እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኢትዮጵያ 2021፡ ኣብ ሞንጎ ጎንጺ ዝካየድ ዘሎ ፈላማይ ውድድር መረጻ ኣብዪ ኣሕመድ
ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዝርኣይ ምትፍናን ኣብ ዝበርትዐሉን ኣብ ትግራይ ደማዊ ኲናት ይካየድ ኣብ ዘለወሉን እዋን፡ ኣብ ኢትዮጵያ መረጻ ይካየድ ኣሎ።
እቲ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተናውሐ መረጻ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንፈለማ እዋን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ መረጻ እዩ።
ኣብዪ ነቲ 547 መናብር ዘለውዎ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ብዝለዓለ ድምጺ ብምዕዋት መሪሕነቱ ከረጋግጽ ተስፋ ይገብር።
እዚ መረጻ ግን ኣብ ትግራይ ንግዝኡ ኣይካየድን፤ ኣብቲ ክልል ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ተዋጋእቲ ሓይልታት ኣብ ጎንጺ ተጸሚዶም ኣለው።
ኣብ ገለ ከባቢታት እታ ሃገር'ውን ብምኽንያት ስግኣት ጸጥታን ጸገማት ሎጀስቲክን መረጻ ዝካየደሉ እዋን ተናዊሑ'ዩ።
ብመሰረት እቲ ሕጂ ዘሎ መርሃ ግብሪ፡ ኣፈናዊ ውጽኢት መረጻ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት ክግለጽ ትጽበት ይግበር።
ናይ መወዳእታ ውጽኢት ከኣ ኣብ ውሽጢ 23 መዓልታት ወግዓዊ ክኸውን ትጽቢት ይግበር።
እዚ መረጻ ስለ ምንታይ ኣገዳሲ ኮይኑ?
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ክመጽእ እንከሎ፡ ኣቦ መንበር ናይቲ ሽዑ እዋን ዝነበረ ልፍንቲ ኢህወዴግ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ዝኾነ ዓይነት ንሕንሕ ኣይገጠሞን። ኣንጻር: ህወሓት ዝምእዝኖ መንግስቲ ብዝነበረ ብርቱዕ ተቓውሞ ናብ ስልጣን ከም ዝደየበ ይፍለጥ።
ድሕሪኡ ነቲ ግንባር ብምፍራስ ሓድሽ ሰልፊ [ብልጽግና] ብምምስራት ሓደ ጥሙር ሰልፊ ክኸውን ክገብር እንከሎ፡ ህወሓት ናብዚ ሓድሽ ሰልፊ ንምእታው ተሓሲሙ።
ኣብዪ ኣሕመድ ዝመርሖ ሰልፊ ብዓብላሊ ድምጺ እንተተዓዊቱ፡ መሪሕነቱ ክዕቅብ'ዩ። እቲ መረጻ "ፈላማይ ናጻን ፍትሓውን መረጻ" ከም ዝኾነ'ውን ይዛረብ።
ናይ ለውጢ መራሒ ኮይኑ ብ2019 ሽልማት ኖቤል ሰላም'ኳ እንተተዓወተ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ግን ኣብ ትግራይ ምስ ዝነበረ መሪሕነት ህወሓት ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣትዩ ይርከብ።
ብምኽንያት እዚ ጎንጺ ኣሽሓት ተቐቲሎም፤ ብዙሓት'ውን ብጥምየትን ዓጸቦን ከይሞቱ ይስጋእ ኣሎ።
ተቓወምቲ እንታይ ይብሉ?
ልዕሊ 40 ሰልፊታት ኣብቲ መረጻ ከም ዝሳተፉ ቦርድ መረጻ ክገልጽ እንከሎ፡ መብዛሕትኦም ሃገራውያን ዘይኮኑ ናይ ክልላት ፖለቲካዊ ውድባት ከም ዝኾኑ ይሕብር።
ተቓወምቲ ውድባት መንግስቲ ንመራሕትና ኣሲሩ'ዩ ብምባል ይነቕፉዎ።
ኣብ ገለ ክልላት ክወዳደሩ ተመዝጊቦም ዝነበሩ'ውን እንተኾኑ ካብቲ መረጻ ወጺኦም'ዮም።
ግንባር ሓርነት ኦሮሞ መንግስቲ ኣብቲ መረጻ ኢዱ የእትው ኣሎ ብምባል ኣብ ወርሒ መጋቢት ካብቲ መረጻ ከም ዝወጽአ ይዝከር።
ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ዝነበረ ህወሓት'ውን ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ መዝገብ ግበረ ሽበራ ክሰፍር ተገይሩ።
ገለ ኣመራርሓ እቲ ውድብ ኣብ ቀይዲ ክኣትው እንከለው፡ ገሊኦም ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ይመርሑ ኣለው።
ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘሎ ግጭትን ኲናት ትግራይን ነቲ መረጻ ከውሊ ኮይኖምዎ ኣለው።
ግን ድማ ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር መረጻ ኣብ እዋኑ ክካየድ ስለ ዝእዝዝ፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኮይንካ መረጻ ክካየድ ኣለዎ።
ድምጺ ኣብ ኩሉ ድዩ ዝወሃብ ዘሎ?
ሰብ መዚ ቦርድ መረጻ ካብቶም ድምጾም ክህቡ ትጽቢት ዝተገበረሎም 50 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ልዕሊ 37 ሚሊየን ከም ዝተመዝገቡ ይገልጹ።
ብደረጃ ሃገር ውድድር ክካየድ ትጽቢት ዝግበር'ኳ እንተኾነ ኣብታ ሃገር ካብ ዘለው 547 ክልላት መረጻ ኣብ ሓደ ሕምሺት ዝኾኑ፡ እቶም 38 ኣብ ትግራይን ካልኦት 64 ኣብ መላእ ኢትዮጵያ: መብዛሕትኦም ዝዘንግዑ ምርጫታት ሽዱሽተ መስከረም ክካየዱ ከለው፡ እቲ ናይ ትግራይ መረጻ ግን መዓዝ ከም ዝካየድ ኣይተፈለጠን።
ኣብ ሚያዚያ ሰብ መዚ ሕብረት ኤውሮጳ ኢትዮጵያ ናጻ ነቲ መረጻ ዝዕዘብ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ናይ ኮምዩኒኬሽን ናውታት ሒዙ ክኣቱ ኣየፍቀደትሉን ብዝብል ተዓዛቢ መረጻ ከም ዘይልእኹ ክገልጹ ከለው፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ናይ ደገ ተዓዘብቲ "ኣገዳስነትን ተኣማንነትን እቲ መረጻ ንክውስኑ ኣገዳሲ ኣይኮነን" ዝብል ምላሽ ሂቡሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ዓሌታዊ ጎንጺ ክውስኹ እንከለው፡ እዚ ኣብ መስርሕ እቲ መረጻ ጸቕጢ ከየሕድር ይስጋእ።
ካብ ትግራይ ብወተሳኺ: ሓይልታት መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ስጉምቲ ይወስዱ ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣብ ምዕራብ ቤንሻንጉል ጉሙዝ ብምኽንያት ዋንነት መሬትን ሃብቲ ተፈጥሮን ዝለዓል ግጭት ምኽንያት ሞት ብዙሓት ኮይኑ'ዩ።
ኣብዪ ኣሕመድ እዞም ስግኣታት ኣብቲ መረጻ ዘሕድሩዎ ጸቕጢ ከም ዘየለ ብምግላጽ ናጻን ፍትሓውን መረጻ ክካየድ እዩ ይብል።
"ዓለም ኣብ መዓልቲ መረጻ ክብኣሱ'ዮም ክትብለና እንከላ፡ ንሕና ግን ከነምህራ ኢና" ክብል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተዛሪቡ ነይሩ።