ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን ውግእ ከምዝነበረ ተገሊጹ

ሓይልታት ትግራይ ኣብ መዋስንቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ተዋጋእቲ ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ ተገሊጹ።

መንግስታት ፌደራልን ክልል ዓፋርን ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ ሓይልታት ትግራይ ብሸነኽ ክልል ዓፋር ተኹሲ ከም ዝኸፈቱ ገሊጾም ነይሮም።

መንግስቲ ፌደራል ብሸነኽ ዓፋር "ሰብኣዊ ሓገዝ እናተጉዓዓዘ እንከሎ ህወሓት ነቲ ከባቢ ብከቢድ ብረት ብምድብዳብ መገዲ ዓጽዩ" ክብል እንከሎ፡ መንግስቲ ክልል ዓፋር ድማ "ሓይልታት ህወሓት ያበሎ ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ወረዳ ተኹሲ ከፊቶም" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ግን ብሸነኽ ዓፋር ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ዝዋግኡ ሓይልታት ዝተወስደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ'ዩ ክብል ንማዕኸን ዜና ኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

እቲ "ውሱን ወተሃደራዊ" ስጉምቲ ዝበሎ ብሸነኽ ዓፋር ተሰሊፉ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮሞ ዒላማ ዝገበረ ከም ዝኾነ ኣረዲኡ።

"እዚ ሓይሊ ናብ ኦሮሚያ ንክምለስ ኢና ስጉምቲ ወሲድና፤ ክንገብሮ'ውን ክኢልና ኢና" ክብል ኣቶ ጌታቸው ገሊጹ።

እቲ ፍሉይ ሓይሊ ግን ተመሊሱ ድዩ ኣይተመልሰን ዝብል ብዘይሻራዊ ኣካል ኣይተጻረየን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተፈላለያ ክልላት ኢትዮጵያ ዝተወጻጽኡ ሓይልታት ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ንምውጋእ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ከም ዝኸዱ ይዝከር።

እዞም ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፎም ዘለው ሓይልታት ኦሮሚያ፣ ሶማል፣ ሲዳማ፣ ደቡብ፣ ቤንሻንጉል፣ ኣምሓራን ሃረርን እዮም።

ሓላፊ ቢሮ ድሕነትን ሰላምን ዓፋር ኣቶ ኢብራሂም ሁመድ ብቐዳም ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ዞባ ፈንቲ ረሱ ወረዳ በያሎ ኲናት ከም ዘሎ ብምግላጽ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ክልል ከብጽሑዎ ካብ ዝኽእሉ መጥቃዕቲ ህዝቢ ነብሱ ክከላኸል ኣለዎ ኢሉ።

ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ንኣቶ ኢብራሂም ሁመድ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሰብን ጉድኣት በጺሑ'ዩ ኢሉ።

መንግስቲ ፌደራል ብቐዳም ብወገን ዓፋር መግብን ካልእ ቀረባትን ዝጽዓና 60 መካይን ናብ ትግራይ ኣብ ዝኸዳሉ እዋን ሓይልታት ትግራይ ተኹሲ ብምኽፋቶም መገዲ ተዓጽዩ ክብል ከሲሱ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝኣወጆ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦ'ውን ምትንካይ ይበዝሕ ብምህላዩ ናብ ኲናት ከም ዝምለስ ሚኒስተር ጉዳይ ወጻኢ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣአንፊቱ'ዩ።