እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ሶርያ፡ ብዓሰርተታት ሽሕ ዝቑጸሩ እሱራት ደሃዮም ከምዝጠፍአ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ
ንዓሰርተ ዓመት ኣብ ዝዘለቐ ኲናት ሶርያ ብኣልማሚት ዝተኣሰሩ ብዓሰርተታት ሽሕ ዝቑጸሩ ሰባት ዛጊት ኣብ ዝኣተውዎ ከምዘይተፈለጠ መርመርቲ ውድብሕቡራት ሃገራት ገሊፆም፡፡
ካልኦት ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተሳቕዮም ወይ ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ እውን ኣብቲ እቶም ተዋጋእቲ ሓይሊታት ገበናት ኲናትን ገበን ኣንፃር ሰብኣዊነትን ከምዝፈጸሙ ዝኸሰስ ፀብፃብ ተገሊፁ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ጎንፂ ኣብ ልዕሊ ኣብ ክሊ ዕድመ 11 ዝርከቡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተፈጸመ ጾታዊ ዓመፅ ሓዊሱ ‘‘ ክተሓስቦ ዝኸብድ ስቓይ’’ ከምዝተፀመ መሰኻኻር ዓይኒ ይዛረቡ፡፡
መንግስቲ በሽር ኣልዓሳድ፡ ኣብ 2011 ኣኣ ኣብታ ሃገር ንዝተልዓለ ሰላማዊ ተቓውሞ ብሓይሊ ደው ንምባል ስጉምቲ ምውሳዱ ስዒቡ ብዝተወለዐ ጎንፂ ሶርያ ናብ ዓዘቕቲ ኲናት ኣትያ፡፡
በቲ ደማዊ ኲናት ብውሑድ 380 ሽሕ ሰባት እንትሞቱ፤ ነታ ሃገር ገዲፎም ዝተሰደዱ ኣስታት 6 ሚልዮን ሓዊሱ ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ፡፡
ውጽኢት እቲ ብካውንስል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶርያ ዝተገብረ ምርመራ፡ ንልዕሊ 2650 ሰባት ቃለመሕተት ብምክያድን ኣብ ልዕሊ 100 ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝገበረ መፅናዕትን ዝተምረተ እዩ፡፡
ሓይልታ መንግስቲ ተቓወምቲ፣ ጋዜጠኛታት፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሰላማዊ ሰልፈኛታትን ብኣልማሚት ከምዝኣሰሩ ዝገልጽ ኣቦመንበር እቲ ኮምሽን ፓውሎ ፒንሄሮ፡ ‘‘ዕጡቓት ጉጅለታት፣ ሕቡራት ሃገራት ኣሸበርቲ ኢሉ ዝሰየሞም ከም ሓያት ታህሪር ኣልሻምን ኢስላሚክ እስቴትን ዝተባህሉ ጉጅለታት እውን ነጻነት ሰባት ምግሃስን ኣረሜናዊ ጥሕሰት ምፍጻምን ጀሚሮም’’ ይብል፡፡
ገለ እሱራት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ንኣዋርሕ ብርሃን ጸሓይ ኣብዘይርእዩሉን ዝተጨናነቐን ክፍሊታት ከምዝተኣሰሩን ጽሬቱ ዘይተሓለወ ምግብን ማይን ክሰትዩ ከምዝተገደዱን ግልጋሎት ሕክምና ከምዝተኸልከሉን ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስቅያት ከምዝተፈጸሞም ካብ ዝሓበሩ ሰባት ድማ ናይ እምነት ቃል ንክህቡ ከም ናይ ኤሌክትሪክ፣ ሓዊ ምቅጻል፣ ጽፍሪ ምንቃልን ኣሲርካ ምንጥልጣልን ዝኣመሰሉ 20 ዝአኽሉ መሳቐዪ መገዲታት ከምዝተፈጸሞም ገሊጾም፡፡
‘‘ ቀጥቂጦምኒ፤ እቲ መርማሪ ድማ ‘ ኣብዚ ክንቀትለካ ንኽእል ኢና፡፡ ዝርእየካ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ የለን፡፡’ ኢሉኒ’’ ይብል ካብቶም ቃሎም ዝሃቡ ብሓይሊታት መንግስቲ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሓደ፡፡
ካልኦት ድማ በቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸሞም ማህረምትን ስቅያትን ንኣካላውን ስነ ልቦናውን ጸገም ከምዝተቓልዑ ገሊጾም፡፡
ኣብ ቤት ማእሰርቲ፡ መግረፍትን ጾታዊ ዓመጽን ከምዝተፈጸማ እትገልጽ ካልእቲ ሰበይቲ ድማ ‘‘ ብዘይ መቐበሊ ጽግያ (ዳይፐር) ክነብር ኣይክእልን፤ ኣብ ሙሉእ ኣካላተይ ቃንዛ ይስመዐኒ፡፡ ተስፋ እውን የብለይን፤ ህይወተይ ተበላሽዩ እዩ’’ ብምባል ቃላ ሂባ፡፡
እቶም ዕጡቓት ጉጅለታት እውን መሰል መግሃስቲ ከምዝፈጸሙ ዝሕብር እቲ ጸብጻብ፡ ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ጥራዮም ክወጹ ብምግባር ኣብ ብልዕቶም ብኤሌክትሪክ ክሳቐዩ ከምዝተገበረን ጾታዎ ዓመጽ ከምዝተፈጸሞምን ምግላጾም ይሕብር፡፡
ብተወሳኺ እሱራት ብዘይ ቅኑዕ ስርዓተ ፍትሒ ከምዝተቐተሉ ሓበሬታ ምርካቦም መርምርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጹ፡፡
ቁጽሪ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞቱ ሰባት ብትኽክል ዝፍለጥኳ እንተዘይኮነ፡ ብዓሰርተታ ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ግን ኣብ ቀይዲ ሓይሊታት መንግስቲ ከምዝተቐተሉ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ኣሎ፡፡
መንግስቲ ሶርያን ሓያት ታህሪር ኣልሻም ዝተባህለ ጉጅለን ነቲ ንእሱራት ኣሳቕዮም ዝብል ጸብጻብ ነጺጎምዎ፡፡