ጥዕና፡ ሕማም ኩሊት መርሚሩ ውጽኢቱ ዘፍልጥ መተግበሪ [ኣፕ]

እዚ መተግበሪ [ኣፕ] ተንቀሳቓሲ ስልኪ፡ ሰባት ኩሊቶም ጥአዕይቲ ትኹን ሕምምቲ ብቐሊሉ ክፈልተዑ የኽእሎም።

ሰብ ሞያ ሕክምና፡ ኣብ ውሽጢ ደቓይቕ ኣገልግሎት ሕክምና ክንህብ ሓጊዙና ብምባል፡ "መድሕን ህይወት" ዝብል ሽም ሂቦምዎ ኣለው።

ሕማም ኩሊት ብዝተፈላለየ ምኽንያት'ዩ ዘጋጥም። እቲ ሓደ ምስ ደም ዝተሓሓዝ ኮይኑ፡ ብውሑድ ካብ ሓሙሽተ ሰባት እቲ ሓደ በዚ ሕማም ከም ዝጥቃዕ ይግለጽ።

እዚ ሕማም ዝበዝሕ ግዜ ንሰብ ጸጋ ዕድመ ዘጥቅዕ ኮይኑ፡ ብእዋኑ ሕክምናዊ ረድኤት እንተዘይተረኺቡ ሓደግኡ ቀሊል ኣይኮነን።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ጥራሕ፡ በብዓመቱ 100 ሽሕ ዝጽግዑ ሰባት በዚ ሕማም ይሞቱ። እዚ ሓድሽ መተግበሪ ሞባይል፡ ቅድሚ ሕጂ ሰዓታት ዝወስድ ዝነበረ ምርመራ ሕማም ኩሊት ኣብ ውሽጢ 14 ደቓይቕ ክካየድ ሓጊዙ ኣሎ።

'ስትሪምስ' ዝተብሃለ እዚ መተግበሪ፡ መጠን ኣብ ኩሊት ደቂ ሰባት ዘሎ ዘየድሊ ርስሓት ፈሊዩ ንሰብ ሞያ ሕክምና የፍልጥ። ሰብ ሞያ ሕክምና ድማ በቲ መተግበሪ ኣቢሉ ውጽኢት እቲ ምርመራ ይበሕጾም።

እዚ መተግበሪ ዝተጠቐሙ ሆስፒታላት፡ ናይ ሕክምና ወጻኢ ኣዝዩ እናነከየ ምምጽኡ ይዛረቡ።

ነርስ ሜሪ ኤመርሰን እዚ መተግበሪ ኣብ ስርሓ ልዑል ውጽኢት ከም ዘምጽአ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

"ካብ ዝኾነ ከባቢ ዝመጽኡ መልእኽታት ኣብ ውሽጢ ሆስፒታል ኾይንካ ክትፈልጥ ምኽኣል ዝገርም ነገር'ዩ"።

ሕማም ኩሊት፡ ቀልጢፉ ሕክምና እንተዘይተገይርሉ ክሳብ ሞት ከብጽሕ ዝኽእል ሕማም'ዩ።