ዓመታዊ ልዕሊ 900 ሚልዮን ቶን ምግቢ ከም ዝጓሓፍ መጽናዕቲ ሓቢሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዓለም ዓመታዊ ልዕሊ 900 ሚልዮን ቶን ምግቢ ከምዝጓሓፍ መጽናዕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ፡፡
ፕሮግራም ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ዘውጸኦ ሓበሬታ ብኽነት ምግቢ ከምዘርእዮ፡ ካብቲ ኣብ ድኳናት፣ ቤት መግብታትን መንበሪ ኣባይትን ንተጠቀምቲ ዝዳሎ ምግቢን፡ እቲ 17 ምኢታዊት ብቐጥታ ኣብ እንዳ ጉሓፍ እዩ መዕለቢኡ፡፡ ካብዚ እቲ 60 ምኢታዊት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝባኽን እዩ፡፡
ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ዝተነበሩ ዕጽዋታት ግና ትጽቢት ዘይተገበረሉ ለውጢ ኣምጺኦም ኣለዉ፡፡ ብውሑድ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ገዛ ዝባኽን ምግቢ ቀኒሱ ኣሎ፡፡
እዚ ውጽኢት ድማ ሰባት ኣብ ዝሽምትዎም ነገራትን ኣመጋግበኦምን ዝያዳ ብመደብ ምኻዶም ዝወለዶ ከምዝኾነ እቲ መጽናዕቲ ይገልጽ፡፡
ብተወሳኺ ድማ ፍሉጣት ከሸንቲ ኣመና ዘይባኽኑ ምግቢታት ኣብ ምፍላጥ ሓጊዞም እዮም፡፡
‘‘23 ሚልዮን መካይን ጽዕነት ምግቢ’’
እቲ መጽናዕቲ ቅድም ክብል ካብ ዝተገመተ ንላዕሊ ጸገም ከምዘሎ ዘርእይ ከምዝኾነ፡ ካብ ትካል ራፕ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፈ ሪቻርድ ስዋነል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
‘‘እቲ በቢዓመቱ ዝባኽን ዘሎ 923 ሚልዮን ቶን ምግቢ፡ ሓድሕደን 40 ቶን ዝስከማ 23 ሚልዮን መካይን ጽዕነት ዝመልእ እዩ፡፡ እዚአን ነንሓድሕደን ተጸጋጊዐን ንመሬት ሸውዓተ ግዘ ክዘራኣ ዝኽእላ እየን’’ ኢሉ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቅድም ክብል እቲ ጸገም ንሃፋትም ሃገራት ጥራሕ ዝምልከት ተገይሩ እዩ ዝውሰድ ነይሩ፤ ካብ ክበልዕዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ዝሽምቱ ተጠቀምቲ ዘለዉወን ስለዝኾና፡፡ ኮይኑ ግና፡ እቲ ጸገም ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ከምዘኾነ እዚ መጽናዕቲ የመላኽት፡፡
ብርግጽ እቲ መጽናዕቲ፡ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራትን ዘሎ መጠን ፍልልይ ናይ'ቲ ጸገም ኣብ ምብራህ ውሱንነት ኣለዎ፡፡
ንኣብነት እቲ መጽናዕቲ ኣብ መንጎ ‘‘ብድልየት ዝባኽንን ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ዝባኽንን’’ ምግቢ ዘሎ ኣፈላላይ ኣየቐመጠን፡፡
ካልእቲ ተሳታፊት እቲ መጽናዕቲ ማርቲና ኦቶ እውን ኣብዚ ጉዳይ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ ከምዘይገበሩ ንቢቢሲ ገሊጻ፡፡
ሓላፊ ፕሮግራም ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ኢንገር ኣንደርሰን፡ ሃገራት ኣብ 2030 መጠን ዝባኽን መግቢ ብፍርቂ ክንክያ ክጽዕራ ከምዘለወን ጸቕጢ ንምፍጣር ይፍትን ኣሎ፡፡
ብኽነት ምግቢ ንምንካይ ዝሕግዙ ነጥቢታት
· ነታ ክትምገብዋ እትኽእሉ መጠን መድብዋ፡ ነታ እትጥቀምዎ መጠን ጥራይ ዓድጉ
· መዝሓሊኹም ግቡእ ዛሕሊ ክሕልዎ ግበሩ
· መግብታት መዓዝ መዓልቶም ከምዝሓልፎም ቀዲምኩም ፍለጡ
እቲ መጽናዕቲ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ዩናይትድ ኪንግደም፡ ሓደ ማእከላይ ቤተሰብ ክምገቦ ዝኽእል ምግቢ ጥራሕ ብምሽማት ዓመታዊ ኣስታት 700 ፓውንድ ክቑጥብ ይኽእል፡፡
ክልከላታት ዝፈጠሮ ጽልዋ
ኮቪድ-19 ዝፈጠሮ ክልከላታት፡ ነቲ ክንከላኸሎ እንኽእል ብኽነት ምግቢ፡ ከመይ ምትራፍ ከምዝከኣል ኣርእዩ እዩ፡፡
ኣብ እዋን ዕጽዋ፡ እተብስሎ ምግቢ ምትላም፣ ብኣግባቡ ምቕማጥን በብእዋኑ ምስራሕን ምስ 2019 እንትነጻጸር መጠን ሰባት ዘባኽንዎ ምግቢ ብ 22 ምኢታዊት ቀኒሱ እዩ፡፡
‘‘ኣብ ገዛና ተወሲንና ምንባርና በብእዋኑ ናይ ምብሳልን ብትልሚ ናይ ምምጋብን ባህርያትና ኣማዕቢልዎ እዩ’’ ዝብል ውጽኢት መጽናዕቲ እቲ ትካል፡ ኮይኑ ግና ሰባት ናብ ንቡር ህይወቶም ምምላስ ብምጅማሮም እቲ ጸገም ክውስኽ ተኽእሎታት ኣሎ ኢሉ፡፡
ኣብዛ ብሚልዮን ቶናት ዝስፈር ምግቢ ዝድርበየላ ዘሎ ዓለም፡ ኣብ 2019 ኣስታት 690 ሚልዮን ሰባት ብጥምየት ተጠቒዖም እዮም፡፡
እዚ ለበዳ እንተብቅዕ እውን ቁጽሪ ዝጠምዩ ሰባት ብዓብዪ ክውስኽ ከምዝኽእል ይግመት፡፡




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







