ዙም፡ ኣብ'ዚ ዓመት ናይ 2.5 ቢልዮን ዶላር መሸጣ ክፍጽም ይእምት

ሰባት ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ገዛ ምስራሕ ምስ ጀመሩ፡ ንኣገልግሎት ኣኼባታት ከገልግል ዝጀመረ መተግበሪ ምስልን ድምጽን ዝኾነ "ዙም"፡ ኣታዊታቱ ከም ዝዓበየ እቲ ኩባንያ ኣፍሊጡ።

እዚ ኣብ ካሊፎርኒያ ዝመደበሩ ኩባኒያ ዙም፡ 2.5 ቢልዮን ዶላር መኽሰብ ክረክብ ኣሚቱ ከምዘሎን፤ እዚ ድማ ልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ኣብ ወርሒ መጋቢት ክረኽቦ ካብ ዝወጠኖ ንላዕሊ እዩ።

ድሕሪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ዙም፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ምስ ስድርኦምን መሓዙቶምን ንምርኻብ ኮነ ተመሃሮን ንምምሃርን ኣኼባታት ንምክያድን ዝመርጹዎ መተግበሪ'ዩ።

መስራትን ዋና ዳይሬክተርን ዙም ኤሪክ ዩዋን፡ "ሰራሕተኛታት ካብ ዘለውሉ ኮይኖም ስርሖም ኣብ ዝቐጸልሉ እዋን" ቑጽሪ ዓማዊል ከምዝወሰኸ ሓበሩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እዚ ዓመት፡ እቲ ኩባኒያ ልዕሊ 10 ሰራሕተኛታት ኣስታት 434 ሽሕ ዓማዊል ከምዝነበሮን ይግለጽ። እዚ ምስ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ከሎ ብ485 ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ'ዩ ተባሂሉ።

በዚ ምኽንያት፡ እቲ ኩባኒያ ካብ ዝሓሰቦ ንላዕሊ ዕዳጋን መኽሰብን ይረክብ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ዙም፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ ክሳብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዘለው ግዜያት፡ መሸጣ ርብዒ ዓመት 777 ሚልዮን ዶላር ከመዝግብ እንከሎ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ምስ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ ናይ 367 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።

መኽሰቡ ድማ፡ ኣብዚ ርብዒ ዓመት 198.4 ሚልዮን ዶላር ኮይኑ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝነበረ ርብዒ ዓመት 2.2 ሚልዮን ዶላር ነይሩ።

እቲ ኩባንያ ዝረኽቦ መኽሰብ ዝምልከት ዳግማይ ገምጊሙ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሓድሽ ዓመት ፈረንጂ 2020፡ 2.5 ቢንዮን ዶላር ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ ብዝነበረ ትንበያ እቲ ኩባኒያ፡ 2.37 ቢልዮን ዶላር ዝብል ኮይኑ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝነበረ መሸጣ ድማ 622.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዝኾነ ተገሊጹ።