ምኽባር ናብራ ዘይዓገቶ ፍቕሪ ጥረ ስጋ

ጥረ ስጋ ምስ ኣዋዘን ሰናፍጨን

ምንጪ ስእሊ, The Washington Post

ዮናስ ግርማ ኣብ ንግዲ ጥረ ስጋ ልዕሊ 20 ዓመታት'ዩ ፀኒሑ። ካብ ወላዲ ኣቡኡ ነዚ ስራሕ ተረኪቡ ድማ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ መሸጢ እንዳ ስጋ የመሓድር። ዮናስ ዘመሓድሮ እንዳ ስጋ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ፍሉጣት ካብ ሞንጎ ዝኾኑ መሸጢ እንዳ ስጋ ሓደ እዩ።

እዚ እንዳ ስጋ ዝያዳ ካብ ዝፍለጠሉ ሓደ ነገር ብፅልኢ ዝጠማመቱ ፖለቲከኛታት ብርሑቕ እንተረኣኣዩ'ውን እንተኾነ ዝምገብሉ ምዃኑ'ዩ። እዚ ብፍላይ ኣብ ናይ ቀደም ስርዓት ኢህወደግ ሃዳንን ተሃደንትን ዝነበሩ ፖለቲከኛታት፡ ሰላምታ ኣምላኽ ተለዋዊጦምን ተዋዝዮምን ዝምገብሉ'ዩ።

እንዳ ስጋ ጨርጨር ዘመሓድር ዮናስ ግርማ ከምዝብሎ፡ "እኒ በዓል ኣባይ ፀሃየን ጌታቸው ረዳን ብሓደ ወገን፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ እኒ ኣንዱኣለም ኣራጌ" ፊት ንፊት እናተረኣኣዩ ስጋ ይቖርፁ ኔሮም።

"ሓደ መዓልቲ እኒ ፕሮፌሰር መስፍንን ጌታቸው ረዳን ሰላም ክበሃሃሉ ከለዉ፡ 'ታይ ኣለዎ ኣብ ስጋ ከምትከኣኣሉ ኣብ ፖለቲካ'ውን ከምዚ እንተትከኣኣሉ' ኢሎም ክቀላለዱ እዝክር" ብምባል ይዝክር።

ሕዚ'ውን እንተኾነ ናይ ተቓወምቲ ኮነ ናይ ገዛኢ ውድብ ብልፅግና ሰባት "ይረኣኣዩ፣ ሰላም ይበሃሉ፣ ይበልዑ" ይብል ዮናስ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዘለዉ ባህልታት እንተዝፍተሹ'ውን መኣዲ ንበይንኻ ምቑራስ ምስ ዓርሰ ፍትወት ወይ ስሰዐ ኣዛሚድካ ምርኣይ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። እኳድኣስ ኣብ ሓደ መኣዲ ምቁዳስ ከም ቀንዲ መለክዒ ስድራ ከምኡ'ውን መተኣሳሰሪ መገዲ ምሕዝነት ተጌሩ ይረአ።

ዋላ'ኳ ምስፍሕፋሕ ከተማታት ስዒቡ ኣብ ሓደ መኣዲ ኸቢብካ ምብላዕ እናነከየ እንተመፅአ፡ ጥረ ስጋ ንበይንኻ ምብላዕ ግና ብዙሕ ኣይስትውዓልን። ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት እታህ ሃገር እናዛየደ ዝመፅእ ዘሎ ፍቕሪ ጥረ ስጋ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ኸቢብካ ናይ ምምጋብ ልምዲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣብዚ ስራሕ ዝተዋፈሩ ሰባት ይዛረቡ።

ጥረ ስጋን ኣዋዘን

ብሉፅ ጥረ ስጋ ካበይ ይርከብ?

"ናይቲ ሓረስታይ ኮነ ብዕራይ ድሕረ ታሪኽ ይፅናዕ'ዩ" ዝብል ዮናስ፡ ፅቡቕ ስጋ ንምርካብ ሸየጥቲ ስጋ ዝኸድሉ መገዲ የብርህ።

"ኣብ ዓለም እቲ ብሉፅ ስጋ ኣብ ጃፓን'ዩ ዝርከብ። ሕዚ ኣብ ኣዲስኣበባ ዘሎ ስጋ ካብ ናይ ጃፓን ስጋ ኣይንእስን። ኣብ ፅሬት ዘሎ ንሕንሕ ድማ ንዋጋ እቲ ስጋ ሰቒልዎ'ዩ" ይብል ዮናስ።

"ሓደ ከፍቲ ተኣሲሩ እንድሕር ሰቢሑን ናብ ደገ እንተዘይወፅዩን ሓቢ ኣይረኽቦን። ሕማም ኮሶ ብግምት ክሳብ 80 ሚእታዊት ነክዩ'ዩ"

"ቅድሚ ሕዚ ስጋ ብዝሒ'ምበር ፅሬት ኣይነበሮን። ኣቦታትና ከፍቲ ክዕድጉ ከለዉ እንታይ በሊዖም ኢሎም ኣይሓቱን ኔሮም። ሕዚ ግና ዝበልዕዎ ምግቢ ንጥዕና ዝሰማማዕ ድዩ ዝብል ኣፅኒዕና ኢና ንዕድግ። እዚ ኣይኣክልን ኢሉና ድማ ባዕልና ከፍቲ ናብ ምስባሕ ብርኪ ኢና በፂሕና" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ብዓሌት ንምረፅ እንድሕር ደኣ ተባሂሉ ግና ንናይ ሃረር ብዕራይ ዝወዳደር የለን። ቀፂሉ ጅሩ ይመፅእ። ናይ 'ሃረር ብዕራይ' ፍሉይ ዝገብሮ ከኣ፡ ኩነታት ኣየርን እቶም ከፍቲ ዝሰብሕሉን መገዲ ምዃኑ ዮናስ ይገልፅ።

"ሓረስታይ ሃረር ንከፍቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናዛዋረ ዘይኮነስ ኣብ ገዛ ውሽጢ'ዩ ዘስብሖም። መብዛሕትኡ መራሒ ስድራ ናይ ሕድሕዱ ሓደ ከፍቲ ኣለዎ። ንደቆም ዘብልዕዎ እኽሊ እዮም ንኸፍቶም ዝምግብዎም" ይብል ዮናስ።

"ናይ ጅሩ ዓሌት'ውን ከምኡ እዩ። ግና ንእሽተይ ከባቢ ስለዝኾነት ሰፊሕ ቀረብ የለን። ብኽብደት እንተሊዕክና ናይ ጅሩ ይበልፅ። ብፅሬት ድማ ናይ ሃረር ይበልፅ። ሃረር ሰፊሕ ስለዝኾነን፡ ከፍቲ ድማ ቶሎ ቶሎ ስለዘይሽየጡ ናይ ምፅናሕ ዕድል ኣለዎም" ብምባል የነፃፅር።

መባልዕቲ

ዮናስ ናብ ስራሕ ጥረ ስጋ እንክኣቱ መባልዕቲ እቲ ጥረ ስጋ 'ሚጥሚጣ' ከምዝነበረ ይዝክር። ሕዚ ግና ኣዋዘ ንምድላው'ኳ ዘመን ብዘምፅኦ ነገራት ከምዝዳሎ እዩ ዝዛረብ።

"ሕዚ እማ ኣዋዘ፡ ብሜስ፣ ብደረቕ ሜስን ልስሉስ ሜስን እዩ ዝቃመም። ኣብ ልዕሊኡ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሃገርና ዝመፅኡ 'ቆጭቆጫን ዳጣን' ተባሂሎም ዝፅውዑ መባልዕቲ ኣለዉ። ሕዚ ድማ ጥረ ስጋ ብቆጮ ተጀሚሩ ኣሎ" ዝብል ዮናስ፡ እዚ ናይቲ ስራሕ ዕብየት መግለፂ'ዩ ይብል።

ኣዋዘ

ዋጋ ጥረ ስጋ ንምንታይ ወሲኹ?

ቅድሚ 20 ዓመታት ናብዚ ስራሕ እንክፅንበር ዋጋ ሓደ ኪሎ ስጋ "ካብ 12 ብር ክሳብ 13 ብር" ይድይብ ኔሩ። "ሻቡ ከቢሩ ዝብል ከቢድ ተቓውሞታት ኔሩ። ኣቦይ ስራሕ ክጅምር ከሎ ዋጋ ሓደ ኪሎ ስጋ ሓሙሽተ ብር እዩ ኔሩ" ይብል ዮናስ።

ኣብ ግዘ ደርግ፡ ወላዲ ኣቡኡ ወሰኽ ጌሩ ተባሂሉ ተኣሲሩ ኔሩ።

ኣብዚ ዝተዛዘመ ዓመት 2013 ዓ.ም 24 ሚያዝያ ቅድሚ ዝተኸበረ በዓል ፋሲካ፡ ጥረ ስጋ ኣብ ኣዲስኣበባ ብብር 500 ይሽየጥ ኔሩ። ሕዚ ግና ዕፅፊ ኮይኑ። ካብ 900 ክሳብ 1000 ብር ኣብ ጅቡኡ ዘይብሉ ሰብ ጥረ ስጋ ክበልዕ ኣይኽእልን።

ዮናስ፡ ንምውሳኽ ጥረ ስጋ እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ብዕራይ ዝበልዖ ምግቢ ዋግኡ ምውሳኹን ኣብዑር ዝሰብሕሉ መገዲ ምቕያሩን እዩ ይብል።

ሓደ ከፍቲ ካብ ሓረስታይ ምስተዓደገ፡ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸውዓተ ወርሒ ኣብ እንዳስጋ ከምዝሰብሕን፡ ናይ ሰራሕተኛ ወፃኢ ሓዊሱ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 200 ብር ከምዘድልን ዮናስ ይሕብር፤ ኣብ ወርሒ ሽድሽተ ሽሕ ብር ማለት'ዩ።

"ቅድሚ ሕዚ ሓደ ኪሎ ምሻሕሪ ሸሞንተ ብር ይሽየጥ ኔሩ፤ ሕዚ ልዕሊ 30 ብር'ዩ ዝሽየጥ። ናይ እንጣጢዕ ተረፈ ምህርቲ ድማ ንኪሎ 700 ብር ኔሩ፡ ሕዚ 3500 እዩ" ይብል ዮናስ።

ከም ሓበሬታ ሚኒስትር ንግዲ እታ ሃገር፡ ቀዳማይ ደረጃ ናይ ሃረር ብዕራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 75 ሽሕ ብር፡ ካልኣይ ደረጃ ድማ 50 ሽሕ ብር ይሽየጥ። ናይ ኣርሲ ባሌ ከፍቲ ኣብ ሻሸመኔ 3500 ብር፣ ናይ ዓፋር ጠሊ ኣብ ደራ 3800 ብር ይሽየጥ። ሕዋስ ዓሌት ዝኾነ ጠሊ ኣብ ኣዳማ 5 ሽሕ ብር ይሽየጥ ይብል እቲ ሓበሬታ።

ጥረ ስጋን ኣልኮላዊ መስተን

ክሳብ ቀረባ ግዘ ጥረ ስጋ ዓበይቲ ሰባት ጥራሕ ዝበልዕዎ ተጌሩ'ዩ ዝሕሰብ ኔሩ ዝብል ዮናስ ሕዚ ግና ደቂኣንስትዮን መናእሰይን ብተደጋጋሚ ዝበልዕዎ ምግቢ ኮይኑ ኣሎ ይብል።

ምስ ስጋ ልሙዳት ካብ ዝኾኑ ልሙዳት መስተታት ብተወሳኺ "ተኸሺኑ" ዝብሃል ምስ ጥረ ስጋ ዝስተ መስተ ክሳብ ምፍልሳፍ ተበፂሑ'ዩ።

ጥረ ስጋ ኣብ ጥዕና ዘለዎ ፅልዋ እንታይ'ዩ?

ጥረ ስጋ ምብላዕ ካብ ሞንጎ ዘስዕቦም ቀንዲ ፀገማት ጥዕና እቲ ሓደ ሕማም ሓቢ'ዩ። ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ እዚ ፀገም መዓልታዊ ምዃኑ ስዒቡ፡ ባህላዊ መድሓኒት ሓቢ ምጥቃም ልሙድ'ዩ።

ካብ ቀረባ ንነዘ ግና ሕማም ሓቢ ዝጠፍአ ክሳብ ዝመስል ከምዝነከየ ይዝረብ።

ሓቢ፣ ሳልሞነላን ነፍሪን ምስ ጥረ ስጋ ተዛሚዶም ስሞም ብተደጋጋሚ ዝለዓሉ ሕማማት'ዮም።

ሓኪም እንስሳ ዶክተር ደመቀ ወንድምኣገኝ፡ ጥረ ስጋ፡ ነቲ ብዕራይ ካብ ምስባሕ ጀሚሩ ብምግብነት ክሳብ ዝቐርብ ኣብ ዘሎ ግዘ ዘሎ ፅሬት እንተድኣ ዘይተሓልዩ፡ ነዞም ሕማማት ከቃልዕ ከምዝኽእል ይዛረብ።

ካብ ቀረባ ግዘ ንነዘ እንዳ ስጋ፡ ባዕሎም ብዕራይ ከስብሑ ብምጅማሮምን ታህዋስያን ዝቐትሉ ኣፋውስ ንከፍቲ ስለዝወሃቡን እቲ ስጋ ጥዑይ ከምዝኾን እቲ በዓልሞያ የረድእ። ከምኡ'ውን ብልምዲ ጥረ ስጋ እንትዕደግ ዝምረፀሉ መገዲ፡ እቲ ማሕበረሰብ ካብ እንስሳ ናብ ንዝመሓለለፉ ሕማማት ተኸላኺሉ'ዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

መንግስቲ ከም ነፍሪ ንዝኣመሰሉ ቀተልቲ ሕማማት ንምክልኻል፡ ንክታበታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ምግባሩ፡ እቶም ሕማማት ክንክዩ ግደ ኣለዎ ይብል ዶክተር ደመቀ።

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብዕራይ ጥረ ስጋ ምብላዕ ልሙድ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ጥረ ናይ ዓሳ ስጋ ምብላዕ ልሙድ'ዩ። ጥረ ስጋ ምብላዕ፡ ምስ ጥረ ናይ ዓሳ ስጋ ምብላዕ እንክነፃፀር ስግኣታት ጥዕና ዝነኣሱ ከምዝኾኑ እቲ በዓል ሞያ ይዛረብ።

እኳድኣስ ብታህዋስያን ዝተበከለ ጥረ ዓሳ ብምብላዕ ዝስዕቡ ሕማማት ቀተልቲ ምዃኖም ይዛረብ።

"ኣብ ቀይሕ ስጋ ዘሎ ፕሮቲን፡ ብፍላይ ኣብ ኩላሊት ልዑል ሳዕቤን የሕድር። ስለዚ ቀይሕ ስጋ ዋላ በሲሉ ኮነ ጥረ ምብላዕ ኣይምከርን" ይብል ዶክተር ደመቀ።

ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተለመደ ይመፅእ ብዛዕባ ዘሎ ናይ ጠሊ ጥረ ስጋ ምብላዕን ተዛሚዶም ዝለዓሉ ጉዳያትን 'ውን ነቲ በዓልሞያ ሓቲትናዮ።

"ጠሊ ኣብ ከባብታት ቆላ ስለዝፈርን ካልኦት እንስሳት ዘይበልዕዎ ኣቑፅልቲ ስለዝበልዕን፡ ካብዞም ኣቑፅልቲ መድሓኒት ዘለዎም ኣቑፅልቲ ስለዝበልዕን፡ ስግኡ ፈውሲ እዩ ዝብል ተረኽ ኣሎ። እንተኾነ ዛጊድ ነዚ ዘረጋግፅ መፅናዕቲ ኣይረኣኹን" ብምባል፡

ካብ እንስሳት ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ምክልኻል ክሳብ ዝተኽኣለ፡ ጥረ ስጋ ብምብላዕ ዝኽሰት ናይ ታህዋስያን ፀገም ምንካይ ከምዝከኣል ሓቢሩ።

ዶክተር ደመቀ ንርእሱ ፈታዊ ጥረ ስጋ እንትኾን፡ "ጥረ ስጋ ምብላዕ ካብ ዝጅምር ነቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝኾነ ዓይነት ሕማም ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን" ይብል።

እንተኾነ ኣብ ቀይሕ ስጋ ኣድሂቦም ዝካየዱ መፅናዕትታት፡ ካብ ረብሕኡ ጉድኣቱ ከምዝዛይድ'ዮም ዝገልፁ። ነዚ ድማ ይመስል ብፍላይ ኣብ ዝዓበያ ሃገራት ሰባት ናብ ፃዕዳ ስጋ ማለት'ውን ደርሆን ዓሳን ክምገቡ ዝመረፁ።