እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተስፍኡ ዘጸልመቶ ሕማም ኩሊት ዘለዎ መንእሰይ
ኣቶ ሲሳይ ተስፋዬ ክልተ ኩሊቱ ምስራሕ ጠጠው ካብ ዘብላ ሰለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ኮይኑዎ ኣሎ።
በዚ ሕማም ዓዲ ውዒል ቅድሚ ምዃኑ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እናሰርሐ ስድራኡ ካብ ምምሕዳር ሓሊፉ ካብታ ዝረኽባ ደሞዝ ዓቚሩ ሪል ስቴት ክዕድግ ክኢሉ ነይሩ።
ንሱ ከም ዝብሎ ቅድሚ 26 ዓመት ሕማም ሽኮር ጀሚሩዎ። መጠን ሽኮሩ ንምምጥጣን ከኣ ብዙሕ ነገራት ክገብር ከም ዝጸንሐ ይዛረብ።
ከምኡ ኮይኑ'ውን ናብርኡ ኣመሓይሹ ክቕጽል ተስፋ ብምግባር ሓዳር ገይሩ ክልተ ቖልዑት ወሊዱ።
ኣቶ ሲሳይ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ን14 ዓመታት ከም ዝሰርሐ ይዛረብ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ንዕረፍቲ ኢሉ ክወጽእ እንከሎ ካብቲ ዝተለመደ ሕማም ሽኮር ወጻእ ካልእ ኣይነበሮን።
ይኹን'ምበር ሓደ ዘይገመቶ ነገር ተፈጢሩ። ክልቲኡ ኩላሊቱ ካብ ጥቕሚ ወጻእ ከም ዝኾነ ብሕክምና ኣረጋጊጹ።
እቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዝረኽበሉ ስርሑ ኣቋሪጹ ዓዲ ውዒል ኮይኑ። ሽዑ ንሽዑ ሕጽበት ኩላሊት [ዲያሌሲስ] ክጅምር ስለ ዝነበሮ ግዜ ኣየጥፍአን።
እቲ ዝነበሮ ገንዘብ ጸንቂቑ እኳ እንተተጠቐመ፡ እቲ ሕማምን ሕክምንኡን ግን ከቢድ ስለ ዝኾነ ተወሳኺ ገንዘብ ኣድልዩዎ።
እታ ዝዓደጋ ናይ ሪል ስቴት ገዛ ሸይጡ ሕክምንኡ ክቕጽል እንተገበረ'ውን መሊሱ እዚ ገንዘብ ተወዲኡ፤ ስለዚ ካብ ሰባት ሓገዝ ክጽበ ተገዲዱ።
በዚ ምኽንያት ሕጽበት ኩሊት ምቁራጽ ጥራሕ ዘይኮነ ብውሑድ ገንዘብ ዝዕደጉ መድሃኒታት ክገዝእ ስለ ዘይክኣለ መድሃኒት ጠጠው ከብል ተገዲዱ ምንባሩ ይገልጽ።
"እቲ እዋን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ፤ መድሃኒት ጥራይ ዘይኮነ ዝብላዕ ክሳብ ምስኣን ዝበጻሕናሉ ግዜ ነይሩ። ዲያሌሲስ ገይረ ደኺሙኒ ክምለስ እንከለኹ ደቀይ ብጣዕሚ ይጭነቑ፤ ክርእዩኒ'ውን ይፈርሑ። እዚ ንርእሱ ካልእ ሕማም እዩ ነይሩ" ይንል ኣቶ ሲሳይ።
ኣቶ ሲሳይ ሓሚሙ ክድቅስ እንከሎ ስድራ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት በዓልቲ ቤቱ ክትሽከሞ ግድን ኮነ።
"ሰበይተይ ኩሉ ነገር ክኢላቶ ኢና ንነብር ዘለና፤ ሓሓሊፉ ክኸብደና እንከሎ ደገ ወጺኣ ለሚና ክልተ ቅርሺ ሒዛ ዝተመለሰትሉ ግዜ ኣሎ" ክብል የረድእ።
ህይወት ከምዚ እንተኸበደት'ውን ኣቶ ሲሳይ ተስፋ ኣይቖረጸን። ኩሊት ዝልግስ እንተተረኺቡ እቲ ሕክምና ኣብ ኢትዮጵያ'ውን ክወሃብ ስለ ዝኽእል ኩሊት ዝረኽብሉ መገዲ የሰላስሉ ነይሮም።
በዓልቲ ቤቱ ኩሊታ ክትልግስ ፍቓደኛ ኮይና፤ መርመራ ክትገብር ስለ ዝነበራ ኩሉ ብዘይ ዝኾነ ጸገም ወዲኣ ሓደ ነገር ትጽበ ነይራ።
እንተኾነ ሓደ ትጽቢት ዘይተገብሮ ነገር ኣጓኒፉ። ዓለም ብምልእታ ዝበድሀ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ነገራት ቐይሩዎ።
እዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎ ሕክምና መጥባሕቲ ኩሊት ጠጠው ክብል ምኽንያት ኮይኑ።
እዚ ንሲሳይን ስድራ ቤቱን ኣዝዩ ዘሰንብድ ኮይኑ።
"ብዛዕባ እቲ ቫይረስ ዝውጋዕ ኣዝዩ ዘስግእ ስለ ዝነበረ ብህይወት ከም ዘይጸንሕ ዝተረዳእኹሉ ግዜ'ዩ ነይሩ" ይብል።
ብፍላይ "ኣነ ዲያሌሲስ ኣብ ዝገብረሉ ሆስፒታል ከማይ ዝበሉ ክልተ ሰባት በቲ ቫይረስ ስለ ዝሞቱ ዓብዪ ስግኣት ነይሩኒ" ኢሉ።
ኣብዚ ግዜ ሲሳይ ኣብ ሰሙን ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ካብ ሰባት ረድኤት ሓቲቱ ዲያሌሲስ ይገብር ነይሩ፤ ግን ድማ ኩነታት ጥዕንኡ እናተዳኸመ ምምጽኡ ይዛረብ።
ወዲ 39 ዓመት ኣቶ ሲሳይ "ቅድሚ ዓመታት ብዙሕ ተስፋ ገይረ ዝሓሸ ህይወት ይብህግ ነይረ። ሕጂ ግን ኩሉ ነገር ተሪፉ ብህይወት ንምጽናሕ'ውን ተስፋይ ኣብ ኢድ ሰባት ኮይኑ" ይብል።
ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኩነታት ክገጥሞ እንከሎ ብፍላይ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መሳርሕቱ ዝነበሩ ሰባት ገንዘብ ኣዋጺኦም ከም ዝሕግዙዎ ገሊጹ።
እቲ ናይ መጀመሪያ ውላዱ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ኮይኑ ነቲ ዝመሃረሉ ቤት ትምህርቲ ክፍሊት ጠጠው ካብ ዘብል ሸሞንተ ወርሒ ኮይኑዎ ኣሎ።
"በዚ ምኽንያት ካብ ትምህርቲ ክንሰጎ ኢና ኢሎምኒ ኣለው፤ ትምህርቱ ከቋርጽ ኣብ ጫፍ በጺሑ ኣሎ። ግን እንኸፍሎ ገንዘብ ስለ ዘይብልና ግድን ትምህርቲ ከቋርጽ'ዩ" ይብል ኣቶ ሲሳይ።
ካብዚ ሓሊፉ እቲ ሕማም ሓንቲ ዓይኑ ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዘዕወራ ገሊጹ።
ድሕሪ ሕጂ ዝህልዎ ሕክምና ኣብ ታይላንድ ባንኮክ'ዩ ክኸውን። ናይ ሕክምና ወጻኢታቱ ጥራሕ ንምሽፋን 40 ሽሕ ዶላር ከም ዘድልዮ ሓበሬታ ኣለዎ።
ነዚ ዝኸውን ገንዘብ ብጎ ፈንድሚን ካልእ መገድን ክተኣኻኸበሉ'ኳ እንተጀመረ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ግን ኣዝዩ ውሑድ'ዩ።
"ሓደ ዓይነይ ሙሉእ ንሙሉእ ዓዊሩ'ዩ፤ እቲ ሕክምና ብፍጥነት እንተተኻይዱ እታ ሓንቲ ዓይነት ክትተርፍ ትኽእል እያ። እንተዘይኮይኑ ግን ንሳ'ውን ዝስእነሉ ዕድል ክፍጠር እዩ" ብምባል ኩነታት ጥዕንኡ ኣብ ዘስግእ ደረጃ ምብጽሑ ይዛረብ።
ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት መርመራ ገይሩ እንተዝነብር ኣብዚ ደረጃ ዘይክበጽሕ ነይረ'የ ዝብል ኣቶ ሲሳይ ዝኾነ ሰብ መርመራ ንምግባር ክሳብ ዝሓምም ክጸንሕ የብሉን ዝብል ማዕዳ ኣለዎ።