ኣመሪካዊ ኣገልጋሊ ኣብ ልዕሊ ዘኽታማት ቆልዑ ብዝፈጸሞ ጾታዊ ዓመጽ ን15 ማእሰርቲ ተፈሪዱ

ሓደ ኣመሪካዊ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሓደ ዘኽታማት ዝእለዩሉ ማእከል ዝነበራ ትሕቲ ዕድመ ኣዋልድ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ንልዕሊ 15 ማእሰርቲ ተፈሪዱ።

እቲ ናይ ክርስትያን ኣገልጋሊ ምዃኑ ዝተገልጸ ግረጎሪ ዳው፡ ኣብ 2008 ምስ ብዓልቲ ቤቱ ብምትሕብባር ነቲ እንዳ ዘኽታማት ከምዝመስረቶ ይፍለጥ።

"ግረጎሪ ዳው፡ እቲ ብምሳሌነት ዝግለጽ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ቶኽላ'ዩ" ክብል ኣባል ክፍሊ መርመራ ፈደራል ኣመሪካ፡ ማይክል ድሪስኮል ገሊጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዳው፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ኣብ ኣመሪካ ዝተመስረተ ኣርባዕተ ክስታት ሕቡእ ጾታዊ ርክብ ምስ ቆልዑ ከምዝወዓሎ ተኣሚኑ ነይሩ።

እቲ ማሕድሮ ዘኽታማት ብኸፊል ብገለ ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለሃገር ፐንሰልቫንያ፡ ዝርከባ ኣብያተ-ክርስትያን ይምወል ምንባሩን፡ ዳው ኣብ 2017 ካብ ኬንያ ክሳብ ዝሃድም ን10 ዓመታት ዝሰርሐ ምዃኑን ተፈሊጡ።

ክፍሊ መርመራ ገበናት ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ብዛዕባ ኩነታት ናይቲ ገበናት ሓበሬታ ድሕሪ ምርካቡ'ዩ ዳው ኣብ 2019 ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ዋሽንግቶን ፓስት ዝተባህለ ፍሉጥ ኣመሪካዊ ጋዜጣ ከምዝጸሓፎ፡ እቲ ሓበሬታ ካብ ሓንቲ ኣብ ኣመሪካ እትነብር ኬንያዊት ከምዝተረኽበን፡ ንሳ ኣብ ከባቢ ናይቲ እንዳ ዘኽታማት እትነብር ዝነበረት ወላዲታ ክትበጽሕ ምስከደት'ያ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ክትፈልጥ ኪኢላ።

ማርጋሬት ሩቶ፡ ናብ ዝዓበየትሉ ቁሸት ምስከደት፡ ክልተ ናይ 12ን 14ን ዕድመ ዝነበረን ኣዋልድ ካብቲ ማእከል ዘኽታማት ድሕሪ ምህዳመን ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ቦታ ዝፍጸም ዝነበረ ዝጾታዊ ዓመጻት ምስ ተዛረባ ዓዲ "ተነዓዒባ" ጸኒሓታ።

ንባዕላ "ናብ መርማሪት ተቐዪራ" ድማ፡ ዛንታታት ናይተን ዝተዓመጻ ቆልዑ ክትስንድ ጀሚራ።

ብዓልቲ ቤቱውን ኣብቲ ገበን 'ተሓባባሪትያ'

ኣብቲ ማርጋሬት ሩቶ ዝኣከበቶ ሓበሬታ ብምምርኳስ፡ ክፍሊ መርመራ ኣመሪካ፡ ዳው፡ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ኣብ ዝነበረ እዋን ብውሕዱ ኣብ ልዕሊ 4 ኣዋልድ ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻሙ ኣረጋጊጹ።

"ክልተ ካብተን ቆልዑ፡ ደቂ 11 ዓመት 'ከለዋ'የን ክዕመጻ ጀሚረን።

"ብዓልቲቤት ናይቲ ገበነኛ፡ እተን ግዳያት መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ቀላጽመን ክስኳዓለን ምእንቲ ናብ ክሊኒካት ሕክምና ተመላልሰን ነይራ። እዚ ድማ ዳው ብዘይ ናይ ጥንሲ ስግኣት ከምድላዩ ነቶም ገበናት ክፍጽም ኣኽኢልዎ'ዩ" ክብል ቤትጽሕፈት ኣኽባሪ ሕጊ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

ግረጎሪ ዳው፡ ቅድሚ ነቲ እንዳ ዘኽታማት ምጅማሩ'ውን፡ ብገበናት ጾታዊ ዓመጽ ዝፍለጥ ዝነበረን ሰብ'ዩ።

ኣብ 1996፡ ጾታዊ ዓመጽ ክፍጽም ውጥን ከምዝነበሮ ብምእማኑ፡ ናይ ክልተ ዓመት መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ፡ ን10 ዓመት ኣብ መዝገብ ጾታዊ ዓመጽ ዝፍጽሙ ገበነኛታት ኣትዩ ነይሩ።