ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተሰናኺሉ ከም ዘሎ ነበርቲ ገሊጾም

ብሰንኪ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተሰናኺሉ ከምዘሎ ነበርትን ኣመሓደርቲ እቲ ከባብን ንቢቢሲ ገሊጾም።

ኣብ ውሽጢ ዞባታት ቄሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ቀንዲ መገዲታት ብምዕጻዎም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስ ከም ዝተጸገሙ ነበርቲ ተዛሪቦም። ኣመሓደርቲ ድማ እቲ ጸገም ብምኽንያት ስግኣት ዝተፈጥረ'ዩ ይብሉ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እቲ ከባቢ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኩነታት ካብ ግምቢ ናብ ነጆ፣ ካብ ግምቢ ናብ ደምቢ ደሎ፣ ካብ ጊዳሚ ናብ ኣሶሳ ዝወስዱ መገዲታት ተዓጽዮም ይብሉ።

ኣዛዚ ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ መንግስቲ ኣሸባሪ ኢሉ ዝፈረጆ ፤ኦነግ ሸኔ' ኩምሳ ድሪባ [ጃል መሮ] ኣብዚ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ብርክት ዝበሉ ከባቢታትን ንኣሽቱ ከተማታትን ከም ዝተቖጻጸሩ ገሊጹ።

ኣመሓደርቲ እተን ዞባታት ብወገኖም እቲ ዝተዓጽወ መገዲ ኮነ ኣብ ትሕቲ እቶም ዕጡቓት ዝኣተወ ከባቢ የለን ኢሎም።

እቲ ምስንኻላት መጓዓዝያ ድማ እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ካብ መራሕቲ መካይን መፍትሕ እናተቐበሉ መካይን ይወስዱ ስለ ዘለው'ዩ ኢሎም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ኣቶ ኤልያስ ኡመታ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ዕጡቓት ኦነግ ሸኔ ናብ ቀንዲ መስመር መገዲ ብምእታው ካብ መራሕቲ መኪና መፍትሕ ምስ መንዝዑ ናብ ጫካ ይምለሱ ስለ ዘለው ኣብ ገለ ከባቢታት ናይ መጓዓዝያ ጸገም ተፈጢሩ'ዩ፤ እንተኾነ ሙሉእ ንሙሉእ ዝተዓጸወ መገዲ የለን ኢሉ።

ቢቢሲ ንነበርቲ ክልቲአን ዞባታት ዘዘራረበ ኮይኑ፡ ምስ ምዕጻው መገዲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ኣብ ዘሎ ስነ ስርዓት ምረቓ ተመሃሮ ክርከቡ ከም ዘይክኣሉ ገለ ስድራቤታት ተዛሪቦም።

ኣቶ ኤልያስ ግን "ዝተዓጸወ መገዲ ኣይንፈልጥን፤ ብናትና ትእዛዝ ዝተዓጸወ መገዲ የለን። ኣብ ገለ ቦታታት ጸገም ጸጥታ ስለ ዘሎ ጥራይ እዚ ስርዓት ንምትሓዝ ዝስራሕ ስራሕ ክህሉ ይኽእል እዩ። ካብዚ ወጻኢ ዝተሞናጎየ ኣገልግሎት የለን" ኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዞባታት ቄሌም ወለጋን ምዕራብ ወለጋን ሰፊሕ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከም ዝነበረ ነበርቲ ሓቢሮም።

ኣመሓዳረ ቄሌም ወለጋ ኣቶ ገመቹ ጉርሜሳ ብወገኑ ነቲ ዞባ ኣቋሪጹ ዝሓልፍ መገዲ ኣገልግሎት ዝተቋረጸሉ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ "እዞም ዕጡቓት ካብ መራሕቲ መኪና መፍትሕ ተቐቢሎም መካይን እናወሰዱ መጓዓዝያ ክተዓናቐፍ ስለ ዝገበሩ እምበር ዝተዓጽወ መገዲ የለን" ኢሉ።

ኣብ ገለ ወረዳታት እታ ዞባ ብእምንን ዕንጸይትን መገዲ ንምዕጻው ዝተገብረ ፈተነ ከም ዝነበረ ዝዛረብ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ነዚ ብምፍሻል በዚ ኣገባብ ዝተዓጸወ መገዲ ክኽፈት ገይርና ኢና ኢሉ።

ሓደ ቢቢሲ ዘዘራቦ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ስድራቤት ንምሕታት ካብ ጊዳማ ናብ ጊምቢ ከም ዝመጽአን መገዲ ብምዕጻው ናብ ከባቢኡ ክምለስ ከም ዝተጸገመ'ዩ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣሸባሪ ኢሉ ዝጽውዖ ኦመግ ሸኔ፡ ብሰሉስ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝርከቡ ቐንዲ መገዲታት ከም ዝተቐጻጸረ ብትዊተር ሓቢሩ ነይሩ።

ሓላፊ ዓለምለኻዊ ርክባት እቲ ጉጅለ ኦዳ ተርቢ ካብ ግምቢ ናብ ነጆ፣ ካብ ግምቢ ናብ ደምቢ ደሎ፣ ካብ ነቀምቴ ናብ ባህርዳር ካብ ግዳሚ ናብ ኣሶሳ ዝወስዱ መገዲታት ከም ዝተቐጻጸሩ ገሊጹ።

ካብ ነቀምት ናብ ባህርዳር ካብ ዝወስድ መገዲ ወጻኢ ካልኦት ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ከም ዝኣተው ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊጾም።