እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ ኢትዮጵያ 2021፡ 185 ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ድምጺ ዝህባላ ደሴት ጣና
ደሴት ጣና፡ ካብ ባህርዳር ክሳብ ጎርጎራ ዝበጽሕ 3,673 ትርብዒት ኪሎ ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ከባቢ'ዩ።
ካብ ሰሜን ንደቡብ 104 ኪሎ ሜትር፤ ካብ ምብራቕ ንምዕራብ ድማ 66 ኪሎ ሜትር ንውሓት ኣለዎ።
ካብ ባህርዳር ርሕቕ ኢሉ ዝርከብ ደሴት ደቅ ብግምት ክሳብ 14 ሽሕ ሰባት ይነብርሉ። እዚ ዓብዪ ደሴት ኮይኑ ሕርሻ ብሰፊሑ ኣሎ።
እዚ ደሴት ኣብ ውሽጡ ሸውዓተ ኣድባራት ኣለውዎ። በዚ ምኽንያት 'ሃገር ሸውዓተ ደርቢ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ደሴት ደቅ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ ሰለስተ ነቑጣታት መረጻ ተዳልዩሎ'ሎ። ደቅ 01ሀ፣ ደቅ 01ለን ደቅ 02ለን ይብሃሉ።
ብዝኾነ ደቅ ርሑቕ ስለ ዝኾነ ንግደፎ፤ ኣብ ጣና ካልኦት 37 ደሴታት ኣለዋ'የን። እዚ ነተን ሓውሲ ደሴታት ሓዊሱ ማለት'ዩ።
እታ ኣብ ቀረባ እትርከብ ደሴት ደብረማርያም ኮይና ብጃልባ 15 ደቓይቕ ትወስድ።
ብጀልባ ክትሓልፍ ከለኻ ደሴታት ክብራን ገብርኤልን እንጦስን ትረክብ፤ ጎረባብቲ እየን።
ክብራን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ገዳም ኮይኑ፡ እንጦስ ድማ ናይ ደቂ ኣንስትዮ'ዩ።
ደሴታታት ጣና 'ሓድነትን ማሕበራውን' ደሴታት ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይምቀሉ።
እቶም ደሴታት ሓድነት ዝብሃሉ ናይ መንፈሳዊ ስለ ዝኾኑ ከም መረጻ ዝኣመሰለ ዓለማዊ ነገራት ኣይካየደሎምን። ክብራን ገብርኤልን እንጦስን ኣብዚ ይምደቡ።
ዘጌን ደቅን ግን ብዙሓት ኣድባራት እንተሃለውዎም'ውን እቲ ዓለማዊ ሕብረሰተብ ዝነብረሎም ደሴታት እዮም። ስለዚ ነቑጣ መረጻ ተዳልዩሎም ኣሎ።
ንምንታይ ድኣ'ሞ ናብ ደሴት ዘጌ ዘይንወስደኩም?
ብጀልባ ካብ ገምገም ጣና ናብ ዘጌ ንምብጻሕ ሓደ ሰዓት ይወስድ።
ኣብ ውሽጡ ሸውዓተ ጥንታዊ ኣብያተ ክርስቲያን ኣለው። ዘጌ ጊዮርጊስን ኡራ ኪዳነ ምህረትን ግን ዚያዳ ዝፍለጡ'ዮም።
ደሴት ዘጌን መረጻን
ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር፡ ሰለስተ ክልላት መረጻ ኣለው። ካብዚኦም እቲ ኣብ ገዳማት ዘጌ ዝርከብ መሸንቲ ዝብሃል ክልል መረጻ ሓደ'ዩ።
ኣብዚ ሰለስተ ጣብያታት ኣለዋ፤ ክልቲአን ሓዉሲ ደሴታት ኮይን ኡራን ይጋንድን ይብሃላ። እቲ ሳልሳይ ግን መሬት ኮይኑ ቀበሌ 01 ተባሂሉ ይጽዋዕ። ከተማ'ውን እዩ። ምስ ባህርዳር ብመሬት ዝራኸብ ስለ ዝኾነ ሕጂ መገዲ ይስርሐሉ ኣሎ።
ኣብ ዘጌ ኡራ ክልተ ጣብያታት መረጻ ተዳልዮም ኣለው፤ ኡራ 01 ሀን ኡራ 01 ለን።
ኣብ ኡራ 01 ሀ ዝረኸብናያ በለጠች ኣተሓባባሪት መረጻ'ያ። ንኡሽቶ ድንኳን ዘርጊሓ ናውታት መረጻ ክሳብ ዝበጽሓ እናተጸበየት ረኺብናያ። "ሕጂ ክበጽሕ'ዩ ስለ ዝበሉኒ ይጽበ ኣለኹ" ኢላ።
እቶም ነበርቲ ግን ከመይ ኢሉ ጋዜጠኛ ናብዚ ከባቢ ይመጽእ ኢሎም ስምዒቶም ዝተለዋወጠ ይመስል።
"ቪድዮ ምቕራጽ ዝተኸልከለ'ዩ" ተባሂልና። ስለ ዝኾነ ድማ "ኣሕዋተይ ይትረፍኩም" ኢላ ኣጠንቂቓትና።
ግን ድማ ቁሩብ ለማሚንና ኣብታ ደሴት ካርዲ መረጻ ዝወሰዱ ብፍላይ ድማ ንሳ ኣብ እትመርሖ ኡራ 01 ሀ ዘሎ ብዝሒ መረጽቲ ክትነግረና ሓቲትናያ።
ኣብታ ደሴት ዝወዳደሩ ፖለቲካዊ ውድባት'ውን ሓቲትናያ። ብዙሕ ኣይትፈልጦምን።
ዘዘራረብናዮም ነበርቲ'ውን ናብታ ደሴት መጺኡ ጎስጓስ መረጻ ዘካየደ'ዶ ኣሎ ኢልና እንተሓተትናዮም፡ ዋላ ሓደ ዝነግረና ስኢንና።
ኣብ ገረብ ዝተለጠፈ መወዓውዒ ኣሊሽና'ውን ክንረክብ ኣይኽኣልናን። ንኣመሉ'ውን ኣይተረኸበን።
መወዳእትኡ እታ ሓላፊት እቲ ነቑጣ መረጻ ፍርሕ ትብዕ እናበለት ኣዘዋ ማርያም፣ ኡራ ኪዳነ ምህረትን ዋሻ መድሃኒኣለምን ዝብሃላ ሰለስተ መረጻ ዝካየደለን ቦታታት ኣለዋ ትብለና።
ብድምር 579 መረጽቲ ኣለው። ኣመስጊንና ተሰናቢትናያ።
ቐጺልና ኣብ ዘጌ ኡራ ናብ ዝርከብ ካልእ ነቑጣ መረጻ ኢና ከይድና። ኣብቲ ቦታ ሕልፍ ሕልፍ ኢለን ዝርኣያ ሽዱሽተ ዝኾና ባጃጃት ርኢና።
እንተጸዋዕናዮም ግን ኣብ ስራሕ ኢና ኢሎም ስለ ዝኣበዩና ብእግርና ናብ ነቑጣ መረጸዓ ኡራ 01 ለ ከይድና።
ብጸቢብ መገዲ ሓሊፍና ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ናብ ኡራ 01 ለ በጺሕና። ነበርቲ እክብ ኢሎም ቡን ከፍልሑ ረኺብናዮም። ንኡሽቶ ድንኳን መረጻ እውን ኣላ።
ሙሉኣለም ዳምጤ ኣካያዲት ስራሕ ቀበሌ ኡራ'ያ።
ነበርቲ እዛ ደሴት ሎሚንን ቡን ብምሻጥ ከም ዝመሓደሩ፣ ኣብ ዘጌ 'ኮከል' ዝብሃል ብጣዕሙ ዝፍለ ቡን ከም ዘሎ ነጊራትና። ዓደስን ጌሶን'ውን ኣብታ ደሴት ዝሽየጡ'ዮም።
ብዝሒ ህዝቢ እዛ ጣብያ ክንደይ'ዩ? ኢልና ሓቲትና። "ቖልዓን ዓብዪን ተቖጺሩ 2,734 ጥራሕ ኢና" ኢላ።
ዕድሚኦም ንመረጻ ዝኣኸለን ካርዲ መረጻ ዝወሰዱን ብድምሩ 323 እዮም።
ካብዚኦም እቶም 138 ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም እተን 185 ደቂ ኣንስትዮ'የን።
ሓላፊ ነቑጣ መረጻ ዘጌ ኡራ መንእሰይ መልካሙ ይብሃል።
እቶም 323 መረጽቲ ኣብቲ ሎሚ ሰዓት 12፡00 ዝጀመረ መረጻ ድምጾም ንምሃብ ሰዓታት'ውን ኣይውድአሎምን።
መልካሙ ግን "ዋላ'ውን ብዝሒ መረጽቲ ንኡሽቶ እንተኾነ ብመሰረት እቲ ሕጊ ኢና ንሰርሕ፤ ስለ ዝኾነ ድማ ክሳብ ምሸት ሰዓት 12፡00 ክንጸንሕ ኢና" ኢሉ።
ጸገም ጸጥታ ከየጋጥም ስግኣት ኣለኩም'ዶ? ቐጻሊ ሕቶና ነይሩ።
"ፈጺሙ! ገዳም ኣብ ዘለዎ ደሴት ኢና ዘለና። መብዛሕትኡ ነባሪ ከኣ ፊደል ዝቐጸረን መንፈሳውን'ዩ። ሰላማዊ ከባቢ'ውን ስለ ዝኾነ ዝኾነ ስግኣት የብልናን" ኢሉ።