ኩነታት ጥዕና ፖለቲከኛ በቀለ ገርባ ከምዘተሓሳሰቦም ቤተሰቡ ገሊጾም

ድሕሪ ሞት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተልዓለ ጎንጺ ተኸሲሱ ዝተኣሰረ ፖለቲከኛ ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ኩነታት ጥዕንኡ ከምዘተሓሳሰቦም ቤተሰቡ ገሊጾም።

ኣቶ በቀለ ገርባ፡ ቅድሚ ሕዚ ንሽውዓተ ዓመታት ኣብ ዝተኣሰረሉ እዋን ናይ ዓይኒ ሕማም ከምዘጋጠሞ እትገልጽ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሃና ረጋሳ፡ ሕዚ 'ውን እኹል ሕክምና ብዘይ ምርካቡ፡ ኩነታት ጸጋማይ ዓይኑ ኣተሓሳሲቡና ኣሎ ኢላ።

"ጸጋማይ ዓይኑ እዩ ሓሚሙ ዘሎ። እቲ ሕማም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሃለወ እዩ ጀሚሩዎ። ኣብቲ እዋን ካብ ቤት ማእሰርቲ እናተመላለሰ ይሕከም ነይሩ" እትብል ወ/ሮ ሃና፡ ኣብዚ እዋን ግን እኹል ክትትል ሕክምና ስለዘይረኸበ፡ ናይ ሓደ ዓይኑ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ 50 ምኢታዊት ጥራሕ ከምዝኾነ ተዛሪባ።

እኹል ሕክምና ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፡ ዓብዪ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ገሊጻ።

ብላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ፡ ብወንጀል ተጠርጢሩ ዝተኣሰረ ሰብ ጸገም ጥዕና እንተጋጥሞ ኣብ እዋኑ ሕክምና ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎ ይብል፤ መንግስቲ እውን ነዚ ናይ ምፍጻም ግዴታ ኣለዎ ይብል።

ምክትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ፍቓዱ ጸጋ፡ ኣቶ በቀለ ገርባ ዓይኑ ምሕማሙ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከምዝሰመዐ፡ እንተኾነ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ዝመጸ ዕላዊ መረዳእታ ከምዘየለ ተዛሪቡ።

ወ/ር ሃና ብወገና ዋላኳ ቤት ፍርዲ ኣቶ በቀለ ክሕከም እንተፈቐደ፡ እቲ ዝተውሃበ ትእዛዝ "ኣቶ በቀለ ናብ ናይ ውልቀ ሕክምና ከይዱ ይተሓከም ኣይብልን" ብዝብል ምኽንያት፡ ቤት ማእሰርቲ ቃሊቲ ከምዝኸልከሎ ገሊጻ።

"ሓኪም ጸጋማይ ዓይኑ ናይ ምርኣይ ዓቕሚ ትሕቲ 50 ምኢታዊት ከምዝኾነ ነጊርዎ እዩ። በብወርሑ ኣብ ዓይኑ ዝውገኦ መርፍእ ከቋርጽ ከምዘይብሉ እዩ ተዛሪቡ ነይሩ" ትብል።

ካብ ጠበቓታት ኣቶ በቀለ ገርባ ሓደ ዝኾነ ኣቶ ቱሊ ባይሳ፡ ጉዳይ ኣቶ በቀለ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ቤት ፍርዲ ፌደራል ዝረኣይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዓይኑ ኣብ ናይ ውልቀ ትካል ክሕከም ተፈቒዱሉ ከምዝነበረ ይዛረብ።

"ቤት ፍርዲ ኣብ ናይ ውልቀ ሕክምና ክሕከም ትእዛዝ ሂቡ እዩ። እቲ ቤት ማእሰርቲ ግን ከምኡ ይገብር የለን። ስለዚ ቅረታና ናብቲ ክሱ ዝረኣየሉ ዘሎ ቤት ፍርዲ ክነቕርብ ኢና" ኢሉ።

ሓደ ተጠርጣሪ ቤት ፍርዲ ሕክምና ክረክብ ፈቒዱሉ እናሃለወ ምኽልካል ወንጀል ከምዝኾነ ዝገልጽ ምክትል ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፍቓዱ ጸጋ፡ ናይቲ ጥርጡር መሰል ዝጠሓሰ ኣካል ብሕጊ ክሕተት እዩ ኢሉ።