ኣብ ናይጀርያ ብሓደ ‘ኣፕ’ ኣንጻር ብኽነት-ምግቢ ምቍርቛስ

"ዝዀነ ሰብ፡ ምናዳ ቈልዓ፡ ብዘይ ምግቢ ንነዊሕ ክጐዓዙ ኣይክእልን - መባዓዲ ስለ ዝዀነ። ክሳብ ሕመረትካ'ዩ ሓጸልጸል ዘብል። ቈልዓ ከሎኹ እኹል ምግቢ ዘይረኽበሉ ዝነበረ እዋን ይዝከረኒ - ንመዓልቲ ሓንሳብ በሊዐ ዝውዕለሉ ዝነበርኩ እዋን ነይሩ።"
ንኦስካር ኤፖኒሞ ዝደረኾ ነገር እቲ ብጥምየት ዝተሓመሰ ኣተዓባብይኡ'ዩ፣ ኣቦኡ ብሕማም ምኽንያት ስራሕ ደው ኣብ ዘብለሉ እዋን እቲ ስድራ ብምልኡ ይጠሚ ነይሩ።
ሕጂ ግን፡ እዚ ኣብ ኣቡጃ (ርእሲ-ከተማ ናይጀርያ) ዝነብር ዋኒንተኛ-ቴክኖሎጂ ነቲ ዘይምዕሩይ ናይ ምግቢ ሽግር መፍትሐ ከም ዝረኸበሉ ይኣምን።
ንሱ ነቲ 'ቻውበሪ' ዚበሃል ኣፕ ዝመሃዘ ሰብ'ዩ፣ እቲ ምህዞ ድማ ንሰባት ምስ ዓበይቲ ደዀኵን ምግቢ (ሱፐርማርከት) ብምትእስሳር ነቲ ብላሽ ዝጐሓፍ ምግቢ ዚከታተል'ዩ።
ድሮ'ኳ 35 ሸርሸርቲ፡ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኰኑ ካልኦት ማሕበራት፡ ነቲ ኣፕ ይጥቀምሉ ኣሎዉ።
ኣቡጃ ኣብ ዚርከብ ዓቢ ድኳን ሓደ ሰራሕተኛ ሰሞሊና (ዓይነት ፊኖ ሓርጭ) ኣብ መጋዓዓዚት ዓረብያ ይድርድር። 'ትሪፍቲ-ስለየር' ዚበሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ነቲ ሓርጭ በታ 'ቻውበሪ' እትበሃል ኣፕ ኣቢሎም ብቅናስ ስለ ዝገዝእዎ መጺኦም ንክወስድዎ: እቲ ሰራሕተኛ ይቕርበሎም ኣሎ።
ቅናስ ፍርያት
ኣብ መተሓላላፊ ናይቲ ድኳን ደው ኢልና ከሎና ኦስካር ነታ ታብለቱ (ኮምፕዩተር) ኣውጺኡ እቲ ዝመሃዞ ኣፕ ብኸመይ ከም ዚሰርሕ የርእየኒ። "እዛ ኣፕ'ዚኣ ክባላሸዉ ወይከኣ ዕድሚኦም ክወድቕ ናይ ዝቐረቡ ፍርያት ሓበሬታ ካብ ሸርሸርቲ ትእክብ" ይብል ኣኦስካር።
"እዞም ፍርያት ክበላሸዉ ስለ ዝቐረቡ እቶም ሸርሸርቲ ብትሑት ዋጋ ኣብ ዕዳጋ የውርድዎም።
"መብዝሕትኡ ጊዜ እቶም ሸርሸርቲ ነቶም ፍርያት ይጕሕፍዎም'ዮም፣ በቲ ዝመሃዝናዮ ኣፕ ግን ክሳራኦም ክሽፍኑ ይኽእሉ። ዘይመንግስታውያን ትካላት'ዉን ነቶም ዕለቶም ክወድቕ ዝቐረቡ ፍርያት ብቅናስ ብምዕዳግ ንህዝቢ ክዕድልዎ ይኽእሉ።"

ክልተ ዓመት ይገብር፡ እዚ ሱፐርማርከት'ዚ ንምህዞ 'ቻውበሪ' ኣብ ጥቕሚ ካብ ዘውዓሉ ሓደ'ዩ።
"ገለ ካብ'ቶም 'ቻውበሪ' ዝጥቀሙ ደዀኵን፡ ካብቲ ዝጐሓፍ ፍርያት 80% ናይ ክሳራኦም ከሽፍኑ ከም ዝኽኣሉ ይምስክሩ" ይብል ኦስካር።
ሓደ ሲሶ ናይቲ ኣብ ዓለምና ዝፈርዩ ፍርያት መግቢ ይባኸን ምዃኑ ብሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ሓቢሩ።
እቲ ዓመት-ዓመት ዝጐሓፍ ምግቢ ምስ ዝትመን 1.3 ቢልዮን ቶን ይኸውን። ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘርእዮ ድማ ኣብ ዓለምና ሓደ ካብ ትሽዓተ ሰባት ብጾሞም ይሓድሩ - ኣብዛ ዓለም እኹል ምግቢ እንከሎ።

እቲ ሕመረት-ጻዕሪ ናይ ኦስካር ምስ'ቶም ኣብቲ ለጠቕ ዝበለ ጽፍሒ ሕብረተ-ሰብ ዝርከቡ ድኻታት ክዳናገጽ ስለ ዝኸኣለ'ዩ፣ ከምኡ ስለ ዝዀነ ድማ'ዩ ነቲ ሽግር ብቐሊሉ ከስተብህለሉ ዝኸኣለ።
"ሰባት ስሉጣት ናይ ኢድ ተሌፎን ስለ ዘይብሎም እቲ ጥቕሚ ናይ'ቲ ዝመሃዝናዮ ኣፕ ብዘይመንግስታውያን ትካላት ኣቢሎም'ዮም ዝጥቀምሉ" ይብል ኦስካር።
'ትሪፍቲ-ስለየር' ሓደ ካብ'ቶም ናይ ሬዲኤትን ዘይመንግስታውያንን ትካላት ኰይኑ እቲ ንህዝቢ ዘቕርብዎ ምግቢ 'ቻውድሪ' ተጠቒሞም ብቅናስ ዋጋ ይዕድግዎ።
መደባት 'ትሪፍቲ-ስለየር' ብወፈያ ዝረኽብዎ ናይ ካልኣይ-ኢድ ክዳውንቲ ብምሻጥ'ዮም ዝካየዱ። መስራቲት'ቲ ትካል ኢጀኦማ ንዊዙ፡ 'ቻውድሪ' ክትጥቀም ብምኽኣላ እቲ ገንዘብ ከም ዝበርከተላ ትዛረብ።

"ን 40 ሰባት ብምምጋብ ኢና ጀሚርና፣ ግና እቲ ማሕበረ-ሰብ እናዓበየ ኸደ። ሕጂ ነቲ ማሕበረ-ሰብን ከባቢኡን - ማዕረ 200 ሰባት - ሰንበተ-ሰንበት ኣብ ምምጋብ ንርከብ" በለ።'
"እቲ ቍጽሪ ናይ'ቶም እንምግቦም ሰባት እናዓበየ ብዝኸደሉ እዋን ወጻኢታትና ከነጕድለሉ እንኽእል ሸነኻት ክንደሊ ጀመርና። እቲ ጽቡቕ ነገር ምስ መደብ 'ቻውበሪ' ብምትሕብባር እቲ ዘድልየና ብዝሒ ቀረብ ምግቢ ንምርካብ ሓጊዙና።"
ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ከም ዘርእይዎ፡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ህዝቢ ናይጀርያ ብዋሕዲ-ሓነዅ ዝተጠቕዑ ከም ዝዀኑ ይፍለጥ።
ጥምየት ሓደ ካብ'ቶም ዝዓበዩ ሽግራት ከም ዝዀነ፡ ዳይረክተር ህዝባዊ ፖሊሲ ናይቲ 'ሸሁ ሙሳ ያርዓዋ' ዝተብሃለ፡ ብውሕስነት ምግቢ ዚጣበቕ ማሕበር፡ ኣማራ ንዋንካ ትሕብር።
"ከም ዝመስለኒ፡ እቶም ምስ ናይ ምግቢ ቀረብን ተረክቦን ዝገጥሙና ብድሆታት፡ ንመሃዝቲ ሰባት ሓደ ምህዞ ንኸቕርቡ ዕድል ይህብ'ዩ። ካብዚ ብድሆ'ዚ ንኸነምልጥ ካብኡ ዘዉጻን መፍትሒ ምንዳይ ተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኣማራጺ የብልናን" ትብል ኣማራ።

"ብዙሕ እዋን፡ እዚ ጕዳይ'ዚ ንስምዒተይ ይቕስቅሶ'ዩ። ሓደ ቀሊል ሓሳብ ንብዙሓት ሰባት ብክዉንነታዊ ኣገባብ ክትንክፎም ምዕዛብ ዝስምዓኒ ዕግበት ዓቢ'ዩ። ይዅን'ምበር፡ እቶም ስምዒታት ዝተሓዋወሱ'ዮም" ይብል ኦስካር ... ኣብ ከባቢ ኣቡጃ እትርከብ ፕያንካ እትበሃል ብደሮና ዝተዓብለለትን ብኣኽራን ዝተኸበበትን ንእሽቶ ከተማ ዀይኑ ዕደላ ምግቢ ክካየድ እናተዓዘበ።
ንኦስካር ንኽንበጽሕ ዝኸድናሉ እዋን ሓምሳ ዝዀኑ ሰባት፡ ዝበዝሑ ኣንስትን ቈላዑን፡ ንኽምገቡ ተሰሪዖም ርአና። እቲ መኣዲ፡ ንብዙሓት ካብ'ቶም ተመገብቲ፡ ኣብታ ሰሙን'ቲኣ ዝሓሸ ምግቢ ዝረኸብሉ መዓልቲ'ዩ ነይሩ ኢሎም ነገሩና።
"እቲ ብድሆ ከመይ ገርና እቲ ስራሕከም ነዕብዮ'ዩ" ይብል ኦስካር። "ንዝመጹ ሒደት ዓመታት ስራሕና ኣብኡ'ዩ ከተኵር። ብድሓን ዋጋ ዝርከብ ምግቢ ክሳብ ዝህልወሉ ኣብ ክባጻሓሉ ዘድሊ ቦታታት ክህሉ'ዩ ማለት'ዩ።"
ሕጽረት ምግቢ ዓቢ ጸገም'ዩ፣ እዚ ዋኒንተኛ'ዚ ኸኣ ነዛ ንእሽቶይ ኣበርክቶኡ ብዓለም-ለኸ ክትፍለጥ ትሕልንቲ ኣንቢልሩላ ይርከብ።
ኣብ ናይጀርያ፡ ከምኡ'ውን ኣፍሪቃ ምስ እትኣታቶ ቀስ ኢላ ኸኣ ንኣብ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ኣብ ህይወቶም ለውጢ ንኽተኣታቱ ተስፋ ኣሎዎ።
እዚ ናይ ቢቢሲ ተኸታታሊ-መደብ'ዚ ብምወላ ትካል ቢልን መሊንዳን ገይትስ ኢዩ ክዳሎ በቒዑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







