ኢትዮጵያ: ካብ ጂቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መስመር ባቡር ከምዝተዓፀወ ተገሊፁ

ካብ ጂቡቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ ቀንዲ ንግዳዊ መስመር ባቡርን ዋና መገድን ከምዝተዓፀወ ተገሊፁ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ዑመር ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ መስመር ባቡርን ዋና መገድን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ሶማሌ ንዝበፅሐ መጥቃዕቲ ብዝቃወሙ መናእሰያት እቲ ከባቢ እዩ ተዓፅዩ ኢሉ።

እቲ ዋና መስመር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጓዓዙ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር እዩ።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ምዕፃው እቲ መስመር ባቡርን ዋና መገዲ ተሽከርከርትን ኣመልኪቱ ዛጊድ ዝበሎ ነገር የለን።

እቲ ርእሰ ምምሕዳር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ናይ ጎረቤት ክልል ዓፋር ምልሻ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙን ንብረት ከምዝዓነወን ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ መዳውብቲ ክልል ዓፋርን ሶማሌን ሕቶ ይግበአኒ ኣብ ዝለዓለሉ ቦታ "ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ፡ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ" ምክትል ሓላፊ ኮምዩኒኬሽን ክልል ሶማሌ ኣይተ መሓመድ ሮብሌ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ኣብ ትሕቲ ክልል ዓፋር ኣብ ዝርከብን ብዙሓት ተወለድቲ ሶማሌ ኣብ ዝነብርሉን ከተማ "ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 300 ሰባት ተቐቲሎም" ክብል እውን ጠቒሱ።

ምዕፃው እቲ መስመር ባቡርን ኣውራ መገድን ዝገልፁ ብዙሓት ስእልታትን ተንቀሳቐስቲ ምስልታትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ እንትኾኑ፡ እቶም ስእልታት ተቓወምቲ ነቲ መስመር ባቡርን ቀንዲ መገድን ብእምንን ሓመድን ዓፅዮም የርእዩ።

ነቲ ዝተባህለ ቅትለት ዝተቓወሙ ተወለድቲ ሶማሌ፡ ነቲ መስመር ባቡር ከምዝዓፀውዎ ጸብጻባት ይገልጹ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ፡ ኣብ ጉዳይ ምዕፃው መስመር ባቡርን መገድን፡ "ምስ መናእሰይን ህዝብን ንዘራረብ ኣለና። እቲ መገድን መስመር ባቡርን ሎሚ ንክኽፈት ንሰርሕ ኣለና" ክብል ንሮይተርስ ሓፂር ናይ ፅሑፍ ምላሽ ከምዝሃበ እቲ ማዕኸን ዜና ፀብፂቡ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ምክትል ኮምዩኒኬሽን ክልል ሶማሌ ኣይተ መሓመድ ብወገኑ፡ "መጥቃዕቲ ተፈፂምሉ ዝበሎ ከተማ ገብረኢሴ ሓዊሱ፡ ከተማታት ፎናን ኣደይቱን ብክልቲአን ክልላት ናይ ይግበአኒ ሕቶ ዝለዓለለን ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መንቀሊኡ እቲ ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ክልላት ዝፀንሐ ምስሕሓብ ምዃኑ እውን ተዛሪቡ።

ኣብ ሞንጎ ክልል ዓፋርን ሶማሌን ናይ ይግበአኒ ሕቶ ኣብ ዝለዓለሎም ቦታታት ተደጋጋሚ ጎንፅታት ምውልዖም ይዝከር።

ቢቢሲ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ተወሊዑ ዝተብሃለ ሓድሽ ጎንፂ ካብ ክልል ዓፋር ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።