠው ኢሉ ክኸይድ ኣይኽእልን ተባሂለ፤ ግን ኩሉ ክኢለዮ። ድሕሪኡ ብናይ ባዕለይ መገዲ ጥራሕ እየ ዝነብር ኢለ ወሲነ" ይብል።
ኬን ስሚዝ፡ ጉዕዞ ምስ ጀመረ በረኻ ምዃን ብዝብል ሓሳብ ተመሲጡ።
"ግዝኣት ካናዳ ኣብ ዝኾነት ዩኮን ብምኻድ ብእግረይ እንተተጓዒዘ እንታይ ክፍጠር ይኽእል? ናበይ ይወስደኒ ይኸውን?" ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ ልዕሊ 35 ሽሕን 405 ኪሎ ሜትር ብእግሩ ተጓዒዙ።
እዚ ኹሉ እንትገብር ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዘለው ስድራቤቱ ሞይቶም፤ ክሳብ ዝምለስ ግን ኣይሰምዐን።
"ነዊሕ'ዩ ወሲዱኒ፤ ግን ምንም ኣይተሰምዐንን" ኢሉ።
ኬን፡ ወለዱ ውን ኢሎምዎ ክበኪ ዝጀመረ፡ ኣብ ከበሳታት ስኮትላንድ ምስ በጽሐ ኮይኑ "መገዳ መገዲ በኽየ። ኣብ ብሪጣኒያ ሰብ ዘይብሉ ከባቢ ኣበይ ይኸውን ኢለ ሓሲበ" ይብል።
ወሲኹ "ፍጹም ገዛ ዘይተሰርሐሉ ከባቢ ኣሊሸ። ኣማኢት ማይላት ተጓዒዘ፤ ዋላ ሓደ ኣይረኸብኩን። መወዳእትኡ ነዚኣ ረኺበ" ይብል ነታ ሕጂ ዝነብረላ ገዛ እናጠመተ።
ኣብዚ ምስ በጽሐ ክኣ ምብካይ ጠጠው ኣቢሉ።
ንኣሽቱ ዕንጸይቲ ኣራርዩ ንዕኡ እትመስሎ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐት ገዛ ክኣ ሰሪሑ።
ንዓሰርታት ዓመታት ድማ፡ ዕንጸይቲ ጥራይ እናንደደ ብዘይመብራህቲ ኣብ ዝነብረሉ ገዛ ይነብር ኣሎ።
ጋዝ ይኹን ማይ'ውን የብላን፤ ካብዚ ሓሊፉ ቴሌፎን ኣይሰርሕን።
እቲ ንሓዊ ዝኾኖ ዕንጸይቲ ንርእሱ ካብ ርሑቕ ቦታ ኣኪቡ ጸይሩ'ዩ ዘምጽኦ።
ኣብታ ዝነብረላ ኣጉዶ ድማ ኣሕምልቲ የፍሪ፤ ቀንዲ ምንጪ ምግቡ ግን እቲ ቐላይ እዩ።
"ናይ ብሕቲ ህይወት ምንባር ክትፈልጥ እንተደሊኻ ዓሳ ምጽማድ ክትፈልጥ ኣለካ" ይብል።
ብለካቲት 2019፡ ኣላይት ፊልም ሊዚ ካብቲ መንበሪ ገዝኡ ምስ ተመለሰት ድሕሪ ዓሰርተ መዓልቲ ኬን ወቕዒ ልቢ ሓሚሙ ንሕክምና ናብ ዓዲ [ኢንግሊዝ] ተመሊሱ።
ዝኾነ ሓደጋ ከጋጥሞ እንከሎ ብቐጥታ ኣብ ቴክሳስ ናብ ዘሎ ማእኸል ምልክት ዝህበሉ ናይ ውልቁ ጂፒኤስ ተጠቒሙ'ዩ ክሕከም መጺኡ።
እዚ ኣብ ኢንግሊዝ ንዘለው ሓለውቲ ገምገም ባሕሪ ምልክት ምስ ሃቦም ኬን ብነፋሪት ናብ ሆስፒታል ክመጽእ ተገይሩ፤ ንክሓዊ ሸውዓተ ሰሙናት ወሲዱ።
ድሕሪ ሕጂ ሰብ ኣብ ዘለወሉ ከባቢ ንክነብር ሓካይም ብዙሕ ጽዒሮም፤ ንሱ ግን ኣይፋል ኢሉ ተመሊሱ ኸይዱ።
እንተኾነ፡ ድሕሪ እቲ ስትሮክ ናይ ምዝካር ተኽእልኡ ስለ ዝስኣነን ናይ ምርኣይ ጸገማት ስለ ዘጋጠሞን ካብ ሕሉፍ ንላዕሊ ሰብ ከድልዮ እዩ።
ኣብ ጥቓ እቲ ኬን ዝነብረሉ ዘሎ ጫካ ዝሕሉ ዋርድያ ድማ በብኽልተ ሰሙን መግቢ የምጽኣሉ ኣሎ።
ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ፡ እቲ ካብ ዕንጸይቲ ዝተሰርሐ ገዝኡ ኣብ ዝባኑ ፈሪሱ ሓደጋ ስለ ዘጋጠሞ ንሕክምና ናብ ከተማ መጺኡ።
ሕጂ መጻኡ ብዙሕ ከም ዘየጨንቖ ይዛረብ።
"ኣብዛ መሬት ንዘልኣለም ኣይንነብርን። ክሳብ ዝመውት ኣብዚ ክጸንሕ እየ። ብዙሓት ሓደጋጋት ኣጋጢሞምኒ ሓሊፈዮም'የ። ዝኾነ እዋን መሊሰ ክሓምም ይኽእል'የ። እዚ ኽኣ ንሓዋሩ ዝወስደኒ ክኸውን ይኸውን፤ ግንከ 102 ዓመት ክመልኣኒ ተስፋ ይገብር" ኢሉ።