እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሚሊዮናት ዜጋታት ኣመሪካ ብምኽንያት በረድ ጥንቃቐ ክገብሩ መምርሒ ተዋሂቡ
ብርክት ዝበለ ኣይሂ ውርጪ (በረድ) ኣብ ምዕራብ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ክእከብ ጀሚሩ፤ ነዚ ድማ ልዕሊ 60 ሚሊየን ሰባት ክዕዘቡዎ እዮም።
እቲ ውርጪ ካብ ኮሎራዶ ክሳብ ማይኔ ክዝርጋሕ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ ካልኦት 14 ግዝኣታት'ውን መጠንቀቕታ ተዋሂቡወን ኣሎ።
ገለ ከባቢታት ክሳብ 60 ሜትር ዝኸውን ውርጪ ክርእያ ምዃነን ይግመት።
ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር፡ ኣብተን ኣዐርየን ዝጥቅዓ ከባቢታት "ሓደገኛ'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ዝኸበደ ውርጪ ሎሚ መዓልቲ ኣጋምሸት ከም ዝኸውን ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ ኒውዮርክ ዝህሉ'ውን ድሕሪ ብዙሓት ዓመታት ዘጋጥም ዝዓበየ ውርጪ ከም ዝኸውን ከንቲባ ቢል ባሊሶ ገሊጹ።
ነበርቲ ክጥንቀቑ ድማ ኣተሓሳሲቡ።
ብምኽንያት እዚ ውርጪ፡ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን፡ ተመሃሮ ትምህርቲ ብኢንተርነት ክከታተሉ ክግበር እንከሎ፡ ኣብ ደገ ኮይንኻ ምምጋብ'ውን ተኸልኪሉ።
ኣብ መላእ ሰሜን ምብራቕ ኣመሪካ ኣገልግሎት በረራን ባቡርን ተሰሪዙ።
ኣብ ኒውዮርክ፣ ፔንሲልቫኒያ፣ ኮኔክቲከትን ሜሪላንድን ዝነበሩ ማእከላት መመርመሪ ኮቪድ-19 ድማ ተዓጽዮም ክብል ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ሰብ መዚ፡ እዚ ውርጪ ክታበት ፒፋይዘር/ባዮንቴክ ናብ ሆስፒታላት ኣብ ምብጽጻሕ ዘሕድሮ ጽልዋ ንምፍላጥ ይከታተሉዎ ከም ዘለው ገሊጾም።