እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖሊስ ንኣቶ ልደቱ እንተዘይፈቲሕዎ፡ ስጉምቲ ከምዝወስድ ቤት ፍርዲ ገሊጹ
ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ንኣቶ ልደቱ ኣያልው ክፈትሖ፡ እንተዘይኮይኑ ግን እቲ መጋባእያ ስጉምቲ ከምዝወስድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሽዋ ሎሚ ከምዝኣዘዘ ጠበቕኡ መሓመድ ጁማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሎሚ 9 ጥቅምቲ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ፡ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ምብራቕ ሽዋ ቀሪቡ መልሲ ዝሃበ ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ፡ ነቲ ቦታ ሓድሽ ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ኣቶ ልደቱ ዝተኸሰሰሉ እውን ዘይሕጋዊ ብረት ምሓዝ ምዃኑ ከምዘይፈልጡ ምዝራቡ ኣቶ መሓመድ ገሊጹ።
በዚ ድማ ምስ ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ተዘራሪበ ክመጽእ ካሊእ ቆጸሮ ይወሃበኒ ኢሉ ሓቲቱ።
ኣቶ ልደቱ መሰል ዋሕሱ ተኸቢሩ ዘይፍታሕ እንተኾይኑ እቲ ቤት ፍርዱ ስጉምቲ ከምዝወስድ ምግላጹ ድማ እቲ ጠበቓ ሓቢሩ።
ኣቶ ልደቱ ሎሚ ብሰለስተ ጉዳያት ብዝተኣሳሰር ከምዝቐረበ እዩ ኣቶ መሓመድ ዝዛረብ።
ሎሚ በቲ ዘይሕጋዊ ብረት ምሓዝ ዝብል ክሲ ፍርዲ ንምሃብ ቆጸራ ተታሒዙ ምነባሩን፡ ጸሓፊ እቲ መጋባእያ ብድምጺ ዝቐረበ መረዳእታ ናብ ጽሑፍ ቀይሩ ከምዘይወደአ ኣረዲኡ ኢሉ።
ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ንኣቶ ልደቱ ብዋሕስ ክፈትሕ ዝተውሃቦ ትእዛዝ ብዘይ ምፍጻሙ፡ ፖሊስ ኦሮምያ ብሓይሊ ከፈጽም ትእዛዝ ተዋሂብዎ ስለዝነበረ፡ ነዚ ንምርግጋጽ ካልኣይ ጉዳይ ኮይኑ ፖሊስ ኦሮምያ ግን ምፍትሑን ዘይምፍትሑን ከረድእ ከምዘይቀረበ ገሊጹ።
እቲ ሳልሳይ ድማ ፖሊስ ቢሾፍቱ ንኣቶ ልደቱ ንምንታይ ብዋሕስ ከምዘይፈትሖ ምጽራይ ከምዝነበረ ኣቶ መሓመድ ጠቒሱ።
በዚ መሰረት ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ቢሾፍቱ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ፡ ድሕሪ መስከረም 13 ናብቲ ስራሕ ከምዝተመደበ ብምሕባር ብዛዕባ ዘይሕጋዊ ብረት ዘይኮነስ ሕገምንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ብምንቅስቓስ ብዝብል ክሲ ከይተፈተሐ ከምዝጸንሐ ምግላጹ፡ እቲ ጠበቓ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ ክልተ ግዘ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዘይበጸሖን፡ ብዘይምፍላጡ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዘይፈጸመን ገሊጹ።
ከምኡ ድማ፡ ኣቶ ልደቱ ኣብ ቢሾፍቱ ይተኣሰር ዳኣ እምበር፡ ኣሳሪኡ ፖሊስ ኦሮምያ ስለዝኾነ፡ 'ምስ ፖሊስ ኦሮምያ መኺረ ክመጽእ ተለዋጢ ቆጸሮ ይወሃበኒ' ኢሉ።
እቲ ምኽንያት ኣዕጋቢ ከምዘይኮነ ዝገለጸ ቤት ፍርዲ ብወገኑ፡ ኣቶ ልደቱ ብቕልጡፍ ክፍታሕ እንተዘይኮይኑ ግን ስጉምቲ ከምዝወስድ ትእዛዝ ሂቡ።
ብተመሳሳሊ ፖሊስ ኦሮምያ ትእዛዝ ክፍጽም እንተዘይኮይኑ ዘይፈጸመሉ ምኽንያት ከቕርብ፤ ጸሓፊ እቲ መጋባእያ ድማ ድምጺ ናብ ጽሑፍ ቀይሩ ቅድሚ ዝመጽእ ቆጸሮ ወዲኡ ከቕርብ ኣዚዙ ኣሎ።
ኣቶ ልደቱ ድማ 11 ጥቅምቲ ንተለዋጢ ቆጸሮ ክቐርብ ኣዚዙ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሎሚ ኣብ ዝነበረ ኣኼባ ተወከልቲ ህዝቢ፡ ፈጸምቲ ኣካላት ቤት ፍርዲ ዝህቡ ውሳነታት ከኽብሩ ከምዝግበኦም ምግላጹ ይዝከር።