እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ባይደን ጽልዋ ንምሕዳር ትፍትን ኣላ - ሰብ መዚ ኣመሪካ
ቻይና፡ ንጉጅለ ባይደን ቐረባ ንዝኾኑ ሰባት ዒላማ ትገብር ነይራ ክብል ዳይሬክተር ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ዊልያም ኢቫኒና ከሲሱ።
ንሱ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ናይ ጽልዋ ጎስጓስ ሓያል ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።
ኣመሪካ ክታበት ኮሮናቫይረስ ንምምዕባል ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕርን ኣብ መረጻ እታ ሃገርን ጣልቃ ንምእታው ፈቲና ነይራ ዝበለ እቲ ዳይሬክተር፡ "ቻይና ኣብ ልዕሊ ሓድሽ ምምሕዳር ባይደን ጸቕጢ ንምግባር ከምእትፍትን ዘመልክት ውጥን ከም ዘለዋ ኣስተውዒልና'' ኣለና ኢሉ።
"ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር እቲ ጽልዋ እንታይ ከም ዝመስልን እንታይ ከም ዝጥዕምን ክነረድኦ ኢና ንደሊ" ክብል ተዛሪቡ።
ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ኣመሪካ 2020፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኮነ ጆ ባይደን ብቻይና ተጸልዮም'ዮም ዝብል ነቐፌታ ይቐርበሎም ነይሩ።
ብኻልእ ወገን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ፡ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ጥርጡራት ሰለይቲ ቻይና ካብ ኣመሪካ ሃዲሞም።
ሓላፊ ክፍሊ ሃገራዊ ድሕነት ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ኣመሪካ ጆን ሜሜርስ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ቻይናውያን ተመራመርቲ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ሃገሮም ርክብ ከም ዘለዎም ብመርመርቲ ኤፍቢኣይ ተረጋጊጹ'ዩ ይብል።
እዚ ምስ ሰራዊት ቻይና ዝነበሮም ሕቡእ ርክብ ሓሙሽተ ወይ ሽዱሽተ ቻይናውያን ተመራመርቲ ምስተኣሰሩ ክፍለጥ ከም ዝተኻእለ ሓቢሩ።
ናይዞም ተመራመርትን ተመሃሮን፡ ዝተዋህቦም ቪዛ ኣብ ወርሒ መስከረም ካብ ዝተሰረዘ'ውን ገሊጹ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን፡ መንግስቲ ኣመሪካ ልኡኽ "ወተሃደራዊ ዕላማ ኮሚኒስት ቻይና" ዘይብሎም ጥራሕ ኢና ክንቕበል ኢሉ ነይሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ዋንነት ፈጠራ ስነ ኣእምሮ ብምዝማት ብዝብል ክሲ ኣብ ሆስቶንን ቴክሳስን ዝነበሩ ቆንስላታት ዓጽዩ።
ቻይና፡ ነዚ ስጉምቲ ዓሌታዊ ምንኣስ ኣመሪካ ክትብል እኳ እንተገለጸቶ፡ ሓላፊ ዴመርስ ግን ሰብ መዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ቻይናውያን ተመሃሮ ዝፈጸሙዎ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ የለን ኢሉ።
ክልትኣዊ ዝምድና እዘን ሃገራት ብንግዳዊ ርክባት፣ ጉዳይ ሆንግ ኮንግን ለበዳ ኮሮናቫይረስን ናብ ሓያል ወጥሪ ዓሪጉ ይርከብ። ትካላት ስለያ ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ ዝመጽእ ምምሕዳር ፕረዚደንት ጆ ባይደን ጸቕጢ ንምግባር ጻዕርታት ይገብሩ ኣለው ክብል ቤት ጽሕፈት ስለያ ኣመሪካ ገሊጹ።