መረጻ ኢትዮጵያ 2021፡ ሎሚ ድምጺ ዝወሃበሎም ቦታታት ከም ዘለው ተገሊጹ

ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ሎሚ ካብ ረፋድ ሰዓት 5፡00 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ድምጺ ዝሀዋቦም ቦታታት ከም ዘለው ኣፍሊጡ።

እቲ ቦርድ ትማሊ ምሸት ሰዓት 5፡00 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓሙሽቲኦም ኣባላት እቲ ቦርድ ተረኺቦም ነይሮም።

ኣካቢት እቲ ቦርድ ብርቱኳን ሚደቅሳ እቲ ትማሊ ክካየድ ዝወዓለ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ "ብኸፊል ብጣዕሚ ጽቡቕ ነይሩ" ኢላ።

እቲ ድምጺ ምሃብ ክሳብ ምሸት ሰዓት ሰለስተ ክናዋሕ ከም ዝተገብረ ክትገልጽ እንከላ፡ ሰዓት ከይተናውሐ ስነ ስርዓት ድምጺ ምሃብ ከካይዱ ናይ ዝኽኣሉ ነቑጣታት መረጻ ድምጺ ክቑጸር ከም ዝጀመረ ሓቢራ።

ትማሊ፡ ካብ ክልላት ትግራይ፣ ሶማልን ሃረርን ወጻእ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እታ ሃገር መረጻ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።

ኣብ ክልላት ሶማልን ሃረርን 1 ጳጉሜን 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] መረጻ ከም ዝካየድ ሓበሬታ እቲ ቦርድ የመልክት።

ኣብ ትግራይ ግን ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን እቲ መረጻ ንዘይተወሰነ እዋን ኣይካየድን።

ኣብዚ መረጻ ልዕሊ 37 ሚሊየን ሰባትን 47 ውድባት ፖለቲካን ክምዝገቡ እንከለው፡ እቲ መረጻ ምሸት ሰዓት 3፡00 ምስ ተወድአ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ መረጻ ንምዕዛብ ልዕሊ 40 ሽሕ ካብ ውሽጢ ሃገር፡ ልዕሊ 200 ካብ ሃገር ወጻእ ዝተወጻጽኡ ተዓዘብቲ ከም ዝተሳተፉ ይግለጽ።

ኣባላት ቦርድ መረጻ እቶ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ከም ዝተዓዘቡ ክገልጹ እንከለው፡ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ዘሳተፈ'ዩ ነይሩ ኢሎም።

እቶም ተዓዘብቲ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ኣፈናዊ ጸብጻብ ከቕርቡ ትጽቢት ይግበር።

ጸገም ጸጥታ

ኣካቢት ቦርድ መረጻ ብርቱኳን ሚደቅሳ ትማሊ መረጻ ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ዘጋጠመ ጸገም ጸጥታ የለን ኢላ።

ፖሊስ ፌደራል ብወገኑ እቲ መረጻ ብሰላም ከም ዝተዛዘመ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ገለ ነቑጣታት መረጻ ዘይተዓጠቑ ሰባት ንሓድሕዶም ተጋጭዮም መረጻ ዝተቛረጸሉ ኣጋጣሚ ከም ዝነበረ ብርቱኳን ጠቒሳ።

እዚ ኣብ ክልል መረጻ ጎንጪ ኣብ ዝርከብ ሓደ ነቑጣ መረጻ ኣመሓደርቲ እቲ ኸባቢ ኣትዮም ኣይንወጽእን ምባሎም ስግኣት ፈጢሩ፡ ሓደ ፈጻሚ ቦርድ መረጻ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ክኢሉ'ዩ። እዚ ድማ ዝምልከቶ ኣካል ክፈልጦ ገይርና ኢና ክትብል ኣብሪሃ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ ፈጸምቲ መረጻ ስግኣት ሓዲሩዎም ዘይተኸፈቱ ቦታታት ከም ዝነበሩ ተዛሪባ።

ብተወሳኺ ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ዘይተኸፈቱ ነቑጣታት መረጻ ከም ዘለው ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ምዕራብ ሸዋ ክልል መረጻ ኖኖ ኣብ ዝርከባ ክልተ ነቑጣታት መረጻ ዕጡቓት ዕግርግር ብምፍጣሮም እቲ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ተሓቢሩ።

"ካብዚ ወጻእ ግን እዚ'ዩ ዝብሃል ጸገም ጸጥታ የለን" ኢላ።

ሕጽረት መድመጺ ወረቐት

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጽረት መድመጺ ወረቐት ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ዝገለጸት እታ ኣካቢት፡ ነዚ ዝምጥን መአረምታ ስጉምቲ ከም ዝተወስደ ተዛሪባ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ጋምቤላን ሲዳማን ሕጽረት ናውትታት ከም ዘጋጠመ ሓቢራ።

ኣብ ሲዳማ፡ እቶም ድምጺ መውሃቢ ወረቓቕቲ በዓል ሓደ ሚኢቲ ኮይኖም ክዕሸጉ እናተገብአ በዓል 50 ኮይኖም ስለ ዝተዓሸጉ ዘጋጠመ ሕጽረት'ዩ ዝበለት ወይዘሪት ብርቱኳን ኣብ 19 ክልላት መረጻ 50 ሚኢታዊት ሕጽረት ከም ዘጋጠመ ተዛሪባ።

በዚ ምኽንያት ኣብቲ ክልል ኣብ ኩሎም ክልላት መረጻ ዝነበረ መስርሕ ድምጺ ተቛሪጹ'ዩ ኢላ።

እዚ ጸገም ንምፍታሕ ዘድሊ ሰነድ ን19 ክልላት መረጻ ክበጽሐን ከም ዝተገብረ ከኣ ኣረዲኣ።

እንተኾነ እዚ ናብተን ነቑጣታት መረጻ ንምብጻሕ ጸገም ትሕተ ቕርጽን ራሕቕን ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር እቲ ቦርድ ብመሰረት ኣዋጅ መረጻ 1,162 እቲ መረጻ ክቋረጽ ብምግባር ሎሚ ረፋድ ሰዓት 5፡00 ጀሚሩ ኣብቲ ክልል መረጻ ከም ዝካየድ ኣመልኪታ።

ኣዋጅ መረጻ 1,162፡ ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾነ ነገር እንተኣጋጢሙ እቲ መረጻ ንግዝኡ ብምቁራጽ ኩነታት ክመቻቻእ እንከሎ ግዜ ሂብካ እቲ መረጻ ክቕጽል ከም ዝክኣል ይድንግግ።

ኣብ ክልል ጋምቤላ ድማ፡ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት መረጻ ሕጽረት ድምጺ መውሃቢ ወረቐት ኣጋጢሙ ነይሩ።

ኣብዞም ክልላት መረጻ ብተመሳሳሊ ሕጽረት ናውትታት መረጻ ኣጋጢሙ እቲ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ተቛሪጹ ከም ዝነበረ ዝጠቐሰት ወይዘሪት ብርቱኳን፡ ዝቕጽል ውሳነ እቲ ቦርድ ከም ዘፍልጥ ሓቢራ።

ኣብ ጋምቤላ ዘለዋ ካልኦት ክልላት መረጻ ግን ድምጺ ምሃብ ዛዚመን ክቐጽራ ከም ዝጀመራ ገሊጻ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ተመሳሳሊ ሕጽረት ዘጋጠመ ኮይኑ እቲ መረጻ ተቛሪጹ'ዩ።

እታ ኣካቢት ኣብዚ ጉዳይ ንዘጋጠሙ ጸገማት ንህዝቢ ይቕሬታ ንሓትት ኢላ።

እቲ ቦርድ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ውጽኢት ነቑጣታት መረጻ ምግላጽ ከም ዝጅምር'ኳ እንተተገለጸ፡ ክልላት መረጻ ክሳብ ሓሙሽተ መዓልቲ ግዜ ከም ዘድልየን ሓቢሩ።