እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኣመሪካ ትማሊ ጥራሕ 100 ሽሕ ሰባት ብኮቪድ-19 ተለኺፎም
ኣብ ኣመሪካ ትማሊ ጥራሕ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም።
ንምዕባለታት መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ዝከታተል ፕሮጀክት ኣሰር ኮቪድ ቑጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትው ከም ዝወሰኸ እኳ እንተገለጸ፡ ብምኽንያት ምውሳኽ መርመራ ከም ዘይኮነ ግን ሓቢሩ።
ትማሊ፡ ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 1100 ሰባት ሞይቶም እዮም።
ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣመሪካ እቲ ዝዓበየ ፖለቲካዊ ወጥሪ ዘስዓበን ንሕንሕ እቲ መረጻ ዘካረረን እዩ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን በቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ልዕሊ 50 ሽሕ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ዘለው ኮይኖም፡ እዚ ካብ መጀመርታ ወርሒ ጥቅምቲ ንድሓር ብኣስታት 64 ሚኢታዊት ወሰኽ ኣርእዩ።
ኣብታ ሃገር መዓልታዊ ብማእከላይ ዝምዝገብ ሞት'ውን ይወስኽ ምህላዩ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብ መጀመርታ ለብዒ እቲ ለበዳ ካብ ዝነበረ ግን ምንካይ ዘርኣየ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣብታ ሃገር፡ 9.5 ሚሊዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም ልዕሊ 233 ሽሕ ሰባት ድማ ሞይቶም።
ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ሞትን መልከፍትን ዘመዝገበት ሃገር እያ።